2026.04.13 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ይጅምሩ 2026.04.13 ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ይጅምሩ  (@VATICAN MEDIA)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ይጅምሩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሳልሳይን ክሳብ ሕጂ ዝነውሐ ናብ ኣርባዕተ ሃገራት ኣህጉር ኣፍሪቃ፡ ማለት ናብ ኣልጀርያ፡ ካሜሩን፡ ኣንጎላን ኢኳቶርያል ጊኒን ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ጉዕዞ ዕለት 13 ሚያዝያ ንግሆ ሮማ ካብ ዝርከብ ፊውሚቺኖ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ተበጊሶም።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እታ ቅዱስ ኣቦና ዝተሳፈሩላ ነፋሪት ካብ ዓለም ሓቆፍ መዓርፎ ነፈርቲ ፊውሚቺኖ በቆጻጽራ ሮማ ሰዓት 09፡06 ቅድሚ ቀትሪ ናብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣልጀርስ ሁዋሪ ቡመዲየነ ከም እተበገሰትን ነዚ ናይ 10 መዓልታት ሓዋርያዊ ጉዕዞ ብምጅማር ኣብ ኣልጀርያ ንኽልተ መዓልታት ክጸንሑ መደብ ተታሒዙሎም ከም ዘሎን -  ናብታ ሃገር ዝበጽሑ ናይ መጀመርታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክኾኑ እዮም። ሰላም፡ ስደት፡ ኣከባቢ፡ መንእሰያት፡ ስድራቤት ድማ ነዚ ጉዕዞ ዝመርሑ ቅዉም ሓሳባት እዮም።

ቅዱስነቶም ኣብዚ ኣብ ኣልጀሪያ ዝገብርዎ ሓዋርያዊ ዑደት ምስ ሰበስልጣን እቲ ከባብን ማሕበረሰብ ኣጎስጢኖሳውያን ክራኸቡን፡ ከምኡ’ውን ንዝኽሪ ኲናት ኣልጀርያ (1954-1962) ኣብ ዝቖመ ሓወልቲ ምብጻሕ ከካይዱ ከም ዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡ ቅዱስ ኣቦና ብንኣሽቱ ኣሓት ማሕበር ደናግል ዝመሓደር መእለዪ ድኻታት ኣረጋውያን ዑደት ከካይዱን ኣብ ኣናባ ኣብ ዝርከብ ባዚሊካ ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ከም ዝኾኑ የመላኽት።

እዚ ናብ ኣልጀርያ ዝገበርዎ ጕዕዞ ብሕታዊ ኣገዳስነት ዘለዎ እውን ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ እዚ እውን ቅዱስነቶም ከም ወዲ ማሕበር ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ሎሚ ኣናባ ብዝብል መጸውዕ እትፍለጥ (ቀደም ሂፖ ተባሂላ እትጽዋዕ ዝነበረት) ከተማ ቅድስ ኣጎስጢኖስ ካብ 395 ክሳዕ ዕለተ ሞቱ 430 ጳጳስ ኰይኑ ዘገልገለላ ከተማ ዘካይድዎ ምብጻሕ ዘጠቓልልን ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ክኣትዉ ንፈለማ እዋን ከም ዘይኮነን ጠቕላሊ ዓቢይ ሓለቓ ማሕበር ገዳማውያን ቅዱስ ኣውጉስጢኖስ፡ እቲ - ኣባ ሮበርት ፕረቮስት ኣብ ንኣልጀርያ፡ ኬንያን ታንዛንያን ሓዊሱ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ዑደት ከም ዘካየዱን ኣብ 2001ን 2013 ን ክልተ ሳዕ እውን ናብ ኣልጀርያ ምብጻሕ ኣካይዶም ከም ዝነበሩ ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ንፈለማ ግዜ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዕደት ከም ዝኸውን ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ይሕብር።

14 Apr 2026, 09:08