ር. ሊ. ጳ. ምስ ማሕበረሰብ ኣልጀርያ፦ ጸሎት ልግሲ ምትሕብባር ንህላወ ክርስትና ኣገዳሲ እዩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰኑይ ኣብ ኣልጀርያ ኣብ ዝርከብ ቤተ-ክርስትያን እግዝእትነ ማርያም ዘኣፍሪኻ ምስ ኣባላት ክርስቲያናዊ ማሕበረሰብ ኣልጀርያ ተራኺቦም፣ እዚ ድማ ኣብታ ሃገር ናይ ኣብ ዝካየደዎ መጀመርታ መዓልቲ ውዕሎኦም ናይ መወዳእታ ፍጻመ እዩ ዝንበረ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ኣብ ዘካፈልዎም ቃል ሰላምታ፣ ምስቶም ከም "ጥንታዊ ውርሻን ብሩህ ናይ እምነትን ምስክርነት" ዝፍለጥ ማሕበረሰብ ብምርኻቦም፣ ዝስምዖም "ዓሚቝ ሓጐስን ኣባታዊ ፍቕርን" ገለጹሎም።
ብፍላይ ነቶም ኣብ 1990ታት ኣብ ኣልጀርያ እተቐትሉ ዓሰርተ ትሽዓተ ምእመናን ሰብኡትን ኣንስትን ብምዝካር፣ "ኣብ ሓጐስን ሓዘንን ኣብ ጐድኒ እዚ ህዝቢ እዚ ደው ክብሉ" ከም ዝመረጹ ገለጹ።
ምስክርነቶም ሎሚ እውን ህያው ከም ዘሎን፣ "ደሞም ከኣ ካብ ምፍራይ ዘየቋርጽ ህያው ዘርኢ እዩ" በሉ።
ቅዱስ ኣቦና ነቲ ኣብቲ ኸባቢ ዘሎ ዓሚቝ ታሪኻዊ መበቈል ክርስትና ብምጥቃስ፣ ኣብዛ ሃገር እዚኣ "ውዕዉዕ ድምጺ ኣጐስጢኖስ ብዓል ሂፖን" ምስ ኣብነት ቅድስቲ ሞኒካን ካልኦት ቅዱሳንን ከም ዝሰማማዕ እውን ኣዘኻኸሩ።
"ኵላትና ኽንጽሊ ኣሎና"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ ህይወት ቤተ-ክርስትያን ኣልጀርያ ብምስትንታን ፈለማ ኣብ ጸሎት ኣተኲሮም ኣስተንተኑ። "ኵላትና ኽንጽሊ ኣሎና" ብምባል ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፣ "ሰብ ብዘይ ምስትንፋስ ክነብር ከም ዘይክል፣ ብዘይ ጸሎት ክነብር እውን ኣይክእልን ኢዩ" ብምባል ዝመስከርዎ ቃላት ኣዘኻኸሩ።
ብዛዕባ ሓደ ኣባል ናይቲ ኸባቢ ማሕበረሰብ ዘሕለፎ ተመክሮ ብምጥቃስ፣ ብዙሓት ሰባት ስቕ ኢሎም "ሻቕሎቶም ንምግላጽ ምእንቲ ዜፍቅርዎም ሰባት ኪጽልዩ" ከምኡውን ኪሰምዕ ፍቓደኛ ዝዀነ ሰብ ኪረኽቡ ኸም ዝደልዩ ኣመልከቱሎም።
"ጸሎት ንልቢ ሓድነት ሰብኣውነት የበርትዖን የንጽህን ኢዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ቤተ-ክርስትያን ኣልጀርያ ብጸሎትን ሰብኣውነትን ሓድነትን ብርታዐን ንጽሕናን ትዘርእ፣ ጐይታ ጥራይ ናብ ዝፈልጦ ቦታታት ድማ ትበጽሕ" በሉ።
ፍቕሪ ካብ ሥጋዊ ሓገዝ ንላዕሊ ኢዩ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ኣገልግሎት ግብረ ሰናይ ምልስ ብምባል ድማ፣ ነቶም ተነቀፍቲ ኣካላት ሕብረተሰብ ብፍላይ ከኣ ንስንኩላንን ቈልዑን ስድራ ቤቶምን ዝልግስዎ ኣገልግሎት ኣጕልሑ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገልግሎት ንስጋዊ ነገራት ካብ ምምላእ ንላዕሊ ምዃኑ መስከሩሎም።
"ምሕረትን ኣገልግሎትን ስጋዊ ሓገዝ ምሃብ ጥራይ ኣይኰነን" ድማ በሉ። ኣብ ክንዳኡስ "ኵሎም እቶም ኣብኡ ዝሳተፉ ሰባት ንኺዓብዩን ኪበልጽጉን ዜኽእሎም ናይ ኣጋጣሚ" ይዀኒም በሉ።
ከም ሕሙማት ምብጻሕ ዝኣመሰለ ተራ ዝመስል ተግባራት፣ ብኸመይ ናብ ዝሰፍሐ ዓይነት ደገፍን ህይወት ማሕበረሰብን ኪምዕብል ከም ዚኽእል እውን ኣስተንተኑ። ኣብዚ መዳይ እዚ ብዛዕባ ምስክርነት እቶም "ጽልእን ዓመጽን እናኣጋጠሞም" ክንሱ እሙናት ዝዀኑ ሰማእታት ከም ብሓድሽ ጠቒሶም ድማ ምስክርነቶም ኣካፈልዎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ነቲ ሓደጋታት እናሃለወ ኽነሱ ከይከይድ ዝመረጸ ሓው ሉክ ብዓል ቲቢሪን እተዛረቦ ቓላት ብምዝካር፣ "ምሳታቶም ክጸንሕ እደሊ እየ" ብምባል ዝሃቦ መልሲ ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጹ።
'ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን'
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ብዛዕባ ሓድነትን ሰላምን እውን ገለጹሎም፣ "ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን! ክብሉ ሰላም ክርስቶስ ብምክፋል፣ ብተወሳኺውን ካብ ቲፓሳ እተጻሕፈ ጥንታዊ ክርስትያናዊ ጽሑፍ ጠቒሶም ኣስተንተኑ፣ እዚ ጽሑፍ እዚ "ብኣምላኽ ሰላምን ስኒትን ኣብ ማእከልና ይኹን" ዚብል ጽሑፍ የዘኻኽረና በሉ። ካብ መጀመርታ መዓልትታት ቤተ-ክርስትያን ኣትሒዙ፣ ሰላምን ስምምዕን ኣብ ህይወት ማሕበረሰብ ክርስትና ማእከል ከም ዝነበረ እውን ኣመልከቱ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ንቤተ ክርስትያን ከም ምልክት እዚ ጽውዓ ገይሮም ክገልጽዋ እንከለዉ፣ "ኣብ መንጎ ክርስትያን ምእመናንን ሰዓብቲ እምነት እስላምን ዘሎ ሕብረት፣ ኣብ ትሕቲ ባርኖስ እግዝእትነ ማርያም ዘኣፍሪቃ ዝቐርጸ ብህያው ኣእማን እተሃንጸት ቤተ-ክርስትያን" ከም እተመልክት ገሊጾም።
እምነትን ግልጽነትን ሕውነትን ከተማዕብል ከም ዘለዋ እውን ኣጕልሑ፦ "እምነት ይኸፍተና ደአ እምበር ኣይፈላልየናን እዩ። ሓድነት የሕብረና እምበር ሕንፍሽፍሽ ኣይፈጥርን እዩ። ብዘይ ምትሕውዋስ ብዝያዳ ኸም እንቀራረብ እዩ ዝገብረና።"
ኣብዛ ምክፍፋልን ግጭትን ዝመልኣ ዓለም፣ ኣብ ኣልጀርያ ብሓባር ኣብ ምንባር ዘሕለፍዎ ተመክሮ ትርጕም ዘለዎ ምስክርነት ሓድነትን ሰላምን ከም ዘቕርብ ብምግላጽ፣ "ዘእምን ምልክት" ኢዩኡ ክብሉ ጸውዕዎ።
"ኣብ ምድረ በዳ ንበይኑ ኺነብር ዚኽእል ሰብ የልቦን"
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መደምደምታ መደረኦም፣ ዝበዝሕ ክፋል ኣልጀርያ ምድረ በዳ ምዃኑ ብምግላጽ ካብ ገጸ-ምድሪ እታ ሃገር እተሳእለ ምስሊ ኣቕረቡሎም።
"ኣብ ምድረ በዳ ዋላ ሓደ ሰብ ንበይኑ ክነብር ኣይክእልን ኢዩ!" ብምባል ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ንሰባት ንሓድሕዶም ከም ዝደላለዩ ከም ዘዘኻኽሮም እውን ገለጹ።
"ንተነቃፊነትና ኣፍልጦ ኽንህበሉ ከሎና፣ ልብና ንሓድሕድና ንምድጋፍን "ዓሚቝ መንፈስ ዕርቅን ሓወይና ሰላምን ንምድላይ" ክፉት ይኸውን" ድማ በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ወሲኾም፣ ምእመናን ተልእኾኦም ክቕጽሉ ብምትብባዕ "ሓድነትን ክፉትነት ናይ እምነት ማሕበረሰብ" ክዀኑ ጸዊዖም ኣለዉ፣ ስለቲ ዝገበርዎ ምስክርነት ድማ ኣመስገንዎም።
"ኣብ ጸሎተይ ከም ዝዝክረኩም አረጋግጸልኩም ኣለኹ" ድማ በሉ፣ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ቕድሚ ምክፋሎም ድማ ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘኣፍሪቃ ሕድሪ ኣወፈይዎም።
