ሺዮ ሳልሳይ ሓድሽ ካቶሊኮስ-ፓትርያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጆርጅያ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብ ዕለት 17 መጋቢት ኢሊያ ዳግማይ ካብ ድኻም እዛ ዓለም ካብ ዘእርፉ ክልተ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ግዜ፣ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጆርጅያ ዝሓለፈ ሰኑይ ዕለት 11 ግንቦት ንሜትሮፖሊሳዊ ሊቀጳጵሳት ሺዮ ሳልሳይ ናይ ሰበኻታት ሰናኪን ቸክሮትስኩን ሓድሽ ካቶሊኮስ-ፓትርያርክ ናይ መላእ ጆርጅያ ክኾኑ መሪጹ ይርከብ ኣሎ።
ቅድሚ 57 ዓመታት ኣብ ከተማ ቲቢሊሲ እተወልዱ ኤሊዝባር ተይሙራዝ ሙጂሪ ንነዊሕ እዋን ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ዘገልገሉ ኢዮም። ሺዮ ሳልሳይ ዝብል ስም ብምውሳድ ድማ ቀሲሎም ናይ ሰበኻታት ምትስኬታ-ቲቢሊሲን ሊቀጳጳሳትን፣ ሜትሮፖሊታን መንበረ ኣብካዝያን ቢችቪንታን ኮይኖም መዓርግ ክቕበሉ ኢዮም።
ኣብ ርእሲ ኸተማ ጆርጅያ ኣብ ዝርከብ ካቴድራል ደብረ ቅድስተ ስላሴ ቲቢሊሲ እተኻየደ ጉባኤ ሲኖዶስ፣ ካብ መላእ ጆርጅያ ዝመጹ 1,200 ልኡኻት ተኣኪቦም ነበሩ። እቲ ጉባኤ ሲኖዶስ ትማሊ ሰሉስ ንግሆ ኣብ ካቴድራል ስቬቲትስኮቭሊ ድማ ኢዩ ተኻይዱ።
ካርዲናል ኮኽ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ
"ደድሕሪ እቲ ጥንታውን ብሩህን መንፈሳዊ ውርሻ ቤተ-ክርስትያን ጆርጅያ፣ ብምስክርነትን ተኣማንነትን ብዙሓት ቅዱሳን ተገሊጹ ኣሎ" ብምባል ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ክርስቲያናዊ ሓድነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኩርት ኮች ኣብ ናይ ምስጋና መልእኽቲ ኣመሓላለፉ።
"ኣገልግሎትኩም ነቲ ናይ ልባዊ ዕርክነት ማእሰር ንምድልዳልን፣ ኣብ መንጎ ኣብያተ-ክርስትያንና ዝያዳ ሕውነታዊ ዝርርብ ንኽህሉ ይሓግዝና" ድማ በሉ።
"ኣገልግሎትኩም ነቲ ብውህበት መንፈስ ንዅሎም ኣመንቲ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ዋላ እውን ምሉእ ብምሉእ እኳ እንተ ዘይነበረ፣ ብሓቂ ሓድነት ዘሕድር ማእሰር ፍቕርን ምትሕብባርን ከም ዜደልድል ርግጸኛ እየ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ትእዛዝ ጐይታ 'ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም ንሓድሕድኩም ተፋቐሩ' ዝብል ትእዛዝ ብዝያዳ ምእንቲ ኺግለጽ እዩ።
ብፁዕ ካርዲናል ኮኽ፣ ምስ ልኡኻት ቅድስቲ መንበር ኰይኖም፣ ኣብቲ ብዕለት 22 መጋቢት ኣብ ቲቢሊሲ እተኻየደ ሥርዓተ ቀብሪ ብፁዕ ወቅዱስ ፓርትያርክ ኢሊያ ዳግማይ፣ ምስ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ በርተሎሜዎስ ቀዳማይን ተሳቲፎም።
ሊቅ ሥነ መለኮትን ቸልሊስትን
ሙጂሪ ኣብ መንጎ እቲ እተፈላለየ ዘካየድዎ መጽናዕትታት ካብ መንግስታዊ ኮንሰርቫቶሪ ናይ ቸሎ ዲፕሎማ ዝረኸቡን፣ ብ1993 ዓ.ም. ሺዮ ብዚብል ስም ኣብ ጀረጃ ምንኵስና ዝደተቡን ኢዮም።
ጸኒሖም ድማ መዓርቀ ዲቍና፣ ኣብ 1996 ዓ.ም. ከኣ መርገ ካህነት ተቐበሉ። ስነ-መለኮታዊ ትምህርቶም ኣብ ሞስኮ ድሕሪ ምዝዛም፣ ኣብ ቲቢሊሲ ከም ኣበምኔት ጸኒሖም ድማ ከም ጳጳስ፡ ሊቀ ጳጳሳት፡ ከምኡውን ሜትሮፖሊታን፡ (ብ2010) ኮይኖም ኣገልገሉ።
ሺዮ ሳልሳይ ቀቅድሚ ምምራጾም፣ ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ ዘቅረብዎ መደረ "እታ ወትሩ ንሃገር ሓድነት እትህብ ሓይሊ፡ ተጣባቒት፡ ናይ ሓቂ እምነት መግለሲ፡ ቋንቋ ጆርጅያን ባህልታቱን ከምኡውን ታሪኻዊ ተዘክሮ ዝዓቀበት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጆርጅያ፣ በዚ መገዲ እዚ ኽትቅጽል እያ" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14፣ ኣብቲ ብዕለት 18 መጋቢት ድሕሪ እረፍቲ ብፁዕ ወቅዱስ ፓርትያትክ ኢሊያ ዳግማይ፣ ናብ ሊቀ ጳጳሳት ሺዮ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፣ ጐይታ "ንኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስትያን ጆርጅያ፣ በቲ ነቲ እቶም ዝሓለፉ ፓትርያርክ ዘነቓቕስዎ ናይ ጕስነት ልግሲ ምእንቲ ክመርሓ ብርሃንን ምስትውዓልን ብርታዐን" ኪህቦ ኸም ዝጽልዪ ጽሒፎም ምንባሮም ዝዝክረ ኢዩ።
