ር. ሊ. ጳ. ንኢቁመናዊ ምንቅስቓሳት፣ ንሰላማዊ ዝኾነ ሓዱሽ ዓለም ህይወት ክንህብ ንኽእል ኢና

ኣብ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ "መንግስትኻ ትምጻእ" ብዝብል ቴማ ዝካየድ ዘሎ ዓለምለኻዊ መደብ ጸሎት ናይ ኢቁመናዊ ምንቅስቓስ፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቶም ተሳተፍቲ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ኣመሓላለፉሎም፣ ወንጌል ናይ ምክፋል ተልእኾኦም ብምትብባዕ ድማ "ስቕ ክንብል እንኽእለሉ ነገር ኣይኰነን" ክብሉ ኣመልከቱሎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ቀቅድሚ እቲ፣ "መንግስትኻ ትምጻእ" ብዝብል ኣርእስቲ ዝካየድ ዘሎ ኢቁመናዊ መደብ መደብ ጸሎት፣ ንዅሎም ተሳተፍቲ መንፈሳዊ ምቅርራባቶም ብምርግጋስ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ ለኣኹሎም።

እቲ ካብ ዕለት 14-24 ግንቦት ዝካየድ፣ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ክርስቲያን፣ ካብ ሓሙስ በዓለ ዕርገር ጀሚሮም ካሳብ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ ዘካይድዎ ናይ መደብ ጸሎት ምንቅስቓሳት፣   ብዙሓት ሰባት ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽፈልጥዎ፣ ብሓባር ክጽልዩ ዝዕድም ኢቁመናዊ መደብ ኢዩ።

"መንግስትኻ ትምጻእ" (TKC) ብ2016 ዓ.ም. ተጀሚሩ፣ ኣብ 85 እተፈላለየ ኣብያተ ክርስቲያናትን ልምድታትን ዚርከባ ዳርጋ 90 ሚእታዊት ሃገራት ዓለም ዘጠቓልል፣ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮን ክርስትያን ምእመናን ዘካትት ኰይኑ እና ዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ምንቅስቓስ ኢዩ።

ንዓ ኦ ኢማኑኤል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘመሓለፍዎ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዘመነ ምጽአት "ንዓ ኣማኑኤል" ንዝብል ትውፊታው ሓረግ ብምጥቃስ ኣስተንተኑ። በዚ ኸምዚ ክርስትያን ምእመናን፣ ነቲ ትንቢት ኢሳይያስ ዝጠቕሶ፣ ማለት ልደት ኣማኑኤል ኣባና ኣብዚ ዘመን እዚ ኪፍጸም ጻውዒት ኣቕሪቦም፣ እዚ ኸኣ ኣምላኽ ምሳና እዩ ማለት ክንዲ ዝኾነ እዩ።

ኣብ ብምሉኡ እቲ ናይ ምጽባይ ዘመን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ከም ዘመልከትዎ፣ መዝሙርናን ምህለላናን ኣምላኽ ኣብ መንጎና ክርከብ፣ ካብ ሓጢኣትን ካብ ኵሉ ክጐድኣና ዝኽእል ነገራትን ከድሕነና ብኸመይ ብህጹጽ ከም ዘድልየና ዘምልክት ኢዩ።  ኣምላኽ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዀነ ኣብ ዓለም ዘሎ እተሰብረ ኩነትና ኬሕውዮ ኸም ዝመጽእ እውን ገለጹ።

"ኣምላኽ ኵሉ ዝኽእልን መልዕልተ-ሓያልን ምዃኑን ንፈልጥ እኳ እንተ ዀንና፣ ብሓቂ ምሳና ክኸውን ክንልምኖ ትብዓት ኣሎና – ርሑቕ ዘይኰነስ ቀረባና ኢዩ"  ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም።

ይኹን እምበር ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ከም ዜድልየናን ንሱ ጥራይ 'ንትምኒትናን ውሽጣዊ ህውከትናን ከዕግቦ ከም ዝኽእልን' ንርስዖ ኢና። ኣምላኽ ብሰብኣውነት ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብስጋ ክረኽበና ወሪዱ እዩ። "ንሱ ሕጂ ውን ብቅዱስ መንፈሱ ምሳና ኣሎ በሉ።

ዘኽታማት ገይሩ ኣይኮነን ዝገደፈና

ኣብዘን 50 መዓልትታት ዘመነ ትንሳኤ፣ እታ "ሃሌ ሉያ" እትብል ቃል፣ ናይዚ ዘመን እዚ መዝሙርን፣ ንትንሳኤ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውዳሰን ምስጋናን እነቅርበሉ መገዲ ኢያ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "ገና ኣምላኽ ምሳና እዩ" ብምባል፣ ድሕሪ ትንሳኤኡ ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ እውን ከይተረፉ ብዙሕ ግዜ ከም ዘየለለይዎ እውን ኣመልከቱ።

ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ናብቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ እኳ እንተ ተመልሰ፣ "ዘኽታማት ገይጉ ኣይሐደገናን።" ብውህበት ቅዱስ መንፈስ ኣቢሉ ምስ ዅላትና ኣብ ቤተክርስትያን ይነብር ኣሎ። ቅዱስ ኣቦ ወሲኾም፣ ክርስቶስ ቀጺሉ "ንዓና ኵሉ ነገርና እዩ። ኣብኡ ኸኣ ምልኣት ህይወትን ትርጕሙን ንረክብ ኢና።" እዚ ውህበት እዚ ንገዛእ ርእስና ጥራይ ኽንሕዞ ዘይንኽእል ነገር ምዃኑ እውን ኣጕልሑ። ኣብ ክንዳኡስ "ብትብዓት ክንሰብኮ እዩ ዘሎና" በሉ።

እታ "መንግስትኻ ትምጻእ" እትብል ቃል፣ ነቲ ብስራት ንኸነካፍልን፣ "ካልኦት እውን ነታ ኣብ ኢየሱስ እተገልጸት ምድሓንን ሓራ እትገብርን ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኺረኽቡ" ንኽንጽልን ምቹእ ኣጋጣሚ ትኸፍተልና ኢያ በሉ።

ናብ መላእ ዓለም ምኻድ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ነቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ዋዜማ በዓለ ትንሳኤ ዘካፈልዎ ስብከቶም ብምዝካር ናይ ቪድዮ መልእኽቶም ዛዘሙ፦ "እቲ ክንምስክረሉ እንደሊ ምርኻብ – ብቓላት እምነትን ብግብሪ ሠናይን - ብኸናፍርና እንእውጆ "ሃሌሉያ" ብህይወትና 'ምዝማር' ኢና እንገብሮ” በሉ (ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ስብከት 256፡ 1) ።

ልክዕ ከምተን ኣብ ሰንበት ዕለተ ፋሲካ ኣብ ወንጌል ዝዝንተዋ ኣንስቲ ይብሉ  ቅዱስ ኣቦና፣ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ሰባት ወንጌል ንምብሳር "ተበጊስና" ባህጊ ኺህልወና ኸም ዘለዎ ይገልጹ። "ንሕና እውን ከም ብዙሓት ሰባት መጠን፣ ሰላምን ሓድነትን ዝመልኣ ነዛ ሓዳስ ዓለም ህይወት ክንህባ ንኽእል ኢና። ብዙሓት ክርስትያን ምእመናን እኳ እንተሃለዉ፣ ክርስቶስ ሓደ እዩ እሞ ሓደ ሕዝቢ ንኹን" (ቅዱስ ኣጐስጢኖስ Commentaries on the Psalms 127፡3) ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መልእኽቶም ቀቅድሚ ምዝዛሞም ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምክፋል፣ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ወድሰብ ብዙሕ በረኸት ክወርድ ጸልዮም።

15 May 2026, 15:35