ር. ሊ. ጳ.፦ በዓል ትንሳኤ ጽልኢ ኣጥፊኡ ሓይሊ ይህበና

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ለይቲ በዓለ ትንሣኢው ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ "እግዚኣብሔር ነቲ ዚኸፋፍልን ዝቐትልን ዝንበረ ተሪር ሓጢኣት ብሓይሊ ፍቕሪ እዩ ዝሰዓሮ፣ እዚ ድማ ሓድነትን ህይወት ከም እንረክብ ይገብር" ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓፈ ቀዳም ለይቲ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረግዎ መሥዋዕተ ቅዳሴ በዓል ትንሳኤ፣ ብዛዕባ ጽቡቕን ክፉእን፣ ከምኡ ውን ብዛዕባ ዳግም ልደት ኣስተንትኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካብ ጥንታዊ መዝሙር ብምጥቃስ፣ በዓለ ትንሳኤ "ጽልኢ የጥፍእ ስምምዕ የማዕብል ንሓያላት ድማ ውድቀት ይኾኖም" በሉ።

ታሪኽ ምድሓን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ዘካፈልዎ ስብከት ቃል ኣምላኽ፣ ማእከል ታሪኽ ትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ካብ ሙታን እኳ እንተ እንተ ተንሥአ "ቅዱስ ምሥጢር እዛ ለይቲ እዚኣ ... ንዘመናት ዝዝርጋሕ ምስጢር ኢዩ" ክብሉ ኣዘኻከሩ።

ቅዱስ ኣቦና ከም ዝገለጽዎ፣ ኣብቲ ኣብ ቅዳሴ እተነበበ ትሽዓተ ጥቕስታት ቅዱስ መጽሓፍ ገለ ደረጃታት ናይዚ "መገዲ ዕርቅን ጸጋን" ካብ ፍጥረት ኣምላኽ ጀሚሩ ንዓለም ክሳዕ እቲ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ካብ ባርነት ዝሃደሙሉ እዋን ቅዱስ ጳውሎስ ዝጠቐሶ ንርኢ ኢና ክብሉ ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "እግዚአብሔር ነቲ ተሪር ሓጢኣት ማለት – ነቲ ዝኸፋፍልን ዝቐትልን – ብሓይሊ ፍቕሪ ይስዕሮ" ብምባል ኣጕልሑ።

ፍቕሪ ካብ ሞት ትበልጽ ኢያ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ተገሊጹ ዘሎ፣ ብዛዕባ ትንሳኤ ክርስቶስ ኣስተንተኑ።

እተን ክልተ ማርያም ናብ መቓብር ኢየሱስ ኪበጽሓ ኸለዋ፣ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነቲ ንኣፍደገ እቲ መቓበር ዓጽይዎ ዝነብረ እምኒ ኣንከባለሎ።

ኣብቲ ህሞት እቲ ይብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ እተን ኣንስቲ ዝምስክራኦ ነገር "ሓይሊ ፍቕሪ ኣምላኽ ካብ ዝዀነ ይኹን ሓይሊ እከይ ከም ዝብርትዕን ... ደቂ ሰባት ከአ ንስጋ ኪቐትሉ ካብ ዝኽእሉ ንኸይፈርሁ እዮም፣ ህይወት ኣምላኽ ማለት ፍቕሪ ግና ካብ ሞት ዝበልጽን፣ መቓብር ክሕዞ ዘይክእልን ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ" ክብሉ መስከሩ።

ውግእን፡ ምጕዳል ፍትሕን፡ ተነጽሎን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ ናይ መወዳእታ፣ ብዛዕባ "እቲ ሎሚ ክኽፈት ዘለዎ መቓብር" ከም "ዘይምትእምማንን ፍርሂን ስስዐን ቂምን" ከምኡ'ውን "ውግእን ምጕዳል ፍትሕን ተነጽሎን ህዝብታትን ኣህዛብን" ምዃኑ ኣስተንተኑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣብቲ መሥዋዕተ ቅድሴ እተሳተፉይ ምእመናን ድማ ከምዚ ዝኣመሰለ ብድሆታት ኬጋጥሞም ከሎ "ልሙሳት" ከይኮኑ ተማሕጸንዎም።

ኣብ ክንዳኡስ "ውህበት በዓለ ትንሳኤ ስኒትን ሰላምን ኣብ ኵሉ ቦታን ወትሩ ኣብ መላእ ዓለምን ምእንቲ ክስልጥንን ምእንቲ ኺዕምብብን" ነቶም ቕድሚኦም ዝነበሩ ቅዱሳን ዝፈጸምዎ "ተጸምዶ" ክንቀድሕዎ ኸም ዘለዎም ተላበዉ።

06 Apr 2026, 16:15