2026.05.28 Vescovi della Conferenza Episcopale Italiana

ር. ሊ. ጳ. ናብ ጳጳሳት፦ “ፈርያምነት ቤተክርስትያን ኣብ ብዝሒ እተመስረተ ክኸውን የብሉን!”

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መብል 14 ኣብ መደምደምታ መበል 82 ሓፈሻዊ ኣኼባኤ ኣባላት ጉባኤ ቤት ምኽሪ ጳጳሳት ኢጣልያ፣ "ኣብ መሰረታዊ ነገራት ከነተኵር" ከምኡውን ኣብ ወንጌል ቀዳምነት ዝገበረ ኣገልግሎት ክንህብ ኣሎና ክብሉ ተማሕጸንዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ትማሊ ሓሙስ ዕለት 28 ግንቦት ኣብ ሃረ ቫቲካን ኣብ ዝተኻየደ መበል 82 ሓፈሻዊ ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ኢጣልያ፣ ምስ ተሳተፍቲ ኣብ ዝራኸቡሉ እዋን፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ኣብ መላእ ኢጣልያ ንዘለዋ ዅለን ኣብያተ ክርስቲያን፣ ንኻህናትን ዲያቆናትን፣ ንዅሎም ሰብ ውፉይ ሕይወትን ስድራቤታትን... ከምኡ'ውን ነቶም ከይፈለጡ ኣብ ልቦም ጽምኢ ኣምላኽ ዝሓዙ ሰባት" ዘለዎም ፍቕርን ኣክብሮትን ገሊጾም።

እዚ ውህበት እዚ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ "ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሕልኽላኻት ዝመልኦ እዋን እውን ከይተረፈ፣ ንኽምስክር ጸጋ ዝረኸብናሉ" ምዃኑ ገለጹ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ብዛዕባ እቲ ናብ ፖምፐይን ናፖልን ከምኡውን ኣሴራ ኣብ ዝገበርዎ ሓዋርያዊ ጕዕዞታት ብዓይኖም ዝተዓዘብዎ መስከሩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ኣብ ህይወት ደቂ ሰባት ድኻምን ምክፍፋልን ጽምዋን ዜርኢ ብዙሕ ምልክታት ከም ዘሎ እውን ገሊጾም። ሓድሓደ ግዜ ኣብ ማሕበረሰብ፣ ደቂ ሰባት እምነት ናይ ምትሕልላፍን፣ ንመንእሰያት ወለዶታት ናይ ምትሕብባርን ብድሆ ይስምዖም እዩ። ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ፣ "ወንጌል የበራብረና እዩ" ብምባል ኣጕሊሖም።

እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቃለ ምዕዳኖም ብምቕጻል፣ ነቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ዝተጠቕሰ፣ "እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ፣ ዓየይቲ ግና ውሑዳት እዮም” ንዝብል ቃል ኣምላኽ ብምምልካት፣ ስለዚ ናብቲ እኽሉ ዓየይቲ ክልእኽ ናብ ጐይታ እኽሊ ልመና ኣቕረቡ።

ኣምላኽ ደኺመ ኸይብል ዘራኢ ክንድ ዝኾነ፣ መዓልቲ መዓልቲ ናብ ዓለም ይመጽእ እሞ፣ ነቲ ደረት ዘይብሉ ባህጊ ናይ ልቢ ደቂ ሰባት ክሳብ ደረት ዘይብሉ ዝኸውን 'የስፋሕፍሖ' ክሳብ ናብ “ምልኣት ዝረኸበ ህይወትን፣ ናብ ድሕነት ዘብጽሕ ነጻነትን” ክሳብ ዝበጽሕ ክብሉ እውን ኣስመሩሉ። ቅዱስነቶም ወሲኾም እዚ ብዙሕ ምሕርቲ እዚ ምስጋና ንኣምላኽ ኢዩ ክብሉ ድማ ገሊጾም። ዕዮና ድማ ነቲ ጠመተ ንጐይታ ወሲድና ናትና ምእንቲ ክንገብሮ ከም ምዃኑ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጉባኤ ቤትምኽሪ ጳጵሳት ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ጉባኤ ቤትምኽሪ ጳጵሳት ኢጣልያ   (@Vatican Media)

'ብዛዕባ እቲ ተሪር ዝኾነ መሬት ምጕርምራም ወይ ኣብ ኣሃዛዊ ጸብጻብ ጥራይ ክንሓስብ ዘይኮነስ፣' ኣብ ክንዳኡስ ነቲ ኣምላኽ ዘዳልወልና ዘሎ ምህርቲ፣ "ብዓይኒ እቲ ዝተንስአ ክርስቶስ ብኸመይ ከም እንርእዮ" ከም ዘሎና ከነስተውዕል ተጸዊዕና ኣሎና።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ ንጳጳሳት ኢጣልያ ብቐጥታ እንክዛረብዎም፣ መንፈስ ቅዱስ "ንቅንኣት ክርስቶስ" ዝነደደ ልቢ ክህቦምን ብዙሓት ዓየይቲ ድማ ኣጐድንና ኮይኖም "ምሳና ክሰርሑ" ክብሉ ጸልዮም።

እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገር ወንጌል እዩ

ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው፣ "እቲ ቐዳምነት ዝወሃቦ ነገር ወንጌል እዩ፣" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተላበዉ። እዚ ኣብ መላእ ታሪኽ ቤተ-ክርስትያን፣ ካብ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲሲ ክሳዕ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ፣ ከምኡ ውን ክሳዕ እቶም ዝሓለፉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዝጸንሐ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ዘሎ ፈትሊ እዩ በሉ። እምነት ካብ ወንጌል እያ ተወሊዳ፣ "ምስ ክርስቶስ ከም ህያው ምርኻብን፣ ካብ ሙታን ተንሲኡን ኣብ ቤተ-ክርስትያኑ ዘሎን" ምእማን ኢዩ ክብሉ ድማ ኣመልከቱሎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኣብዚ ግዜና ንወንጌል ናብ ማእከል ኣገልግሎትና ምምላስ ክበሃል እንከሎ፣ "ከም ጳጳሳት መጠን ንህይወትና ውዕዉዕ ስምዒት ዚህብ ውህበትን፣ ንቕድሚት ዚመርሓና ህጹጽነትን እዩ" ዘመልከት በሉ።

በዚ ምኽንያት እዚ፣ እዞም ጳጳሳት ንገዛእ ርእሶም ነዘን ክልተ ሕቶታት ኪሓቱ ከም ዘለዎም ተማሕጸንዎም፦

1. ኣብ ስብከትናን፡ ትምህርትታትና፡ ሥርዓተ ኣምልኾናን፡ ናይ ፍቕሪ ኣገልግሎትናን ከምኡ ውን ኣብ ሕይወት ማሕበረሰብና ከመይ ዝበለ ገጽ ኣምላኽ እዩ ክንጸባረቕ እንፈቕደሉ ዘሎና?

2. ምስ ክርስቶስ ንምርኻብ ብኸመይ ኢና ከነተባብዕ እንኽእል? ሎሚ ንዓናን ንቤተክርስትያንናን ንኻልኦት ናብ ክርስትያናዊ ህይወት ምእታው ማለት እንታይ ማለት እዩ?

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቀጺሎም ነዚ ሕቶታት እዚ ወትሩ ጳጳሳት ብባዕሎም ከስትውዕሉሉ ኣለዎም፣ "እቲ መልሲ ድማ ኣቕሊልካ ክርአ የብሊን" ብምባል ተማሕጸንዎም።

እምነት ምትሕልላፍ

ኣብዚ ቦታ እዚ እዩ እምባር፣ ንባህሊ ክርስትና ሓድሽ ቈላሕታ ምግባር ኣገዳሲ ዝኾነ፣ ንምስጢራት ምስንዳው ጥራይ እውን ኣይኰነን። ቅዱሳት ምስጢራት ሓደ ማሕበረሰብ "እምነት ዝወልድን፣ ንሰባት ናብ ፋሲካዊ ህይወት ብምእታው፣ ምስ ጐይታ ሕብረት ከምኡ ውን ናብ ቤተ ክርስትያን ሕውነት ዝወልድ ማሕጸን" እዩ ክብሉ ኣመልከቱሎም።

እዚ ድማ ኣብቲ ህያዋን ሓንጐፋይ ኢሉ ዝቕበልን ናይ እምነት ማሕበረሰብ እዩ፣ ኪመሓላለፍን ኪዓብን ዚኽእል። ኣብቶም ዝሰምዑን ዝጽልዩን ከምኡ እውን እቶም ንቅዱስ ቍርባን ከም "ምንጪን ጥርዝን" ከሮም ዝቕበልዎ፣ ንድኻታት ከም ኣሕዋትን ኣሓትን ዝርእይዎም፣ ስድራቤታት ከኣ ንድሕሪት ዘይተርፉሉ ማሕበረሰብ ኢዩ ዝውለድ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጉባኤ ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጵሳት ኢጣልያ
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ጉባኤ ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጵሳት ኢጣልያ   (@Vatican Media)

በዚ ምኽንያት እዚ፣ ጳጳሳት ንቓል ኣምላኽን ንህዝቢ ኣምላኽን ንምልክታት ናይ ግዜን ብዓሚቝ ኣስተውዕሎት ክተስምኡ ተጸዊዖም ዘለዉ። ሓቀይና ምስማዕ ምስ ዚህሉ፣ ማሕበረሰብ ናብ ውሽጡ ኣይ ዕጾን እዩ ። ኣብ ክንዳኡስ ናብ ናይ ተልእኾን ሜመያን ስፍራ ኢዪ ዚዓቢ፣ ስለዚ ብኸመይ ከም ዝሕደስ ይፈልጥ እዩ ክብሉ ድማ መስከሩሎም።

ጉዕዞ ሲኖዶስ ማለት እዚ እዩ፣ ድሕሪ ቢሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ሲኖዶሳዊት ቤተ-ክርስትያን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ከከም ጸዋዕታኡ፣ ነቲ ካብ መንፈስ ቅዱስ እተቐበሎ ውህበት፣ ንሓባራዊ ህንጸት ዝኽእል" በሉ።

እዚ ማለት፣ ተሳትፎ ኣማራጺ ኣይኰነን ማለት እዩ። ኣብ ክንዳኡስ "ናይ ሕብረትን ተልእኾን ብቕዓት ስለ ዝዀነ፣ ሜላን ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኪኸውን ኣለዎ" ክብሉ ድማ ተማሕጸንዎም።

ኣብ ብዝሒ ቍጽርታት እተመርኰሰ ኣይኰነን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብኣጽንዖት ከም ዝገለጽዎ፣ ኣምላኽ ንፍርያምነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ብብዝሒ ቝጽርታት፡ ብትርኢት ወይ ብጽልዋታት ክንልክዖ ከም ዘይሓተና ኣጕሊሖም።

ኣብ ክንዳኡስ ነቶም ጳጳሳት ከም እተላበውዎም፣ "ኣብቲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ንኼተኵሩ ትብዓት ኪህልዎም" ተማሕጸንዎም። እቲ ኣትኵሮ ኣብ ክርስትያናዊ ህይወት ቀጻሊ መባእታዊ ምስትምሃርን፡ ስድራ ቤታት ዚእከቡሉ ሰላምን፡ ተልእኾ ወንጌላዊ ኣብያተ-ክርስትያን ከምኡውን ንመንእሰያት ሕቶታቶም ደረት ከይገበሩ ኣብ ምስማዕ ዘተኮረ ክኸውን ኣለዎ በሉ።

ኣብ መደምደምታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፣ ነቲ ናይ ኢጣልያ ጳጳሳት ዝገብርዎ ዘለዉ ጕዕዞ ናብታ ኣደ ቤተ-ክርስትያን ዝኾነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ኣወፈይዎ። "'ኣብኡ ሱር ሰዲድኩም ክትህነጹን፡ ብእምነት ጸኒዕኩም ደው ክትብሉን' (ቆላ 2፡7) ነቲ ኣድላዪ ዝኾነ ነገር ክትሕልዉን፣ ንእምነት ክትዕቅብን፡ ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ክትመላለሱ፡ ከምኡውን ድምጺ እቲ ገና ዚጽውዕን ከጸናንዕን ዝኽእል ጐይታ ከተለልዮ ትሓግዝኩም" ክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

29 May 2026, 13:46