ር.ሊ.ጳ.፥ ማሕበራዊ ስኒት ድኻታት እንግዶት ክረኽቡ የኽእሎም፡ ኣገልግሎት ድማ ንኹሉ ክበጽሕ ይገብር ር.ሊ.ጳ.፥ ማሕበራዊ ስኒት ድኻታት እንግዶት ክረኽቡ የኽእሎም፡ ኣገልግሎት ድማ ንኹሉ ክበጽሕ ይገብር  (@Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ.፥ ማሕበራዊ ስኒት ድኻታት እንግዶት ክረኽቡ የኽእሎም፡ ኣገልግሎት ድማ ንኹሉ ክበጽሕ ይገብር

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ናይ መላእ ዞባታ ኢጣሊያ ምስሌነታት ማእከላዊ መንግስቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ከም እተራኸቡን ቅዱስነቶም ኣብቲ ርክብ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ ኩሉ ሰብ ካብ ልዕልና ሕግን ማዕረ ተበጻሕነት መንግስታዊ ኣገልግሎትን ተጠቃሚ ምእንቲ ክኸውን፡ ከም ኣገልገልቲ መንግስቲ ንረብሓ ሃገር ክድግፉ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 16 ለካቲት ምስ ኣመሓደርቲ - ምስሌነታት ማእከላዊ መንግስቲ ሪፓብሊካዊት ኢጣልያ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፡ ነቲ ኣብ እዋን ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ዝነበረ ኣብ መንጎ ኣመሓደርትን ጳጳሳትን ጥንታዊ ምትእስሳር ብምዝካር፡ ክልቲኦም ንእተፈላለየ መዳያት ህይወት ዜጋታት ዝከታተሉን ዝሕልውን ምንባሮም እውን ገሊጾም፡ ነቲ ርእሰ ከተማ ሃጸያዊ ግዝኣት ሮሜ ኣብ ሚላኖ ህየንተ ዝነበረ በቲ ግዜ እቲ ብህዝቢ እቲ ኸባቢ ጳጳስ ይኹነልና እንክብል እምነት ዘንበረሉ ቅዱስ ኣብሮዚዮስ በዓል ሚላኖ ከም ኣብነት እውን ከም ዝጠቐሱ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፣ "ድሕሪ እዚ ቅልጡፍ ምስግጋራ እዚ ኣምብሮዚዮስ ነቲ እተዋፈረሉ መንፈሳዊ ስልጣን ንህዝቢ ብምግልጋል ህዝባዊ ሓላፍነቱ ብሓድሽ መገዲ የሳልጥ። ሎሚ እውን እንተ ዀነ ቤተ - ክርስትያንን መንግስቲ ኢጣልያን ንመንፈሳውን ነባራዊ ድሌታት ሰባት ንምምላእ ብሓባር ይዓዩ ኸም ዘለዉ ገሊጾም፡ “እቲ ብግርጭታትን ኣህጉራዊ ወጥሪን ዝልለይ ኣንነብረሉ ዘሎና እዋን፡ ብፍላይ ንግብረ ገባውን መንፈሳውን ውርሻታት ሪፓብሊክ ኢጣልያ ስለ ዝምልከት፡ ኣብ ንዋታዊ መዳያት ክወርድ ዘይክእል ናይ ሓባር ረብሓ ምሕላው ኣገዳሲ ምዃኑ የጉልሕ - ቢሎም - ንማሕበራዊ ስኒት ሃገረ ኢጣሊያ ብምሕላው፡ ምስሌነታት ማእከላይ መግንስቲ ኢጣልያ ድኻታት ብቑዕ እንግዶት ክረኽቡ፡ ኣረጋውያን ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ሰላም ክረኽቡ፡ ኣባይቲ ስድራ መንእሰያትን ህሙማንን ድማ ኣገዳሲ ኣገልግሎታት ክረኽቡ መታን ማሕበራዊ ስርዓት የስፍሑ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ህዝባዊ ስርዓት፡ ኣንጻር ገበን ምቅላስን ንግጭት ዝፈጥሩ ዓይነታት ዓመጽን ሓሶትን ጽዩፍ ቃላትን ንምዕፋን ዝግበር ጻዕርን ከም ዝሓትት ወሲኾም ብምምልካት፡ ኣገልገልቲ መንግስቲ ንረብሓን ሰናይን ሃገር ናይ ምግልጋል ሓላፍነት ከም ዘለዎም እውን ብምዝኽካር፡ እዚ ድማ ውሽጣዊ ስነ - ስርዓትን ቅኑዕ ሕልናን ይሓትት” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ናይ መላእ ዞባታት ኢጣሊያ ምሌነታት ማእከላይ መግንስቲ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ምትሕብባር ንምድንፋዕ ኣብ ርእሲኡ ድማ ሞያዊ ሓላፍነትን ግቡእ ኣካይዳ ህይወትን ብምኽባር ዝሰርሑ ምዃኖም ገሊጾም፡ "ብፍላይ ኣብ ህጹጽ ኩነታት - ቅድሚ መዓት ወይ ሓደጋታት - ተራኹም ወይ ሓልፍነትኩም ነቲ ንሪፓብሊካዊት ኢጣልያ ዘኽብር ክብርታት ምትሕብባርን፡ ትብዓትን ፍትሕን ብዝበለጸ ክትገልጹ የኽእለኩም። ሓደስቲ እደ ጥበባዊ ርኽበታትን - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎትን ሓዊሱ - ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ዘስዕቦ ብድሆታት ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ኩሎም ነበርቲ ኢጣሊያ ካብዚ ምዕባለታት እዚ ከይንጸሉን ተጠቀምቲ ክኾኑን መታን ኣብ ሓላፍነት ክሃንጽዎም” ዓዲሞም፡ ንሰናይ መንግስቲ ኢጣልያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣኽብሮት ዝመልኦ ምትሕብባር ቀጻልነቱ ድማ ኣረጋጊጾም፡ ኣብ መደምደምታ፡ ንኣገልገልቲ መንግስቲ ኢጣልያ “ንቑሕን ቅኑዕን ንጡፍን” ዝኾነ ቅዲ ዜግነት ስለ ዘማዕብሉ አመስግን፥ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

17 Feb 2026, 15:57