ር. ሊ. ጳ.፦ ሊጡርጊያ ንቤተ-ክርስትያን የንብራን ንእምነታ ይገልጽን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን እዚ ኣብ ዝለገስዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝኣወጆ ዶግማዊ ቅዋም ብዛዕባ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ዘስተምህር ሰነድ፣ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ብምስትንታን፣ "ሊጡርጊያ ንኣመንቲ ከም ዝድግፎምን"፣ ነፍሲ ወከፍ መሥዋዕተ ቅዳሴ ከኣ፣ "ሓቀይና ግልጸት ቤተ-ክርስትያን ብጸሎት" ከም ምዃኑ ኣጕልሑ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

“ክርስቶስ ባዕሉ ውሳጣዊ ምንጪ ምሥጢር ቤተ-ክርስትያን እዩ፣ እቶም ኣብ መስቀል ጐድኑ ምስ ተወግአ እተወልዱ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ ድማ ኢዮም። ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ብሓይሊ መንፈሱ ይዓዪ ኣሎ። ንቤተ-ክርስትያን ነታ መርዓቱ፣ ምስቲ ናብ ኣቦኡ ዘቕረቦ መስዋእቲ የሕብራን  ይቕድሳን፤” ክብሉ እውን ኣስተምሃሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ነዚ ሓሳባት እዚ፣ ኣብቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘካፈልዎ ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ፣ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተኮረ ተኸታታሊ ትምህርትታት ብምቕጻል፣ ኣብዚ ሰሙን እዚ ብዛዕባ  እቲ ኣብ 1963 ዝተኣወጀ ደግማዊ ቅዋም ብዛዕባ ቅዳሴ ዘስተምህር ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” ሓደሽ ክፍል ኣስተምህሮ ጀመሚሮም።

ካብዚ ብምቕጻል፣ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ነቕርበልኩም፣ ሰናይ ምክትታል

ዝኸበርኩም ኣሕዋትን ኣሓትን ብሩኽ መዓልቲ እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም!

ሎሚ ብዛዕባ እቲ ብኻልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እተኣወጀ ቐዳማይ ሰነድ፣ ሓድሽ ተኸታታሊ ትምህርተ-ክርስቶስ ንጅምር ኣለና፣ እዚ ድማ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ኣተኲሩ ዘስተምህር ሰነድ “ቅዱስ ጉባኤ” (Sacrosanctum Concilium) ክኸውን እዩ።

ነዚ ጉባእያዊ ቅዋም እዚ ኣብ ምስንዳው፣ ኣበው እዚ ጉባኤ፣ ኣብ ርእሲ ሥርዓተ ኣምልኾ ተሓድሶ ኺገብሩ ጥራይ ዘይኰኑስ፣ ነቲ ንቤተ-ክርስትያን ዘውምን ሓድነት ዝህባን ህያው ማእሰር፣ ማለት ንምስጢረ ክርስቶስ ንምስትንታንን ንምዕማቝን ክመርሕዋ እውን ጽዒሮም እዮም። ብርግጽ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ንልቢ እዚ ምሥጢር እዚ ይትንክፍ ኢዩ፣ ከምኡ ውን ብልክዕ ቤተ-ክርስትያን ንህይወታ ካብ ክርስቶስ እትቕበለሉ ሓደ ስፍራን፡ ግዜን ከምኡ ውን ሃዋህው እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ሊጡርጊያ "ግብሪ ድሕነትና ኢዩ ዝፍጸም" (ቅዱስ ጉባኤ 2 ርኤ)፣ እዚ ድማ ሕሩይ ወለዶን፡ ናይ ንጉሥ ክህናትን፡ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ፣ እቲ ኣምላኽ ንገዛእ ርእሱ ዘጥረየና ህዝቢ ይገብረና (1ጴጥ 2፡9)።

ከምቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ መበል ዕስራ ክፍለ ዘመን ዘሕለፈቶ፣ ሰለስተ ዓይነታት ተሓድሶ – ማለት ቅዱስ መጽሓፋዊ፣ ኣብ ትምህርቲ ኣበው ቤተክርስቲያን ከምኡውን ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጉያ – ተገሊጹ ዘሎ፣ እዚ እንምርምሮ ዘሎና ምሥጢር፣ ሓደ ዘይንጹር ክውንነት ዘይኰነስ፣ ነቲ ካብ ዘልኣለም ተሰዊሩ ዝነብረ፣ ኣብ ክርስቶስ እተገልጸ መደብ ድሕነት ኣምላኽ እዩ ዜመልክት (ኤፌ 3፡2-6 ርአ)። እምበኣር እቲ ክርስትያናዊ ምሥጢር እንሆ፦ ፋሲካዊ ምስጢር ማለት፣ ሕማማትን ሞትን ትንሳኤን ዕርገትን ክርስቶስ ብልክዕ ኣብ ሊጡርጊያ ብምስጢራዊ ህላዌ ዚቐርበልና ሓቂ እዩ፣ ስለዚ ኣብቲ "ብስሙ" (ማቴ 18፡20) ተጋቢእና ኣብ እንርከበሉ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፣ ኣብዚ ምሥጢር እዚ ንጥሕል።

ክርስቶስ ባዕሉ ውሳጣዊ ምንጪ ናይ ምሥጢረ ቤተ-ክርስትያንን፣ ናይቶም ኣብ መስቀል ምስ ተወግአ ዝተወልዱ፣ ቅዱስ ህዝቢ ኣምላኽ እዩ። ኣብ ቅዱስ ሊጡርጊያ፣ ብሓይሊ መንፈሱ ገና ይዓዪ ኣሎ። ንሱ ንቤተ-ክርስትያን፣ ነታ ንመርዓቱ ይቕድሳን ምስቲ ናብ ኣቦኡ ዘቕረቦ መስዋእቲ የሕብራን። ነቲ ብምልኣት ፍሉይ ዝዀነ ክህነቱ ድማ ኣብ ግብሪ የውዕሎ፣ ኣብቲ ዝስበኽ ቃልን፣ ኣብ ምሥጢራትን፣ ኣብቶም ነቲ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ዝፍጽሙ ኣገልገልትን፣ ኣብቲ ተጋቢኡ ዘሎ ማሕበርን ከምኡውን ብዝለዓለ ደረጃ ድማ ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ህያው ይኸውን (ቅዱስ ጉባኤ 7)። ስለዚ ከምቲ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝገለጾ (ስብከት 277)፣ ቤተክርስትያን መሥዋዕተ ቅዳሴ ከተዕርግ እንከላ፣ "ንሥጋ ጐይታ ትቕበል፣ ነቲ እተቐበለቶ ድማ ትኾኖ፣" [በዚ ኸምዚ ድማ] ንሳውን ሥጋ ክርስቶስ፣ "ማሕደር መንፈሳዊ ህላዌ ኣምላኽ" ትኸውን። እዚ ድማ ኢዩ እቲ ምስ ክርስቶስ ዝወሃህደናን፣ ኣብ ሓድነት ዝሃንጸናን "ግብሪ ድሕነትና" እዩ።

ኣብ ቅዱስ ሊጡርጊያ፣ እዚ ሓድነት እዚ "ብሥርዓታትን ብጸሎታትን" እዩ ዚፍጸም (ቅዱስ ጉባኤ 48)። እዚ ሥርዓታት ቤተክርስቲያን ንእምነታ ኢዩ ዝገልጽ – ብመሰረት እቲ ትውፊታዊ ዝኾነ ብሂል lex orandi, lex credendi (ሕጊ ጸሎት፣ ሕጊ እምነት ኢዩ!) ዝብል– ብተመሳሳሊ ድማ ነቲ ናይ ቤተክርስቲያን መንነት ይቐርጽ፣ እቲ ዝስበኽ ቃልን፣ ሥርዓተ ምስጢራትን፣ እቶም ኣብ ሥርዓተ ኣምልኾ ዝፍጸሙ ተግባራትን፣ ስቕታን፣ እቲ ዝፍጸመሉ ስፍራን – ኮታስ እዚ ዅሉ፣ ነቶም ብእግዚአብሔር ኣቦ ከም ኣካል ክርስቶስን ቤተ መቕደስ መንፈስ ቅዱስን መጠን እተኣከቡ ምእመናን የመልክትን፣ ቅርጺ ይህቦምን። ስለዚ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዝበልዎ፣ ነፍሲ ወከፍ ሥርዓተ ኣልኾ ናይ ቤተ-ክርስትያን እቲ ሓወይና ግልጸታ ኣብ ጸሎት ኢዩ ዝፍጸም (ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ Vicesimus quintus annus, 9) ።

ሥርዓተ ሊጡርጊያ ኣገልግሎት ምሥጢረ ክርስቶስ እንተ ደአ ዀይኑ፣ ስለምንታይ ደአ "ንጥፈታት ቤተ-ክርስትያን ዘምርሓሉ ጥርዚ ... ኵሉ ሓይላ ኻብኡ ዚውሕዝ ምንጪ" (ቅዱስ ጉባኤ 10) ከም ምዃኑ ጌይሮም ዝርድእዎ። ሓቂ እዩ ተግባር ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ጥራይ ዝተሓጸረ ኣይኮነን። ይኹን እምበር ኵሉ ንጥፈታታ (ስብከት፡ ንድኻታት እተወፍዮ ኣገልግሎት፡ ንሰብኣዊ ክውንነት ኣብ እትገብሮ ምስናይ) ናብዚ "ጥርዚ" እዚ እዩ ዝበጽሕ። ብኣንጻሩ ግን ሊጡርጊያ ንምእመናን ኣብ ፋሲካዊ ምስጢር ጐይታ ንሓዋሩን ከም ብሓድሽን ብምጥሓል ይድግፎምን፣ በዚ ኸምዚ ድማ ብስብከት ቃል ኣምላኽን፣ ምሥጢራት ብምሥራዕን፣ ማሕበራዊ ጸሎትን ብምዝውታርን ኣብ እምነትን ተልእኾኦምን ዘለዎም ቍርጺ ፍቓድ ዳግም ይብገሱን ይተባብዑን ይሕደሱን። ብኻልእ ኣዘራርባ ምእመናን ኣብ ሊጡርጊያዊ ተግባር ዘለዎም ተሳትፎ ብተመሳሳሊ መንገዲ "ውሽጣውን" ከምኡውን "ደጋውን" ተግባር እዩ።

እዚ ማለት ድማ ኣብ መዓልታዊ ሂወትና ብስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ተግባራት፣ ብጭቡጥ መገዲ ክግለጽ ዝተደልየ ኢዩ፣ ስለዚ እቲ ዝፍጸም ሥርዓተ ኣልኾ ናብ ህይወት ተተርጒሙ፣ ነቲ ኣብ ሊጡርጊያ ዝግለጽ ጭቡጥ ኩነት ክገብሮ ዝኽእል፣ እሙን ህላወ ዝሓትት ምዃኑ በዚ መገዲ እዚ ኢዩ እምበር ህይወትና "ህያው መስዋእትን  ቅዱስን ኣብ ኣምላኽ ተቐባልነት ዘለዎን" ብምዃን፣ "መንፈሳዊ ኣምልኾና" ክንፍጽም እንክእል (ሮሜ 12፡1)።

በዚ ኸምዚ "ሊጢርጊያ ነቶም ኣባኡ ዝሳተፉ፣ መዓልታዊ ከም ቅዱስ ቤተ መቕደስ ከም ዝህነጹ ዝገብሮም" (ቅዱስ ጉባኤ 2)፣ ከምኡ ውን ሓደ ክፉት ዝኾነ ማሕበር፣ ንዅሉ ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበል ማሕበር ድማ ይሃንጽ። ብርግጽ ብመንፈስ ቅዱስ ዝተመልአ ኢዩ፣ ንሱ ድማ ናብ ህይወት ክርስቶስ የእትወና፣ ብዅሉ ስፍሓቱ ሥጋ ክርስቶስ ከም እንኸውን ይገብረና፣ እዚ ድማ ምልክት ሓድነት ናይ መላእ ደቂ ሰብ ኣብ ክርስቶስ ይኸውን። ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝበልዎ፣ "ዓለም ገና ኣፈለጠቶን ዘላ፣ ግናኸ ኵሉ ሰብ ናብ ድራር መርዓ ናይቲ ገንሸል ተዓዲሙ ኣሎ፣ (ራኢ 19፡9)" (ሓዋርያዊ መልእኽቲ፣ Desiderio desideravi, 5) ።

ፍቑራት የዕሩኽተይ፣ ብውሽጥና በቲ ሥርዓታትን፡ ምልክታትን፡ ተግባራትን፡ ልዕሊ ዅሉ ድማ በቲ ኣብ ዝመጽእ ትምህርተ ክርስቶስና ክንምርምሮ መዲብና ዘሎና፣ ህያው ዝኾነ ህላዌ ክርስቶስ ኣብ ሥርዓተ ሊጡርጊያ ዝርከብ ክንቀርጽ ንፈቕደሉ።

20 May 2026, 14:02