ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እቶም ዝተጸገሙ መንበሪ ክህልዎም ብሓባር ንስራሕ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እቶም ዝተጸገሙ መንበሪ ክህልዎም ብሓባር ንስራሕ  (ANSA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፡ እቶም ዝተጸገሙ መንበሪ ክህልዎም ብሓባር ንስራሕ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ እዋን ዓቢይ ጾም ኣብ ብራዚል ንዝካየድ ወፍሪ ሕውነት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ነቶም ክቡር መንበሪ ዘይብሎም ኣሕዋትናን ኣሓትናን ኣባይቲ ክረኽቡ ጭቡጥ ተወፋይነት ክግበር ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 11 ለካቲት ንልዕሊ 60 ዓመታት ብናይቲ ከባቢ ጳጳሳት ጉባኤ ዝተዳለወ ናይ ሕውነት ወፍሪ ኣብ ብራዚል ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ዓቢይ ጾም ከምቲ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ ዝገልጾ “ቅዱስ ግዜ” ኢዩ፡ ኣብኡ ነፍሲ ወከፍ ሰብ “ካብ ኣምላኽ ንሓቀይና ምልዋጥ ፍሉይ ጻውዒት” ይቕበል ቢሎም፡ ናይ ለምዘበን እቲ ወፍሪ ነቶም መንበሪ ገዛ ዘይብሎም ግዳም ሓደር ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተወፈየ ከም ዝኾነ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ቅዱስነቶም “ኣብዚ ብርቱዕ ጸሎት ዝግበረሉ እዋን፡ ክርስቶስ ባዕሉ ዝለለየሎም ድኻታትን ጽጉማትን” ተወፋይነት ምሕዳስ ከምዘድሊ ኣዘኻኺሮም፡ ንመዋቕራዊ ጠንቅታት ድኽነት ንምፍታሕ ዝጽውዕ ‘Dilexi te - ኣነ ኣፍቀርኵከ’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ተወኪሶም፡ “ሓቀይናታት ተቐበልቲ ምርጫ ፍቕርና” እዮም ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

መዓታዊ ሳዕቤን ሕጽረት ኣባይቲ

መርሕ ቃል ናይዚ ወፍሪ ሕውነት 2026 ካብ ወንጌል ዮሓንስ ዝተወስደ “ኣባና ሐደረ” (ምዕ. 1, 14) ዝብል ኮይኑ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነቲ ቅልውላው ኣባይቲ “ብደረጃ ውልቀሰብን ስድራ ቤትን ማሕበራውን ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘለዎ፡ ከቢድ ጸገም” እክብሉ ከም ዝገለጽዎ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ኣዘኻኺሮም፡ ብፍላይ ከኣ ኣብቲ Sollicitudo rei socialis - ስክፍታ ንማሕበራዊ ጉዳያት  ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ፡ “ሕጽረት ኣባይቲ ከም ምልክትን ጽማሬን ናይ ምሉእ ቍጠባዊ፣ ማሕበራዊ፣ ባህላዊ ወይ ተራ ሰብኣዊ ጕድለታት ተገይሩ ክውሰድ ኣለዎ" እንክብሉ ዘስመሩሉ ሓሳብ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቀጻሊ ኣተሓሳስባ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን እዚ ኣስተንትኖ እዚ ዝተነጸለ ተግባራት ጥራይ ዘይኮነስ ንሓቀይና ምንቃሕ ሕልና ዝድርኽ ክኸውን ተላብዮም፡ "ነቲ ጐይታ ብልግሲ ዝሃበና ውህበት ምክፋል ኣብ ዓመት ኣብ ወፈራ ወይ ሓሓሊፍካ ኣብ ዚግበር ተበግሶታት ጥራይ እተሓጽረ ኪኸውን የብሉን የግዳስ ኣብቶም መንበሪ ገዛ ወይ ቦታ እውን ዘይብሎም ሰባት ንክርስቶስ ክንራኸብ ዘገድደና ቀጻሊ ኣረኣእያ ኪኸውን ኣለዎ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ንመንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ስርዓት

ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም ካብ ወፍሪ ሕውነት ዝተወልዱ ተበግሶታት ነባሪ ፍረ ክህልዎም ተስፋኦም ገሊጾም፡ እዚ ሰናይ ተግባር እዚ "ንሰበ - ስልጣን መንግስቲ ህዝባዊ ሕግታት ንኸስፍሑ የተባብዕዎም በዚ ኸምዚ ድማ ብሓባር ብምዕያይ ነቶም ኣዝዮም እተሸገሩ ሰባት ኣብ ኵነታት ኣባይቲ ዓብዪ ምምሕያሽ ክገብሩ ይኽእሉ ኢዮም - ቢሎም - ነዚ ተስፋ እዚ ንቕድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣፓሬሲዳ ጠበቓን ሓላዊትን  ቅድስቲ ሃገረ ብራዚል ኣማሕጺኖም "ኵሉ ሰብ ክቡር መንበሪ ምእንቲ ኺህልዎም" ንዚሰርሑ ቡራኬኦም ከም ዘመሓላለፉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

19 Feb 2026, 16:49