13 ግንቦት 1981 ኣብ ልዕሊ ር. ሊ. ጳ. ቅ. ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝትፈጸመ ፈተነ ቅትለት
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ብዕለት 13 ግንቦት 1981 ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ልዕሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ፈተነ ቅትለት ካብ ዝፍጸም እንሆ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመታት ሓሊፉ ይርከብ። እዚ ድማ ኣብ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን ኣሰር ዝሓደገን፡ ኣቓልቦ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዝሰሓበን ፍጻመ ነበረ።
ተዘክሮ እታ መዓልቲ እቲኣ ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ ዚርከብ ምስልታት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስን፡ ተካእቶምን፡ ኣብተን ስዒበን ዝነበራ ዓመታት ዘስተምሃርዎ፡ ጸሎትን፡ ይቕረ ምባልን፡ ኣብ ኣምላኽ ምእማንን እውን ይተኣሳሰር ኢዩ።
ኣብ ግንቦት 1981 ኣህጉራዊውን፡ ማሕበራውን፡ ፖለቲካውን ሃዋህው ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ብሓድሽ ወጥሪ ተላዒሉ። ሕብረት ሶቭየት ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ዝገበረቶ ወራር፡ ነቲ ዝሑል ኲናት ኣጐሃሃሮ። ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ድማ በቲ ኣብ ፖላንድ ዝተቀልቀለ ናይ ናጻ ማሕበር ንግዲ ሶሊዳርኖሼ ሻቕሎት እናወሰኸ ከደ። ኣብ ኢጣልያ ንዓመታት ዝጸንሐ ግብረ-ሽበራን፡ ጥሩፍ ፖለቲካዊ ዓመጽን፡ ኣኒ ዲ ፒዮምቦ – ዓመታት መሪሕነት ተባሂሉ ዝፍለጥ – ንሕብረተሰብ ክሳዕ ሕመረቱ ቀጥቂጥዎ ነበረ።
ረቡዕ ዕለት 13 ግንቦት 1981 ኣደባባይ ቅዱስ ጴጥሮስ በቶም ኣብ ሰሙናዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ንክሳተፉ ተኣኪቦም ዝነበሩ ነጋድያን መሊኡ ነበረ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ከኣ፡ ካብ ቀረባ ርሕቀት ክትኰሰሎም እንከሎ፡ ነቶም ምእመናን ከምቲ ልሙድ በታ ጻዕዳ ጂፕ ዝዓይነታ ማኪና እና ዞሩ ሰላምታ ይህቡ ነበሩ። በቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከቢድ ጕድኣት ስለ ዝወረዶም፡ ብኡንብኡ ናብ ሆስፒታል ጀመሊ ሮማ ተወስዱ።
ሓደ ካብቶም ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ብቐጥታ ጸብጻብ ዝህቡ ዝነበሩ ጋዜጠኛ ረድዮ ቫቲካን በነዴቶ ናርዳቺ ኢዩ ነይሩ። ድምጹ ድማ ነቲ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ ሕንፍሽፍሽን ስቕታን የመሓላልፍ ነበረ።
ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ዝነበሩ ሕዝቢ ኪዕዘቦም ከሎ፡ እቶም ሰባት ብስቕታ ዝኾነ ዜና ዚጽበዩ ይመስሉ፣ እቶም ጳጳሳትን ካህናትን ከኣ ንኣመንቲ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀልጢፎም ንኺሓውዩ ኪጽልዩ ጻውዒት ኣቕረቡሎም።
ጸኒሑ ብቤት ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝወጸ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ከብዶም ከም ዝተወቕዑን፡ ኣብ ሆስፒታል ጀመሊ መጥባሕቲ ይግበረሎም ከም ዘሎን ኣረጋጊጹ። እቲ መግለጺ ኣስዕብ ኣቢሉ ኵነታቶም ከቢድ እኳ እንተ ነበረ፡ "ናይ ምሕዋይ መሰረታዊ ተስፋታት" ከም ዘሎ ገሊጹ።
ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ካብ ሆስፒታል ኣብ ጊዜ ጸሎት ንግሥተ ሰማይ ኣብ ዘመሓላልፍዎ መልእኽቲ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ፡ ኣብ ቅድሚ እቶም ምእመናን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መሃመት ዓሊ ኣግቻ ይቕሬታ ከም ዝገበሩሉ ብግህዶ ተዛሪቦም።
ምእንቲ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ከም ዝጽልዩ ቃል ብምእታው ድማ፡ “ኣነ ብዅሉ ናትኪ ኢየ” ብምባል ንሕይወቶም እንደገና ናብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣወፈዩ።
ብፍቕሪ ዝተለወጠ ስቓይ
ኣብተን ቀጺለን ዝነበራ ዓመታት እቲ ብዕለት 13 ግንቦት 1981 ዘጋጠመ ፍጻመታት፡ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ምስ ማርያም ፋጢማ ዝነበሮም ተወፋይነት ኣጸቢቑ ተተሓሓዘ። ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ሕይወቶም ብኣማላድነታ ከም ዝደሓነት ብተደጋጋሚ ገሊጾም ነይሮም።
ብዕለት 8 ሚያዝያ 2005 ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ፡ ካርዲናል ጆሴፍ ራትዚንገር (ደሓር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክትስ መበል 16 ዝኾኑ) ብዛዕባኦም ኣብ ዝሃብዎ ምስክርነት፡ ብዛዕባ ስቓዮምን፡ እምነቶምን መስኪሮም። ካብታ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ዝተጻሕፈት ተዘክሮን መንነትን እትብል መጽሓፍ ብምጥቃስ ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ብፍቕሪ ዝተለወጠን፡ ምስ ምስጢር ክርስቶስ ሓድነት ዘለዎን ስቓይ መብርሂ ሂቦም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ እውን፡ ብዕለት 12 ግንቦት 2021 ኣብ ድሮ እቲ ዝኽሪ ኣብ ዝተገብረ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ፡ ነቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘኪሮም። ኣብ መንጎ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመላ ዕለትን፡ ኣብ መንጎ በዓል ማርያም ፋጢማን ዘሎ ምትእስሳር ብምጥቃስ ድማ፡ እቲ ፍጻመ ንደቂ ሰብ "ሕይወትናን፡ ታሪኽ ዓለምን ኣብ ኢድ ኣምላኽ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ" ክብሉ ጠቒሶም።
ዝኽሪ ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ፡ ኣብ ሕይወት ቤተክርስትያን ሕጂ እውን እንተኾነ ይንጸባረቕ ኣሎ። ብዕለት 11 ግንቦት 2025 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንበረ ጴጥሮስ ምስ ተመርጹ፡ ነዊሕ ከይጸንሑ፡ ኣብ እዋን ጸሎት ንግሥተ ሰማይ፡ ንመንእሰያት ኣብ ዝተዛረቡሉ እዋን፡ "ኣይትፍርሁ! ንጻውዒት ቤተክርስትያንን፡ ናይ ክርስቶስ ጐይታን ተቐበሉ” ብምባል፡ ምስ ቃላት ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ኣጸቢቑ ዝተተሓሓዘ ቃላት ደጋጊሞም።
ድሕሪ ሓደ ሰሙን ብዕለት 18 ግንቦት 2025 ኣብ ዝኽሪ ልደት ካሮል ቮይቲላ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ነቲ ናይ መንበረ ጴጥሮስ ኣገልግሎቶም ናይ ዝጅምሩሉ መሥዋዕተ ቅዳሴ መሪሖም።
