ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14  ምስ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምስ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ንማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ፦ ሓላፍነት ኣገልግሎት እምበር ምዕብላል ኣይኮነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ምስ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ ኣብ ዝገበርዎ ርክብ፡ ኣብ ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ሓላፍነት ማለት፡ እቲ ማኅበር ናብ ክርስቶስ ከተኵር ምሕጋዝ ደአምበር ንኣባላቱ ናይ ምቍጽጻር መሳርሒ ኣይኰነን ክብሉ ገሊጾም።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ትማሊ ሓሙስ ምስ ተሳተፍቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣባላት ማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ ተራኺቦም፣ እቲ  ማኅበር ብ1941 ኣብ ሜክሲኮ እተመስረተት ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ምዕዳን፡ ሓፈሻዊ ጉባኤታት፡ ንማኅበራት ንመንፈስ ቅዱስ ንኽሰምዑን፡ ኣብ መጻኢ ንማሕበረሰብ ንምምራሕ ኣብ ሓባራዊ ንቕሓት ንኽጽመዱን ኣጋጣሚ ከም ዝኸፍተሎም ገሊጾም።

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ናብ ስቓይን ቅልውላውን ዝመርሐ ታሪኻዊ መግለጺታትን፡ ዕንቅፋታትን ንጐድኒ ገዲፍካ፡ ማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያን ፍሉይ ቦታ ከም ዝረኸበ ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ንኣባላት እቲ ማኅበር "እቲ ዘለዎም መንፈሳዊ ዕላማ፡ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን፡ ኣብ መንፈሳውነት ዓለማውያን ስድራቤታት ሠራዊተ ክርስቶስን ዓቢ ተራ ከምዘለዎ  ድሕሪ ምግላጽ፡ ንወንጌል ወትሩ እሙናት ኰይኖም ንኽነብሩ፡ ታሪኾም ክዝክሩን፡ ብቐጻሊ ክሕደሱን ኣተባብዕዎም።

“እቲ ፍሉይ ዝኾነ ውህበትኩም፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስ እዩ፣"  "ነፍሲ ወከፍ ተቕዋምን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣባላቱን ከኣ፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ-ክርስትያንን፡ ኣብ ውሽጢ ሕብረተሰብን ቦታ ዝህቦምን፡ መግለጺኦምን ዝኾነ ናይ ገዛእ ርእሶም መንነት ንምዕማቝ፡ ብግልን ብማኅበርን ክለብስዎ ጽዉዓት ኢዮም" ክብሉ ገሊጾም።

ኣስዒቦም ድማ፡ ነፍሲ ወከፍ ፍሉይ ውህበት፡ ጸዋዕታ ኣምላኽ ከም ምዃኑ መጠን ብተኣማንነት ምእንቲ ኽንነብሮ፡ ኪትቕበሎን ኪትርድኦን ዚግባእ እተፈላለየ ዓይነት ኣነባብራ ከም ዘለዎ ኣብሪሆም።

"እምበኣርከስ ንስኻትኩም ሓለውቱን ኣገልገልቱን ደኣ እምበር፡ ወነንቲ እቲ ፍሉይ ውህበት ከምዘይኮንኩም ዘክሩ።"  "ንስኻትኩም እዚ ፍሉይ ውህበት እዚ ኣብ ቤተ-ክርስትያንን፡ ኣብ ዓለምን ፍረ ምእንቲ ኺህልዎ ሕይወትኩም ክትውፍዩ ዝተጸዋዕኩም ኢኹም” ክብሉ ኣዘኻኺሮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ንኣሕሉቅ ማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ፡ ኣብ ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ሓላፍነት ማለት፡ ኣተኵሮኻ ናብ ሓባራዊ ሕይወትን፡ ናብ ኣባላት ማኅበር ክርስቶስን ምግባር ከም ዝኾነን፡  "ክብርን ናጽነትን ሰባት ኣብ ግምት ዘየእቱ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምቍጽጻር ከወግዱ" ከም ዘለዎም ንክዝክሩ ምሕጽንታ ኣቅረቡሎም።

"ኣብ ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ ሓላፍነት፡ ከም ምዕብላል ዘይኰነስ፡ ነቶም ምሳና ሓደ ዓይነት ጸዋዕታ ዘለዎም ሰባት፡ መንፈሳውን ሕውነታውን ኣገልግሎት ምሃብ ምዃኑ ክንርድኦ ይግባእ"። "ኣብ ሓባራዊ ሕይወትን፡ ተሳኒኻ ኣብ ምኻድን ከኣ ክግለጽ ኣለዎ" ክብሉ ወሲኾም ገሊጾም።

ኣሕሉቕ ማኅበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት፡ "ሓባራዊ ምስማዕ፡ ሓባራዊ ሓላፍነት፡ ግሉጽነት፡ ሕውነታዊ ምቅርራብ ከምኡውን ሓባራዊ ርድኢት" ዘለዎ ዓይነት ምሕደራ ከማዕብሉ ኣለዎም፡ ክብሉውን ምዒዶም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፡ ጥዑይ ዓይነት ምሕደራ፡ ንዅሎም ኣባላት ምድግጋፍን ሓላፍነት ዘለዎ ተሳትፎ ክህልዎምን  የተባብዕ።

ሚስዮናዊ ሓድነት፡ ተመሳሳልነት ወይ ፍልልያት ምውጋድን ማለት ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሰብ ምእንቲ ኺጥቀም፡ ንፍልልያትን ምርሕሓቕን ናብ ሓድነት ዘምጽእ ማለት ኢዩ።

"እዚ መስርሕ እዚ፡ ንምስማዕ፡ ትሕትና፡ ብቕንዕና ንምዝራብ ውሽጣዊ ናጽነት፡ ሓባራዊ ርድኢት ንምቕባል ከኣ ግልጽነት ዝሓትት ኢዩ።" "እዚ ከኣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ እንነብሮ ጸዋዕታ ባህርያዊ ጠለብ ምኻኑ" አብሪሆም።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14፡ ንማኅበር ሠራዊተ ክርስቶስ ካብ ፍሉይ ወይ ዞባዊ ረብሓታት ኪርሕቑ፡ ኣብ ክንዳኡስ ንማኅበሮም ኣብ ውሽጣዊ ሓርነት ኪመርሕዋዎ ተማሕጺኖም።

"እዚ ጉባኤ እዚ ንተስፋ ዚኸውን ግዜ ይኽፈተልኩም። ጐይታ ንከሕውየንናን፡ ከንጽሓናን ብቀጻሊ ይጽውዕን ይልእኽን ኣሎ፣ "ስለዚ ዕዮኹም ነቲ ኣምላኽ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ኢድኩም ሂብኩም ንዘሎ፡ ብኸመይ ዝበለ እምነት ክትምልሱሉ ከም ዘሎኩም ምስትውዓል እዩ” ክብሉ ቃል ምዕዳኖም ዛዚሞም።

 

 

 

20 Feb 2026, 12:36