ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14፥ ቅዱስ ቁርባን ንክርስትያናዊ ሕይወት ኣገዳሲ እዩ!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 13 ሚያዝያ ቤተ ክርስቲያን መለኮታዊ ምሕረት ኣብ ዘብዓለትሉ ዕለት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ምዝ ተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያ ሓቢሮም ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምድጋሞም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ እምነት ንምድልዳል ቅዱስ ቁርባን ኣገዳሲ ምዃኑ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ሰንበት 12 ሚያዝያ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሓዋርያዊ መስኮት ኮይኖም ምስቶም ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ነጋዲያ ሓቢሮም ጸሎት ንግስተ ሰማይ መሪሖም ብሓባር ቅድሚ ምድጋሞም ቤተ ክርስቲያን ኣብ ካልኣይ ሰንበት ፋሲካ መለኮታዊ ምሕረት ኣብ እተብዕለሉ ዕለተ ሰንበት ዝተነበ ቃለ ወንጌል ኣማእኪሎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ መለኮታዊ ምሕረት ንእምነት ኣብ ምጽናዕ ማእከላይ ተራ ቅዱስ ቁርባን ዘጉልሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ በዓል ትንሳኤ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ ዝተንስአ ክርስቶስ እተራኸበ ሃዋርያ ቶማስ ዘዘንትው ታሪኽ፣ እዚ ርክብ እዚ ኣብ ውሽጢ ማሕበረሰብ ከም ዚካየድ ዝገልጽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፣ እዚ ርክብ እዚ ድማ ሎሚ ኣመንቲ ንክርስቶስ ንኽደልይዎ ዝተጸውዕሉ ቦታ ዘጒልሕ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ "እዚ ትርኢት እዚ ብዛዕባ እቲ ምስ ዝተንስአ ኢየሱስ ዘሎና ርክብ ከነስተንትን ይዕድመና። ነቶም ምእመናን "ኣበይ ክንረኽቦ ንኽእል? ከመይ ጌርና ኢና ኸነለልዮ እንኽእል? ከመይ ገሪና ኢና ክንኣምን እንኽእል” እንክብሉ ንገዛእ ርእሶም ንኽሓቱ ዓዲሞም፡ እምነት ኵሉ ሳዕ ቅጽበታዊ ወይ ቀሊል ከም ዘይኰነ ገሊጾም፡ "እዚ ንቶማስ ቀሊል ኣይነበረን ንዓና እውን ቀሊል ኣይኰነን ስለዚ "እምነት ክትምገብን ክትጸንዕን ኣለዋ፡

በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ቤተ ክርስቲያን ምእመናን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ማለት "ሻሙናይ መዓልቲ ድሕሪ ፋሲካ’ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ሓቢሮም ቅዱስ ቁርባን ከብዕሉ ትዕድም። ኣብ እዋን ቅዳሴ ቃል ኢየሱስ ንሰምዕ ፡ ንጽሊ፡ እምነትና ንናዘዝ . . . ንሕና እውን መሰኻኽር ትንሳኤኡ ምእንቲ ክንከውን፡ ስጋኡን ደሙን ንምገብ - ቢሎም - ናይ ሰንበት ቅዳሴ ንክርስትያናዊ ሕይወት መተካእታ ዘይብሉ ብምዃኑ ኣብ ናይ ሰንበት ቅዳሴ ምሳታፍ ኣገዳሲ እዩ” ከም ዝበሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ቅዱስነቶም ሓሳቦም ናብ ምስክርነት ቀዳመይቲ ቤተ ክርስቲያን ብምቕናዕ፡ ናብቶም ሰማእታት ኣቢተነ ናይ ሎሚ ቱኒዚያ፣ ንምብዓል ቅዱስ ቁርባን ካብ ምግዳፍ ሞት ዝመረጹ፡ መዓልቲ ጎይታ ከየኽበርና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና እንክብሉ ዝሃብዎ መልሲ"  ከም ዘዘኻኸሩ ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ቅዱስ ቁርባን እያ እምነት እትዕብን እትጸንዕን፣ ምእመናን ከም ኣባላት ሓደ ኣካል ዝጥርነፈሉ ህላዌ ምዃኑ ገሊጾም። ኣብኡ እዩ ጻዕርታትና ድሩት እኳ እንተኾነ፡ ንኹሉ ሰብኣውነት ዝሓቖፈ ሓደ ዓቢ መደብ ድሕነት ንምፍጻም ብጸጋ ኣምላኽ ዝጥርነፍ ምስ በሉ፡ ወንጌላውነት ሸነኽ መስዋዕተ ቅዳሴ ኣስሚሮም፡ እቲ ቃል ንባዕሉ "ምልኣኽ" ከም ዘመልክት ኣነጺሮም፡ ክርስትያን፡ ነቲ ዝረኽብዎ ናብ መዓልታዊ ህይወቶም ከምጽኡን፡ መሰኻኽር ፍቕርን ልኡኻት ዕርቅን" ክኾኑ ከምዝተጸውዑ ብኣጽንዖት ኣተሓሳሲቦም፡ "ኣብዛ ሰላም ኣዝያ ዘድልያ ዓለም እዚ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ኣብቲ ምስ ዝተንስአ ጐይታ ኣብ እንገብሮ ቅዱስ ቍርባናዊ ርክብ ጽኑዓትን እሙናትን ክንከውን ይጽውዓና" እንክብሉ ብምጒላሕ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

14 Apr 2026, 09:21