ር. ሊ. ጳ.፦ ተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓቂ ንምዝራብን ሰላም ንምድንፋዕን ናጻ ኪኸውን ኣለዎ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሎሚ ረቡዕ ምስ ኣባላት ማሕበር “ደገፍቲ መንበረ ጴጥሮስ” (Pro Petri Sede) ተራኺቦም።
ቅዱስነቶም ኣብ ዘካፈልዎ ቃለ ምዕዳን፣ እዞም ኣባላት እዚ ማሕበር ቀዳሞት ወረስቲ ናይቶም “ውፉያት ተኸላኸልቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት” ተባሂሎም ዝፍለጡ ዝንበሩ፣ ኣብ ግዜ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ታሽዓይ ንጳጵሳዊ ሃገር ኣብ ምክልኻልን ምሕጋዝን ከም ወለንተይናታት ኮይኖም ዘገልገሉ ካቶሊካውያን ዘይምርዕዋት መንእሰያት ምዃኖም ገለሱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዘቕረቡሎም ቃል፣ እዚ ማሕበር “ደገፍቲ ቅድስቲ መንበር” ንሓዋርያዊት መንበር ንምድጋፍ ዝገበረሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣመስገንዎ።
ካብ መፋርቕ መበል 19 ዘመን ኣትሒዙ ማሕበራውን ታሪኻውን ኵነታቱ ከም እተቐየረን፣ ንናጽነት ናይ ሮማ ጳጳስ ንምክልኻል፣ "ብኣጽዋር ምቅላስ ወይ ዝዀነ ይኹን ዓመጻ ምጥቃም ኣብ ምልክት ሕቶ ዘየእቱ ኢዩ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፒዮስ ታሽዓይ እውን እንተ ዀኑ፣ ኣብ መስከረም 1870 ወተሃደራት ኢጣልያ “ሪሶርጊመንቶ” ነታ ኸተማ ምስ ተቘጻጸርዋ፣ ኣብ ሮማ ደም ክፈስስ ብዘይምድላዮም፣ ትንቢታዊ ምልክት ከም ዝፈጸሙ ኣመልከቱ።
ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዝገለጽዎ፣ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዙሕ ቦታታትን መገድታትን ዕንቅፋት ይረኽቦ ኣሎ፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ ተልእኾ እዚ ማሕበር እዚ ሎሚ እውን እተኾነ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ።
ናይ ሮማ ጳጳስ ንምእመናን ብሓድነት ንምሕባርን ወንጌል ድሕነት ንምስባኽን ተልእኾ ከም እተቐበሉ እውን ኣረጋገጹሎም።
"ኣብዚ እንነብረሉ ዘለና ጽንኩር እዋን 'ጴጥሮስ' ሓቂ ንምዝራብ ዘይፍትሓዊ ተግባር ንምዅናን ንመሰላት እቶም ድኹማት ንምጥባቕ፣ ሰላም ንምድንፋዕ ልዕሊ ዅሉ ድማ ነቲ ዝሞተን ዝተንስአን ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክእውጅ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ" ክብሉ ኣትሪሮም ተዛረቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንማሕበር “ደገፍቲ መንበረ ጴጥሮስ” ስለቲ ምእንቲ ድኻታት ዝገበርዎ ጸሎትን ናይ ግብረ ሰናይን ኣገልግሎታትን ኣመስገንዎም።
ቅዱስነቶም ኣስዒቦም ነቲ እዚ ማሕበር ኣብ ሃገረ ፔሩ ንዝርከብ ናይ ቀደም መንበሮም ንዝኾነ ሰበኻ ቺክለዮ ዝገበሮ ናይ ግብረ ሰናይ ዕዮን ገንዘባዊ ደገፍን ብምጥቅስ ፍሉይ ምስጋናኦም ገለጹ።
"ነቶም ኣዝዮም እተሸገሩ ናይ ስልጠና ማእከል ንምቛም ዓብዪ ጠቓሚ ክኸውን ኢዩ፣ ብርሕቀት እኳ እንተ ተፈላለና ብሓሳብን ብግብረ ሰናይን ምስ ኵሎም እዞም ሰባት ክቀራረብ የኽእለና ኢዩ" ድማ በሉ።
ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንዕዮ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳትን ቅድስቲ መንበርን ንምድጋፍ ናይ ጸሎት ሓይሊ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት፣ ንኣባላት እዚ ማሕበር ናብ ኣማላድነት ቅድስት ድንግል ማርያም ሕድሪ ኣወፈይዎም።
