ኣና ሮውላንድስ፦ ር. ሊ. ጳ. ልዮን ዘዳለውዎ ሰነድ 'ግሩም ሰብኣውነት'፣ ነባሪ ጽልዋ ኺህልዎ እዩ

ኣብ መንበረ ጥበብ ዱርሃም እተገልግል ክብሪ ፕሮፌሰር ኣና ሮውላንድስ ሊቅ ሥነ መለኮት፣ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደቶ ቃለ መሕትት፣ ንረብሓታትን ሓደጋታትን ናይዚ ዘለናዮ ዘመን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብምጥቃስ፣ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነባሪ ዝኾነ ጽልዋ ከም ዝህልዋ ብምግላስ ሓያል መልእኽቲ ኣመሓላሊፋ።

ኣባ ተውልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ክንሓስብ እንጅምረሉ ጽባሕ የለን" ትብል ኣና ሮውላንድስ።

ኣብ ሕቡራት ንግሥነታት ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝርከብ መንበረ ጥበበብ ዱርሃም ናይ ሥነ መለኮት ሊቕን ፕሮፌሰርን ኮይና እተገልግል ዘላ ክብርቲ ኣና ሮውላንድስ፣ ነዚ ሓሳባት እዚ ኣብቲ ምስ ዜና ቫቲካን ዘካየደቶ ቃለ-መጠይቕ ኢያ ዘካፈለት። እቲ ብዕለት 25 ግንቦት ኣብ ሃገረ ቫቲካን  ዝቐረበ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ዘሰናደውዎ ብዛዕባ ዕቝባ ሰብኣዊ ኣካል ኣብ መዋል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝገልጽ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica humanitas) ዘርእስቱ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ ቅዱስነቶም ድሕሪ ምእዋጃ ኣብ ዘካፈልቶ ሓሳባት ነዚ ነጥቢ እዚ ኣጕልሐት።

እቲ ብዕለት 15 ግንቦት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 እተከተመ ሰነድ፣ ማለት መበል 135 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ዘሰናደውዎ፣ ዝኽሪ ታሪኻዊት ዓዋዲት መልእኽቲ “ሓደስቲ ነገራት” (Rerum Novarum) ንምጽንባል፣ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ሓድሽ ኣደራሽ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ ብዕሊ ኣብ ቅድሚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተኣወጀት።

ፕሮፌሰር ሮውላንድስ ሓንቲ ኻብቶም ኣብቲ ሥርዓተ ምርቓ እዛ ሰነድ መደረ ዘቕረቡ ዕዱማት ኮይና፣ ኣብ ጐድኒ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀስ እምነት ዝሓሊ ላእለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ክሪስቶፈር ኦላህ ተሓባባሪ መስራቲ ኣንትሮፒክስ ትካል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን፣ ሓላፊ ምርምር ትርጉባት ሰብ ዝሰርሖ ኣስትውዕሎን፣ ከምኡውን ፕሮፌሰር ሊዮካዲ ሉሾምቦ ፕሮፌሰር ፖለቲካዊ ሥነ-መለኮትን ማሕበራዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲን ኣብ መንበረ ጥበብ ሳንታ ክላራ ካሊፎርንያ ብምዃን ተሳተፈት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ኣባኡ እተረኽቡ ንዝረገስዎ መደረ ቅድሚ ምቕራቦም፣ ሓዋርያዊ በራኬኦም ቀቕድሚ ምክፋሎምን ድማ ብፁእ ካርዲናል ፒትሮ ፓሮሊን ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር መዛዘሚ መደረ ኣቕረቡ።

ኣብ እዋን ኣዋጅ "ግሩም ሰብኣውነት" ኣብ ሃገረ ቫቲካን
ኣብ እዋን ኣዋጅ "ግሩም ሰብኣውነት" ኣብ ሃገረ ቫቲካን   (@Vatican Media)

'ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣበርክቶ'

ፕሮፌሰር ሮውላንድስ ደድሕሪ እቲ ፍጻመ ዜና ቫሪካን ኣብ ዘካፈለቶ ሓሳባት፣ ነዛ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ብኽልተ ቐንዲ ምኽንያታት "ኣዝያ ኣገዳሲ ኣበርክቶ" ዘለዋ ሰነድ ከም ምዃነ ገለጸት።

እቲ ቀዳማይ ደቂ ሰባት፣ ብዛዕባ እቲ ኣብቲ ሰነድ እተጠቕሰ ተክኖሎጅያዊ ጕዳያት ዓሚቝ ህጹጽነት የጋጥሞም ከም ዘሎ ገለጸት።

"ብዛዕባ እዚ ጕዳያት እዚ ክንሓስብ እትጅምረሉ ጽባሕ የለን፣ ምኽንያቱ እቲ ኣብ ስራሕ፣ ኣብ ሰራሕተይናታት፣ ኣብ ስደተይናታት፣ ኣብ ስድራቤታት ኣብ ፖለቲካዊ ሕብረተሰብ ከምኡውን ኣብ ዓለምለኻዊ ግጭታት ዘለዎ ጽልዋ ሕጅን ትማልን ጽባሕን እውን ክቕጽል ኢዩ" ብምባል ኣጠንቀቐት።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ብዙሓት ሰባት፣ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ንዝተሓሓዘ ሕቶታት ንምስታፍ ርግጸኛታት ከም ዘይኰኑ ወይ ብቑዓት ከም ዘይኰኑ ኣፍልጦ ሃበትሉ።

"ብገለ መገዲ ቅዱስ ኣቦና ድማ፣ ነዚ ኣብቲ ሰነድ ይጠቕስዎ፣ ምናልባት ካልእ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነገራት እዚ ኺሓስብ ይኽእል እዩ ዚብል ተስፋ እውን ኣሎ" በለት። "እንተዀነ ግን ብዛዕባ እዚ ጉዳያት እዚ ክንሓስብ ኣሎና ብሓባር ድማ ክንሓስብ ኣሎና" በለት።

ኩሉ ድምፂ ዝስማዕሉ ቦይታ የድሊ

እዛ ሊቅ ሥነ መለኮት ሓደ ኻብቲ ቐንዲ ዜተሓሳስባ ነገር እንተ ሃልዩ፣ “ግሩም ሰብኣውነት”፣ እዚ ሕቶታት እዚ ብቐዳምነት ብሰብኣዊ ኽብሪ ዘይኰነስ፣ ብመኽሰብ ዝቐርጽ ብሕታዊ ዓውድታት ጥራይ ከም ዘይሕደገ ምግባር ምዃኑ ሓሳባታ ኣካፈለት።

"ብፍላይ ድማ ድምጺ ናይቶም ኣዝዮም እተገለሉን፣ በቲ ናይ ቀመራዊ ምዕሪት (ኣልጎሪዝም) ስርዓታትን ዲጂታላዊ ኣድማስን፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎትን፣ ኣብ ዘሎ ዓለምን ብቐዳምነት ዝስማዕሉ ሓባራዊ ባይታ ብኸመይ ኢና እንፈጥር?" ክትብል እውን ትሓትት።

እዛ ሓሳት ዓዋዲት መልእኽቲ፣ እዚ ድምፂ እዚ ንሓባራዊ ረብሓ ንምድንፋዕ ኣብ ዝግበር ዝዀነ ይኹን ዝርርብ ማእከል ክኸውን ከም ዘለዎ ኣትሪራ ድማ ትገልጽ።

ፕሮፌሰር ሮውላንድስ ብዛዕባ ደቂ ሰብ ዓሚቝ ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ሕቶታት ኣብ ልዑል ዓለምለኻዊ መድረኽ "ፍሉይ ድምጺ" ዘጉልሕ ኢዩ ትብል።

ፕሮፌሰር ኣና ሮውላንደስ ምስቶም ካልኦት ተሳተፍቲ ዕለተ ምርቓ
ፕሮፌሰር ኣና ሮውላንደስ ምስቶም ካልኦት ተሳተፍቲ ዕለተ ምርቓ   (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን ምሕበረ ሰብ ብዛዕባ ቐንዲ ሕቶታት ኬስተንትኑ ይቕውዑ

ቅዱስ ኣቦና ንሕብረተሰብ ብዛዕባ መሰረታዊ ሕቶታት ንኼስተንትኑ ሓደ ብድሆ ኸም ዘቕረቡ እውን ገለጸት - "ህይወት ሰብ እንታይ እዩ ኢልና ኢና እንሓስብ ዘሎና? ንሕና ከም ሰባት መጠን መን ኢና? ኣብ ሰብኣውነትናን ብሕብረት ኣብ እንነብረሉ ህይወት፣ እንታይ ራእይን ሸቶን ኢና እንዕቅብ ዘሎና?" ዝብል ሕቶታት ድማ የቕርቡ።

ኣስዕብ ኣቢላ ድማ "ነዚ ኹሉ ድማ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ዛንታታት፣ ብዛዕባ ሰብ ምዃን እንታይ ማለት ምዃኑ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ትረኻታት፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ፖለቲካዊ ውግእ ግጭት ወይ ቍጠባ፣ ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ዝስልጥንን ዝቖጻጸርን ሓያል ነቐፌታ የቕርበልና ኢዩ" በለት።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ምስዚ ዛንታታት እዚ ብእተፈልየ መገዲ፣ ነቲ "ብዛዕባ ስልጣኔ ፍቕሪ ዝገልጽ ባህ ዜብል ራእይ" ክብሉ ዝገለጽዎ ሓሳብ እውን ኣቕረበት።

ፕሮፌሰር ሮውላንድስ ከም ዝገለጸቶ፣ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ንደቂ ሰብ ሓባራዊ ስነ-ምግባራዊ ኣተሓሳስባ ክምለስ ይምሕጸን፣ ብፍላይ ከኣ "ንሓድሕዱን ንዓለምን ንተፈጥሮኣዊ ዋጋ ሰብኣዊ ኣካልን ኣፍልጦ እትህበሉ መገዲ" ክምልሱ ይምሕጸን።

እቲ ጽሑፍ ከም ዘመልከቶ፣ ሰብኣዊ ክብሪ ናብ ተክኖሎጅያዊ መሳርሒታት ከይመሓላለፍ፣ ወይ ከኣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ብገለ መገዲ ካብ ደቂ ሰብ ንላዕሊ "ዝያዳ ሰብኣዊ" ክኸውን ከም ዝኽእል ብምሕሳብ ንክብሪ ሰብነትና ከይትንክግ የጠንቅቑ።

ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ጽልዋ ንኽህልዎ ዝቐረበ ጻውዒት

ዶክተር ሮውላንድስ ከም ዝገለጸቶ፣ እዚ ሰነድ እዚ ብተወሳኺ ሓደ ዕድመ እዩ።

"ነዚ ናይ ፍቕሪ ስልጣኔ ንምህናጽ ብሓባር ክንሰርሕ የድልየና ኢዩ" በለት። "ነዚ እንገብሮ ድማ ንፍቕሪ እተፈጠርና ውሱናት ፍጥረታት ምዃንናን፣ ንፍትሒ ሃረር ብዚብል ስምዒት ምሉእ ብምሉእ ብምንባርን ጥራይ ኢና ነዛ ዓለም እዚኣ ብተሳትፎ ብሓባር ዳግም ከም እንፈጥር ብምግባር እውን ጥራይ ኢና።"

ፕሮፌሰር ሮውላንድስ ኣስዒባ፣ ኣብ ውሽጢ  እቲ ዝሰፍሐ ትውፊት ማሕበረሰብኣዊ ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያን፣ ብዛዕባ “ግሩም ሰብኣውነት” ብምስትንታን ሓሳባታ ደምደመት።

"ግሩም ሰብኣውነት”  ንሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ስለ ዝምልከት፣ ሓድሽን እዋናውን ኢዩ፣ እንተዀነ ግን ኣብ ዘመነ ኢንዱስትራላዊ ሰውራን ካፒታሊዝምን፣ ኵነታት ስራሕ ከምኡውን ተክኖሎጂ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ትርጕም ዘተኰረ ነዊሕ ትውፊት ኢዩ" በለት።

መልእኽቲ ጳጳስ ልዮን መበል 14፣ ካብ ህሉው ግዜ ንላዕሊ ዝስማዕን፣ ንወለዶታት ዝትንክፍን ምዃኑ ሓሳባታ ኣካፈለት።

ዕለተ ምርቓ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ "ግሩም ሰባኣውነት"
ዕለተ ምርቓ ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ "ግሩም ሰባኣውነት"   (@Vatican Media)
27 May 2026, 10:21