2025.12.20 Udienza Giubilare 2025.12.20 Udienza Giubilare  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ 'ቤተ-ክርስትያን እተገልጸት ምስጢር እያ!'

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ ብዛዕባ እቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዳግማዊ ቅዋም ዝኾነ “ብርሃን ኣሕዛብ” ('Lumen Gentium) እተሰምየ ሰነድ ብምስትንታን ቤተ-ክርስትያን 'እተገልጸት ምስጢር' ምዃና ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ውን ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘካየድዎ፣ ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጽ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ብምቕጻል፣ "ቤተ-ክርስትያን እተገልጸት  ምስጢር ኢያ" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ኣስተምህሮኦም፣ "ሓደ ኻብቲ ኣዝዩ ሰናይን ኣገዳስን ዝኾነ ሰነዳት" ናይቲ ጉባኤ ክብሉ ዝጸውዕዎ ዶግማዊ ቅዋም “ቃል እግዚኣብሔር” (Dei Verbum) ብዛዕባ መለኮታዊ ግልጸት ዘስተምህር ሰነድ ድሕሪ ምስትንታን፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ብዛዕባ ዶግማቲክ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” ኣተኲሮም ኣስተምህሮኦም ከም ዝቕጽሉ ገለጹ።

ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕትና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስነቶም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ነቕርበሉም፣ ሰናይ ምክትታል!

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ብሩኽ መዓልቲ!

እዚ ነዚ ተኸታታሊ ትምህርተ ክርስቶስና ኣወፊናዮ ዘሎና ሰነዳት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን፣ ንቤተ-ክርስትያን ክገልጻ እንከሎ ብቐዳምነት መበቈላ ኣበይ ከም ምዃኑ እንክገልጽ ሓደ ዘተሓሳስበ ኩነት ኢዩ። ነዚ ንምርዳእ ኣብቲ ብዕለት 21 ሕዳር 1964 ዝተኣወጀ ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium)፣ ካብ መልእኽትታት ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ብምውሳድ፣ ነቲ "ምሥጢር" ዝብል ስያመ ተቒሱ ይርከብ። ነዛ ቓል እዚኣ ክመርጽ እንከሎ፣ ከምቲ ልሙድ "ምስጢር" ዝብል ቃል ክንሰምዕ እንከሎና እንሓስቦ ቤተ-ክርስትያን ዘይተገልጸት ወይ ዘይትርድኣካ ኩነት እያ ማለቱ ግን ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣስ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ ነዛ ቓል እዚኣ ክጥቀመላ እንከሎ፣ ብፍላይ ኣብታ ናብ ሰብ ኤፌሶን ዝጸሓፋ መልእኽቱ፣ ነቲ ኣቐዲሙ ሕቡእ ዝነበረ ሕጂ ድማ እተገልጸ ሓቂ ከመልክት ኢዩ ዝደሊ ዝንበረ።

እዚ ድማ ነቲ ሓደ ዕላማ ዘለዎ መደብ ኣምላኽ እዩ ዜመልክት፣ እዚ ድማ ሳላ እቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መስቀል ብምምሟት ዝፈጸሞ ናይ ዕርቂ ተግባር፣ ንዅሎም ፍጥረታት ሓድነት ንምሃብ ብምዃኑ እዩ። እዚ ሓቂ እዚ ብቐዳምነት ኣብቲ ንመሥዋዕተ ቅዳሴ እተኣከበ ጉባኤ ምእመናን ይግለጽ፣ ኣብዚ ጉበኤ እዚ ፍልልያት ተዛማዲ እዩ ዝኸውን፣ እቲ ዜገድስ ከኣ ብፍቕሪ ክርስቶስ ስለ እተጸዋዕና፣ ነቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሰባትን ማሕበራዊ ጕጅለታትን ዘሎ መናድቕ ምፍልልያትና ስለ ዘፍረሶ እዩ (ኤፌ 2፡14)። ንቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ እዚ ምሥጢር እዚ ግለጸት ናይቲ ኣምላኽ ንመላእ ደቂ ሰባት ከወፍዮ ዝደለየ ሓቂ ኢዩ፣ ኣብቲ ቀስ ብቐስ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ኣከባቢያዊ ተመክሮታት ድማ ንዅሎም ደቅሰባትን ንቆዝሞዝን እውን ከይተረፈ ዘጠቓልል ኢዩ።

ኵነታት ደቂ ሰብ ዋላ እውን ናይ ሓድነት ዝንባለ ኣብ ልባቶም እንተ ሃለዎም፣ ክዕርይዎ ዘይክእሉ ናይ ምክፍፋል ኩነት ኢዩ ዘለዎም። ተግባር ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብዚ ዅነታት እዚ ይኣቱ፣ ንሓይሊ ምፍልላይን፣ ነቲ ምክፍፋላትናን ከኣ ይስዕሮ። ኣብ ብስራት ወንጌል ብምዕማን ንመሥዋዕተ ቅዳሴ ብሓባር ምእካብና፣ በቲ ዝለዓለ መግለጺ ፍቕሪ ኣምላኽ ዝዀነ መስቀል ክርስቶስ ዝፍጠር ስሕበት እዩ ዝግለጽ። እዚ ድማ ብኣምላኽ ከም እተጸዋዕና ስለዝስምዓና እዩ፣ ስለዚ ኸኣ እዩ እዛ ኣቅላስያ (ekklesía) እትብል ቃል፣ ማለት ንሕብረት ከም እተጸውዑ ኣፍልጦ ብዝህቡ ሰባት ዝቘመ ጉባኤ ንምጽዋዕ ዝጥቀመላ። ስለዚ ኣብ መንጎ እዚ ምሥጢርን እታ ቤተ-ክርስትያንን እተወሰነ ሓባራዊ ባይታ ኣሎ፦ ቤተ-ክርስትያን እተገልጸት ምሥጢር እያ።

እዚ ጉባኤ እዚ ብልክዕ ብኣምላኽ ስለ እተጋብአ ወይ እተኣከበ፣ ኣብ ጕጅለ ደቂ ሰባት ጥራይ እተሓጽረ ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ፣ ኣብ ክንዳኡስ ናይ ኵሎም ደቂ ሰባት ተመክሮ ክኸውን ኢዩ እተመደበ። ስለዚ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ መእተዊ ደግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” ከምዚ ይብል፦ "ቤተክርስትያን ኣብ ክርስቶስ ዘላ ምሥጢር ወይ ከአ ናይቲ ምስ ኣምላኽና ዘሎና ሓድነትን ከምኡ ውን ናይ መላእ ዓሌት ወድሰብ ሓድነትን ከም ምልክትን መሳርሒን እያ" (ቁ.1)። ነዛ "ምሥጢር" (sacrament) እትብል ስያመ ብምጥቃም፣ ነቲ ብድሕሪኡ ዘሎ ማለት ቤተ-ክርስትያን ናይቲ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ደቂ ሰብ ክገብሮ ዝደሊ ነገር ግልጸት ምዃና ንምሕባር ዝዓለመ እዩ። ስለዚ ንቤተ-ክርስትያን ብምርኣይ ብእተወሰነ ደረጃ ንመደብ ኣምላኽ፣ ማለት ነቲ ምሥጢሩ ክንርድኦ ንኽእል ኢና። በዚ መዳይ እዚ ቤተክርስትያን ምልክት እያ። ብተወሳኺ እታ "መሳርሒት" እትብል ቃል፣ ኣብአ "ምሥጢር" እትብል ቃል ተወሲኻ ንረኽባ፣ እዚ ኸኣ ቤተ-ክርስትያን ንጥፍትን ዓያይትን ምልክት ምዃና ንምሕባር እዩ። እወ ኣምላኽ ኣብ ታሪኽ ኪዓዪ ኸሎ ነቶም ተግባራቱ ዝፍጽሙ ደቂ ሰባት ኣብ ንጥፈታቱ የሳትፎም እዩ ። ኣምላኽ ንሰባት ናብኡ ንምምጻእን ኣብ ንሓድሕዶም ሓድነት ንኽህልዎምን፣ [ነዚ ተግባር እዚ] ብቤተ-ክርስትያን ኣቢሉ ኢዩ ዝፍጽሞ።

እቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎ ሓድነት፣ ኣብቲ ኣብ መንጐ ደቂ ሰባት ዘሎ ሓድነት ዝንጸባረቕ ኢዩ። እዚ ድማ ናይ ምድሓን ተመክሮ እዩ። ኣብ ዶግማዊ ቅዋም “ብርሃን ኣሕዛብ” (Lumen gentium) ኣብ ምዕራፍ 7 ከም እንረኽቦ፣ ብዛዕባ ንሥነ-መፈጸምታዊ ዝኾነ ባህርይ ናይታ ነጋዲት ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን እተወፈየ ክፍሊ፣ ንቤተ-ክርስትያን ከም ምሥጢር ገይሩ እንክገልጻ፣ "ናይ ድሕነት" ግልጸት እውን ምዃና ከም ብሓድሽ ምምልካቱ ዘገርም ኣይኰነን፦ "ክርስቶስ ካብ ምድሪ ልዕል ምስ በለ ንዅሉ ናብ ግዛእ ርእሱ ሰሓቦ (ዮሓ 12፡32 ርአ)። ካብ ምዉታት ተንሲኡ (ሮሜ 6፡9) ነቲ ህይወት ዚህብ መንፈሱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኾ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ  ነታ “ምሥጢራዊ” ሰብነቱ ኣቘማ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ንቤተ ክርስትያን ከም ኣድማሳዊት ምሥጢር ድሕነት ገይሩ ኢዩ ዘቖማ። ኣብ የማን ኣቦ ተቐሚጢ ድማ ንደቂ ሰባት ናብ ቤተ-ክርስትያን ክመርሖም፣ ብእኣ ኣቢሉ ድማ ምስኡ ምእንቲ ከሕብሮምን፣ ብስጋኡን ደሙን ብምምጋብ ኣብቲ ኽቡር ዝኾነ ህይወቱ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክገብሮም፣ ኣብ ዓለም ብቐጻሊ ይዓዪ ኢዩ ዘሎ።"

እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ መንጎ እቲ ምስጢር ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ዝዀነ ሓድነት ዘለዎ ተግባረ ፋሲካ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስን ክርስቶስን ከምኡ ውን መንነት ቤተ-ክርስትያንን ዘሎ ምትእስሳር ንኽንርዳእ የኽእለና። እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብዛ ቤተ-ክርስትያን እዚኣ፣ እታ ኣካል እቲ ዝተንስአ ክርስቶስን ዝኾነትን፣ ኣብ ታሪኽ እትጕዓዝ ዘላ ማሕበር ነጋዲ ዝኾነ ህዝቢ ኣምላኽን ኣባላት ብምዃንና እነማስወሉ ሓቂ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ማእከል እቲ ገና እቲ ተኸፋፊሉ ዘሎ ሰብኣውነት፣ ከም ቅዱስ ህላወ ኰይኑ ዝነብር ውጽኢታዊ ምልክት ሓድነትን ዕርቅን ኣብ መንጎ ህዝብታት ብምዃ ኢዩ።

18 Feb 2026, 13:07