ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ ክንከላኸል ግብረ ገባዊ ግዴታ ኣ ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ ክንከላኸል ግብረ ገባዊ ግዴታ ኣ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን፦ ንሰላማውያን ሰባት ካብ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ ክንከላኸል ግብረ ገባዊ ግዴታ ኣ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 12 ሚያዝያ ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ዘብዓለትሉ ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምመናን መሪሖን ብሓባር ጸሎተ ንግስተ ሰማይ ድሕሪ ምድጋሞም ኣብ ሰስምዕዎ ቃል፥ ኣብ ሱዳን ግጭት ካብ ዝጅምር ሰለስተ ዓመት የቕጽር ምህላዉ ብምዝካር፡ “እዚ ኣብ መንጎ ኣሕዋት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ደው ከብል” ደጋጊሞም ዘቕርብዎ ጻውዒት አሐዲሶም ኣስዒቦም ነተን ብኣቆጻጽራ ዩሊዩስ ዕለት 12 ሚያዝያ ፋሲካ ዘብዕላ ምብራቓውያ ኣብያተ ክርስቲያን ብምዝካር ሰናይ ትምኒቶም ብምግላጽ ህዝብታት ዩክሬንን ሊባኖስን ከይርስዑ ተላብዮም ኣብ መወዳእታ ዕለት 13 ሚያዝያ ዝጅምር ሓዋርያዊ ጉዕዞ ናብ ኣፍሪቃ ምእመናን ብጸሎቶም ከሰንይዎም ከም ዝሓተቱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ኣስዒቦም “ኣብ ሕልና ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተቐርጸን ኣብ ኣህጉራዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝረኸበን መትከል ሰብኣውነት፡ ንሰላማዊ ህዝቢ ካብ ዘስካሕክሕ ሳዕቤናት ውግእ ናይ ምክልኻል ግብረ ገባዊ ግዴታ ዝሓዘ እዩ” እንክብሉ ከም ዘዘኻኸሩ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

መዓታዊ ኲናት ዩክሬን

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ጸሎቶም ናብቶም ብሰንኪ ውግኣት ዝሳቐዩን ብፍላይ ድማ “ንኽቡር ህዝቢ ዩክሬን” ኣቕኒዖም፥

“ብርሃን ክርስቶስ ንዝተሳቐዩ ልቢ የጸናንዕ ንተስፋ ሰላም ከኣ የደልድሎ። ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ብዛዕባ እቲ ዘሕዝን ፍጻመ እዚ ኲናት ካብ ዘለዎ ኣቓልቦ ኣየንሳሕብ!"

ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቃንዛን ፍርሕን ተስፋን ኣብ ሊባኖስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም ረቡዕ ዕለት 15 ሚያዝያ ኣብ ሱዳን "ደማዊ" ኲናት ካብ ዝጅምር ሳልሳይ ዓመቱ ከቑጽር ምዃኑ ብምዝካር ሓሳቦም ናብ ኣፍሪቃ ኣቕኒዖም፡

"ህዝቢ ሱዳን ግዳያት ናይዚ ኢሰብኣዊ ዘሕዝን ፍጻመ ኮይኑ ክሳዕ መዓዝ እዩ ዝቕጽል፡ ንጹሓን ናይዚ ኢሰብኣዊ መዓት እዚ ኣደዳ እያቶም!

እንክብሉ ዝስምዖም ሓዘን ገሊጾም ነቶም ተዋጋእቲ ወገናት ኣጽዋሮም ኣንቢሮም "ብዘይ ቅድመ ኵነት ነዚ ናይ ኣሕዋት ውግእ ብቕልጡፍ ደው ንምባል ዝዓለመ ልባዊ ዘተ ክጅምሩ" ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን ሓስቢሩ።

ጸሎት ንሓዋርያዊ ጉዕዞ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተኣከቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋድያን ምእመናን ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፡ ጽባሕ ዕለት 13 ሚያዝያ ዝጅምርን ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣልጀርያ፡ ካሜሩን፡ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ዘጠቓልል ሓዋርያዊ ጉዕዞኦም ብጸሎት ከሰንይዎም ሓደራ እንክብሉ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Apr 2026, 09:24