ር. ሊ. ጳ. ልዮን፦ “በዓለ ትንሳኤ ፈጺሙ ዘይጠፍእ ተስፋ ይኸፍተልና!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓለ ትንሳኤ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ክርስቶስ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስአ ዝገልጽ ኣዋጅ ፋሲካ ጠቂሶም፣ "ንዘይጠፍእ ተስፋ ናብ ዘይጠፍእ ብርሃን ዋላ ሓደ እኳ ከሕድግና ዘይክእል ምልኣት ሓጐስ ይኸፍተልና፣ ሞት ንሓዋሩ ተሳዒሩ እዩ። ሞት ኣብ ልዕሌና ደጊም ስልጣን የብሉን" በሉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምስ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ዝኾኑ ምእመና ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ሰንበት በዓለ ፋሲካ፣ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ እዚ ሎሚ ዘሎ ዅሉ ፍጥረት "ብሓድሽ ብርሃን ከም ዝበርህ" ከምኡውን "መዝሙር ምስጋና ካብ ምድሪ ክዓርግ እንከሎ ከሎ” ምርኣይ ባህ ዘብል ከም ምዃኑ ገለጹ። ክርስቶስ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፣ ንሕና እውን ምስኡ ናብ ሓድሽ ህይወት ክንትንስእ ኢና! ክብሉ እውን መስከሩ።

በዓል ትንሳኤ ምሉእ ሓጐስ የምጽእ

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ ኣዋጅ በዓለ ፋሲካ "ምስጢር ህይወትናን ጽሕፍቶ ታሪኽን ዝሓቘፈ እዩ" ብምባል ገሊጾም። ኣብ መዓሙቕ ሞት እውን ከይተረፈ ከም ዘጨንቐና ዀይኑ ኺስምዓና ኸሎ፣ በዓለ ትንሳኤ "ናብ ዘይጠፍእ ተስፋ፣ ናብ ዘይጠፍእ ብርሃን፣ ናብቲ ዋላ ሓደ እኳ ከሕድገና ዘይክእል ምልኣት ሓጐስ፣ ንሞት ንሓዋሩ ስዒሩ" ድሕሪ ደጊም ኣባና ስልጣን ከም ዘይብሉ ገይሩ ይኸፍተልና ክብሉ እውን ኣስተምሃሩ።

መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ዕምባባታት ኔዘርላንድ

ናይ ሎም ዓመት በዓለ ትንሳኤ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ፣ ብልዕሊ 65,000 ዝተፈላለዩ ኣቝጽልትን፣ 7,800 እተፈላለየ ዓይነት ዕምባባታት ከምኡውን ልዕሊ 1,200 ስየን ኣብ ዝተሰለመሉ ኢዩ ተኻይዱ።

ኣብዛ ዓመት እዚኣ ሃገረ ኔዘርላንድ ነዚ ህያብ ዕምባባታት ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ በዓል ትንሳኤ ዘወፈየትሉ ዕለት መበል 40 ዓመት ኢዩ ዝዝከር ዘሎ። እዚ ተበግሶ እዚ ብነዘርላንዳውያን ዕምባባታትን ወለንተኛታትን ምስ ጉባኤ ጳጳሳት ኔዘርላንድስን " Bloemenpracht Rome" ዝተሰምየ ማሕበር ዕምባባት ከተማ ሮማ ብምትሕብባር ተተባብዐ ኢዩ ዝንበረ።

ተስፋ ንምቕባል ዝቐረበ ብድሆ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ስብከቶም ብምቕጻል፣ ሓይሊ ሞት ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብቐጻሊ ስለ ዘስግኣና ዘሎ፣ ናይ ትንሳኤ መልእኽቲ ተስፋን ብርሃንን ኵሉ ሳዕ ምቕባል ቀሊል ከም ዘይኰነ ኣፍልጦ ሃቡሉ።

ካብ ውሽጥና ክበድ ሓጢኣትና 'ኣኽናፍና ንኸይንዝርግሕን ንኸይነፍርን' ኪዓግተና ይኽእል እዩ፣ ወይ ከኣ ዘጋጥመና መከራ ተስፋ ኸም እንቘርጽን፣ 'ኣብ መወዳእታ ዘይብሉ በዓቲ ኸም ዝወደቕና ዀይኑ ኸም ዚስምዓናን' ክገብር ይኽእል እዩ ክብሉ እውን ኣተንቀቑ።

ብደጋዊ መዳይ ሞት መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ ኣዒንትና እዩ ዘሎ - "ኣብ ዘይፍትሓዊ ተግባራት፡ ኣብ ኣድልዎ፡ ኣብ ስስዐ፡ ኣብ ጭቈና ድኻታት፡ ነቶም ኣዝዮም ተነቀፍቲ ዝኾኑ ወገናትና ቈላሕታ ዘይምርኣይ እንገብሮ ዘሎአና" ክብሉ ብምጥቃስ፣  ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ እቲ ኣብ ዓለምና ዘሎ ዓመጽን እቲ ዜስዕቦ ዘሎ ቝስልን መጕዳእትን፣ ኵሎም ደቂ ሰባት ክዕዘብዎ ዚግባእ እዩ፦ "ብሰሪ እቲ ነቶም ኣብ ማእከልና ዘለዉ ድኹማትን፡ ዝጭቆኑ ዘለዉን ሰባትን ዝወርዶም ዘሎ ግፍዒ፣ ብሰሪ ኣምልኾ ጣኦት ናይቶም ንሃብቲ ምድሪ ብምዝማዝ ረብሓ ዝደልዪን፣ ብሰሪ እቲ ዚቐትልን ዜጥፍእን ዓመጻ ውግእ" ዝብል ጭድርታ ስቓይ እዩ በሉ።

ኣዒንትና ነልዕል ልብና ውን ንኽፈት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ፣ "ጐይታ ህያው እዩ ምሳና ድማ ይነብር ኣሎ" ብምባል፣ ኣብ በዓለ ትንሳኤ "ኣዒንትና ኣልዒልና ልብና ክንከፍት ይጽውዓና" ብምባል ገሊጾም።

በቲ ኣብ ጸልማት ዝኽፈት ነቓዕ ትንሳኤ ኣቢሉ፣ ንልብና ነቲ ዚድግፈና ተስፋ ሕድሪ ይህበና፣ ሓይሊ ሞት ናይ መወዳእታ ዕድል ህይወትና ኣይኰነን። ኵላትና ሓንሳእን ንሓዋሩን ናብ መገዲ ፍጻሜ ኢና እንጕዓዝ ዘሎና፣ ከመይሲ ንሕና እውን ብክርስቶስ ተንሲእና ኢና።"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ካብቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዘቕረብዎ ናይ መጀመርታ ሓዋርያዊ ምዕዳኖም Evangelii Gaudium “ናይ ወንጌል ሓሴት” ንዝበልዎ ቃላት ብምጥቃስ፣ ትንሳኤ ክርስቶስ "ዝሓለፈ ፍጻመ ኣይኰነን፣ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ኣስፋሕፊሑ ዘሎ ንሓደ ኣገዳሲ ሓይሊ ዝብድህ እዩ። ኵሉ ሰብ ዝሞተ እኳ እንተ መሰለ ምልክታት ትንሣኤ ብጋህዲ ዝርአ እዩ። እዚ ዘይስገር ሓይሊ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ኣምላኽ ዘየለ እዩ ዚመስል፦ ኣብ ዙርያና ዘየቋርጽ ምጕዳል ፍትሕን እከይን ዘይምግዳስን ጭካነን ንርኢ ኢና።  ይኹን እምበር ኣብ ማእከል እዚ ዅሉ ጸልማት፣ ኵሉ ሳዕ ሓድሽ ነገር ከም ዚበቍል ውዒሉ ሓዲሩ ድማ ፍረ ኸም ዘፈሪ እውን ሓቂ እዩ" (ቁ. 276) ክብሉ መስከሩ ።

ንደቂ ሰብ ሓድሽ ህይወት ይመጽእ ኣሎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ፣ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ እተወሰነ ተስፋ ይህበና፣ ትንሳኤ ድማ "ካብ ሞት ዚብርትዕ ሓድሽ ህይወት ንደቂ ሰብ ከም ዝመጽእ ይእውጅ" ብሉ።

"በዓል ትንሳኤ በቲ ዝተንስአ ጐይታ ዝመጸ ሓድሽ ፍጥረት እዩ። እዚ ድማ ሓድሽ ጅማሬ እዩ፤ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እቲ ቐዳማይ ጸላኢ ብዝረኸቦ ዓወት፣ ኣብ መወዳእታ ዘለኣለማዊ ህይወት ኢዩ ዝህበና። ሎሚ'ውን እዚ ናይ ተስፋ መዝሙር የድልየና እዩ፣ ንሕና ድማ እቶም ምስ ክርስቶስ ዝተንስኡ ኢና፣ ናብ ኣደባባያት ዓለም ከነምጽኦ ዚግብኣና ነገር እንተ ኣልዪ እምበኣር፣ ከም ማርያም መግደላዊት ክንጐዪን ንዂሎም ደቂ ሰባት እና ኣበሰርና ሓጐስ ትንሳኤ ንነበር፣ ናይ ሞት ራእይ ኣብ ዝርከበሉ ዘበለ ኵሉ ድማ ብርሃን ህይወት ይበርህ" ክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ።

06 Apr 2026, 16:18