መንበረ ጥበብ ካናዳ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተወፈየ ሓድሽ ተቕዋም ከፊቱ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ኣብ ካናዳ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ሄሮኒሞስ ኣብ ካናዳን ኣብ መላእ ዓለምን ናይ ነፍስሄር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሕድሪ ንምህናጽ ዝዓለመ ሓድሽ 'ተቕዋም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ' ከም ዝኸፈተ ዶክተር ፒተር ሚሃን ኣቦ መንበር ኣብ ካናዳ ከተማ ኦንታርዮ ናይ ዝርከብ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየዶቃለ መሕትት ኣምልኪቶም፡ እዚ ኣብ ዝኾነ ቦታ ዓለም ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝንገረሉ ተቕዋም፡ ኣብ ስልጣናዊ ትምህርቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሱር ዝሰደደ መደብ ሕንጸትን ትምህርትን ዘቕርብ ምዃኑ የጒልሑ።
ሕድሪ ህያው ምግባር
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ዓሚቝ ጉስነት ባህረት ነይርዎም” እንክብል ኣቦ መንበር መንበረ ጥበብ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ዶክተር ፒተር ሚሃን ገሊጹ፡ “ብሓቂ ንዓለም ዝተረድእዋ፣ መልእኽቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ድማ ብሓቂ ዝተረደኦም” ከም ዝነበሩን፡ ነፍስሄር ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስደት፡ ኣከባብን “ንኹሉ ኣንፈትን ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባትን” ምብጻሕን ዘተኮሩ ምንባሮም ንኢዱ፡ እዚ ድማ ነቲ ካብቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝወጸ “ምስ ዓለም ናይ ምትእስሳር መልእኽቲ” ዘንጸባርቕ እዩ። መልእኽቲ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ "ንዘመንና ዝምጥን" ምንባሩ ኣጒሊሖም - እቲ ሓድሽ ተቕዋም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድማ "ነቲ ሕድሪ ህያው ናይ ምግባር" ዕማም ክህልዎ ምዃኑ የረጋግጽ።
ንዓለም ምግልጋል
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ዝተኣወጀ ተቕዋም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት እዚ ብወግዒ ምስ ተኸፍተ፡ ዘተን ዓውደ ጉባኤታትን መንፈሳዊ ሱባኤታትን ከዳሉ እዩ። እዚ ሓድሽ ተቕዋም እዚ ኣብ ውሽጢ ካናዳ ከተማ ኦንታርዮ ዝርከብ ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ቅዱስ ሀሮኒሞስ ዝርከብ ኮይኑ፡ ኣብ ካቶሊካዊ መርሕነትን ካልኦት ዓይነት ትምህርትታትን ዘመርቕ ኮይኑ። ብተወሳኺ እቲ ተቕዋም ኣብ መወዳእታ ናይ ምሉእ ግዜ ስነ መጽናዕታዊ ምርምር ናይ ምክያድ ዕላማ ክህልዎ ምዃኑ እውን ኣብሪሁ፡ እቲ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራቸስኮ ዝጽዋዕ ተቕዋም ኪኖ ዶባት ክልቲኡ ስነ ፍልጠትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያንን ንምብጻሕ ዝዓለመ ምዃኑ ብምምልካት፡ “ካቶሊካዊ መንበረ ጥበብ ከም ካቶሊዊ ቤት ሕክምና እዩ። ካብ መንበረ ጥበብ ወጻኢ ንዓለም ከነገልግል ግዴታ ኣሎና - ቢሉ - ስለዚ፡ ዓቢ ትኹረት "ኣብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ጽቡቕ ምግባር" ክኸውን እንከሎ፡ ካቶሊካውያን ዘይኮኑ ሰባት'ውን ምስ ዝስሕብ "ብሓቂ ስራሕና ንፍጽም ከም ዘሎና ክንግንዘብ ኢና” እንክብል ይሕብር።
ቅጻሊ ሕድሪ
እቲ ተቕዋም ካብ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ተካኢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ሓድሽ ድርኺት ከም ዝረክብ ዘለዎ ጦብላሕታ ኣካፊሉ፡ ክልተ ዓበይቲ መራሓ ግብሪ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ክሳብ ሕጂ ሲኖዶውነትን ኣተገባብራ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ዝብሉ ይርከብዎም፡ ልዮን መበል 14 ተኸታታሊ ኣብ ዘቕርብዎ ናይ ዕለተ ረቡዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ዓበይቲ ሰነዳት ካላኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተወፈየ ምዃኑ ዝምስክሮ እዩ። እዞም መርሕ ቃላት እዚኣቶም፡ ማእከል ናይ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስልጣናዊ ትምህርቲ ከም ዝነበሩ ዶክተር ሚሃን ሓቢሩ - ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ብወግዒ ምስ ዝኽፈት ድማ እዚ ስልጣናዊ ትህርቶም ኣዚ ኣብ ሕመረት ናይቲ ብስሞም ዝጽዋዕ ሓድሽ ተቕዋም ክኸውን እዩ” እንክብል ዘካየዶ ቃለ መሕትት ይዛዝም።
