ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣማኸርቲ ስራሕ ንኣባይቲ ስድራ ቀረባ ክኾኑ፡ ድሕነት ከስፍሑ ይላበዉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣማኸርቲ ስራሕ ንኣባይቲ ስድራ ቀረባ ክኾኑ፡ ድሕነት ከስፍሑ ይላበዉ  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ኣማኸርቲ ስራሕ ንኣባይቲ ስድራ ቀረባ ክኾኑ፡ ድሕነት ከስፍሑ ይላበዉ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ ኢጣልያ ስርዓት ኣማኸርቲ ዕዮ ዕለት 18 ታሕሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተራኺቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ድሕነት ምድንፋዕ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፡ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡ ክፍሊ ሕብረተሰ ቀረባ ምዃኑ ከም ዘድሊ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 18 ታሕሳስ ንኣማኸርቲ ስራሕ ኢጣልያ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ምስቶም ዝያዳ ሓገዝ ዘድልዮም ብዙሕ ውላድ ዘለዎም ኣባይቲ ስድራ ወይ ድማ ብዕድመ ዝደፍኡን ዝሓመሙን ሓገዝ ንዘድልዮም ኣዝማዶም ዝከናኸኑ ሰራሕተይናታት፡ ቅርበት ክህልዎምን ኣብ ስራሕ ቦታ ድሕነት ኣብ ምድንፋዕ ክቕጽሉን ኣተባቢዖም።

ቅዱስ ኣቦና እቲ ማሕበር ስራሕ ኢጣሊያ መበል 60 ዓመት ምስረታኡ ኣብ ዘብዕለሉ ዘሎ እዋን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም ኣብ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳን፡ ኣብ ኢጣልያ፡ ኣማኸርቲ ስራሕ፡ ዕዮ ትካላትን፡ ምቑጻር ሰራሕተይናታትን፡ ሕግታት ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ኣብ ዝተኣሳሰር ጉዳያት ምኽርን ደገፍን ዝህብ ምዃኑ ይፍለጥ።

ሰብኣዊ ፍጥረት ኣብ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዓለም ማእከላይ ደረጃ ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ስራሕ ቦታ ምሕላው ክብሪ ሰብኣዊ ፍጥረት ኣገዳስነቱ ኣጉሊሖም። “ኣብ ማእከል ዝኾነ ይኹን ናይ ስራሕ ተግባር፡ ርእሰ - ማል፡ ይኹን ሕግታት ዕዳጋ፡ ወይ መኽሰብ ክህሉ የብሉን፡ እቲ ማከላይ ክኸውን ዘለዎ ውልቀ - ሰብ፡ ስድራቤትን ጽቡቕ ሂወቶምን እዩ” እንክብሉ ቅድሚኦም ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮን ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማውን ቃላት ብምጥቃስ ኣብሪሆም። ኣማኸርቲ ስራሕ ንመንእሰያት ኣባይቲ ስድራ፡ ንኣሽቱ ቆልዑ ዘለዎም ወለዲ፡ ወይ ድማ ስራሕ እኳ እንተሃለዎም፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ወይ ዝሓመሙ ኣዝማዶም ክከናኸኑ ናይ ዝግደዱ ድሌታት ንምምላእ ክሕግዙ ከምዘለዎም ኣጽኒዖም ብምዝኽካር፡ "እዚኣቶም ብሓቂ ስልጡን ዝኾነ ሕብረተሰብ ክርስዖም ወይ ሸለል ክብሎ ዘይክእል ድሌታት እዮም፡ ነቶም ነዞም ድሌታት ንምምላእ ዝቃለሱ ድማ ክትድግፉ ዘኽእለኩም መገዲታት ኣለኩም። ሎሚ እደ ጥበብን ሰብ ሰርሖ ኣስተዕሎን ንንጥፈታትና ኣብ ዘመሓድርሉ ኣብ ዘለዉሉ ኩነታት፡ ትካላት ዕዮ ቅድሚ ኩሉን ልዕሊ ኩሉን ከም ናይ ሰብኣውን ሕውነታውን ማሕበረሰባት ቦታ ምዃነን ምርግጋጽ ህጹጽ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ሓደጋ ሞት ብዙሕ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓደጋታት ንምክልኻል ኣማኸርቲ ስራሕ ኣብ ምድንፋዕ ድሕንነት ስራሕ ዝሰርሕዎ ኣገዳሲ ዕዮ ኮይኑ ክቕጽሉ ኣተባቢዖም። ኣማኸርቲ ስራሕ ኢጣልያ ኣብዚ ኣርእስቲ ንሰራሕተይናታት ናይ ምቛምን ስልጠናን መደብ ሕንጸት ናይ ምቕራብን ምምራሕን ሓላፍነት ኣለዎም።

ሎሚ'ውን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ሓደጋታትን ሞትን ማህሰይትን ብብዝሒ ዘጋጥም ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “እቲ ወትሩ ቦታታት ህይወት ኪኸውን ዝግብኦ፡ ማለት ሰባት መዓልታዊ ዝበዝሕ ግዜኦም ዘሕልፍሉን ዓቢ ክፋል ጕልበቶም ዘዋፍሩሉን፡ ብተደጋጋሚ ናብ ናይ ሞትን ጽምዋን ቦታ ይቕየሩ ኣለዉ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2023 ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “ውሕስነት ኣብ ስራሕ ከምቲ እነስተንፍሶ ኣየር እዩ: ኣገዳስነቱ ብዘሕዝን መልክዑ ምስ ዝጎድል ጥራይ ኢና እንርድኦ . . . ምስ ደንጎየ” ዝበልዎ ብምዝኽኻር፡ “ካብ ምፍዋስ ምክልኻል ይሓይሽ፣ እዚ ድማ ናይቲ እተቕርብዎ መደብ ሕንጸት ዕላማ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ሰራሕተይናታትን ወሃቢ ስራሕን ሽምግልና ምግባር

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንኣማኸርቲ ስራሕ ኣብ መንጎ ኣካየድቲ ዕዮን ሰራሕተይናታትን ዝምድና ኣብ ምምችቻእ ኣገዳሲ ናይ ሽምግልና ተራ ከምዘለዎም ኣስሚሮም፡

ኣማኸርቲ ስራሕ “ንህይወት ሰራሕተይናታትን ስድራቤቶምን መሰረታዊ ዝኾነ ሕጋውን ምምሕዳራውን መዳያት ከም ዝኣልዩ” ኣመልኪቶም፣ ኣብዚ ድማ “ብሓደ ወገን ካብ መጠን ንላዕሊ ንዝምድናታት ስነ ቤት ጽሕፈታዊ ምግባር፡ በቲ ካልእ ድማ ካብ ክውንነት ምርሓቕን ምፍንጫልን” ዝብሉ ክልተ ፈተናታት ክህልዉ ከም ዝኽእሉ ኣስተብሂሎም፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ Evangelii Gaudium - ናይ ወንጌል ሓሴት ብዝብል ኣራእእስቲ ስደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፡ “ክልቲኦም ጎዳእቲ እዮም ምኽንያቱ፣ ኣብ ነዊሕ እዋን፣ ነቲ ናይ ስርሕ ቦታ ዘይንበረሉ ሃዋህው ይገብርዎ፣ ብመሰረቱ ድማ ነቲ ደጋፊ ምትሕብባር ካብ ዝብል ሓቀይና ጸዋዕታኡ የርሕቖ - ቢሎም - በዚ ምኽንያት’ዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንኣማኸርቲ ስራሕ “ብጸቕጢ ኣረኣእያ ኣስራሒ - ወሃቢ ስራሕ” ዘይኮነስ “ኣብ ቅድሜኹም ዘለዉ ሰባት ብፍላይ ድማ ነቶም ኣብ ጸገም ዝርከቡን ድሌታቶም ክገልጹን ድሌታቶም ክማላእ ዕድል ዘይብሎምን ኣቓልቦ ክትገብሩ እዕድም” መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

19 Dec 2025, 17:18