ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ እዋን ዓቢይ ጾም ናይ ንስሓን ምልዋጥን እዋን እዩ!
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምሸት ኣብ ሮማ ክፍለ ከተማ ኣቨንቲኖ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅድስቲ ሳቢና ዕለት 18 ለካቲት ብስርዓተ ኣምልኾ ላቲን ረቡዕ ዘሓሙኹሽቲ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ስነ ስርዓት ምጅማር ዓቢይ ጾም መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፡ ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ብዛዕባ ንስሓን ማሕበረሰብን ሞትን ከም ዘስተንተኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ከም ትእምርቲ መስቀል ኣብ ነፍሲ ወከፍ ግንባር ክርስቲያን ዝልከይዎ ሓሙኹሽቲ “ክብደት ናይ ሓንቲ ብሓዊ እትነድድ ዓለም፡ ብውግእ ዝዓነዋ ከተማታት” የዘኻኽረና ቢሎም፡ ኩነታት ዓለም፡ ኣብዛ ረቡዕ ዘሓሙኹሽቲ “ንሞት ከይፈራህና በቲ ዘለዎ ክንጽውዖ፡ ኣብ ውሽጥና ድማ ምልክታቱ ክንሕዝ” ይሓተና ክም ዝበሉ የመላኽት።
ሓጢኣት፡ ማሕበራውን ብሕታውን
ብስርዓተ ኣምልኾ ላቲን ረቡዕ ዘሓሙኽሽቲ፡ ዓቢይ ጾም ዝጅመረሉ መዓልቲ ዝውክል ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ቅድሚ ፋሲካ ኣብ ዘሎ 40 መዓልታት ናይ ጾምን ጸሎትን ግዜ ዘበግስ ኮይኑ፡ ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ “ንማሕበረሰብ ሓያል እዋን እዩ” ቢሎም ሎሚ፡ ማሕበረሰብ ነዚ ብዙሕ ዘየቃልበሉ እውን እንተመሰለ ጾም ግን ንሰባት ከም "ሓጢኣቶም ኣፍልጦ ዝህቡ ማሕበረሰብ መሰኻኽር" ኣብ ምዃኖም የተኣኻኽቦም እንክብሉ ኣስሚሮም፡ እዚ ሓጢኣት እዚ ውልቃውን ማሕበራውን ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ሓጢኣት "ንልብና የሳቕዮ ኣብ ውሽጥና እውን ከም ዘሎን" ኣብ ርእሲ እዚ’ውን ኣብ ውሽጢ እቲ "ቍጠባውን ባህላውን ፖለቲካውን ሃይማኖታውን" ኪኸውን ዚኽእል ዝዓበየ "መዋቕር ሓጢኣት ኮይኑ ድማ ይንጸባረቕ። ጾም ብንስሓን ምልውጥን ኣቢልካ "ካብ ኵሉ ነገራ ሓራ ክትወጽእ ዝድግፍ መንፈሳዊ መጋበርያ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ጾም ንተልእኾ ወንጌል ዘለዎ ኣገዳስነት
ኣብዚ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል መዋእል ንመንእሰያት ኣዚዩ ከም ዝማርኽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገሊጾም፡ መንእሰያት ብፍላይ "ኣብ ቤተ - ክርስትያንን ኣብ ዓለምን ንዝገበርናዮ ግጉይ ተግባራት ዘሎና ተሓታትነት" ብንጹር ከም ዚርድእዎ ሓቢሮም፡ ስለዚ ክርስትያን ንጾም ከም ብሕታዊ ተወፋይነት ገይሮም ኣብ ክንዲ ዚርእይዎ "ነቶም ብዙሓት ውሽጣዊ ቅሳነት ዘይብሎም ሰናይ ድሌት ዘለዎም ሰባት፡ ህይወቶም ንምሕዳስ ሓቀይና መገድታት" ዘመልክት ገይሮም ክነብርዎ” ዓዲሞም ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
