2026.05.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሒ መንግስቲ ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ተቐቢሎም 2026.05.22 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሒ መንግስቲ ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ተቐቢሎም  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሒ መንግስቲ ኣየርላንድ ሚካኤል ማርቲን ተቐቢሎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ግንቦት ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ኣየርላንድ መራሔ መንግስቲ ሚካኤል ማርቲን ኣብ ሓዋርያዊ መንበሮም ተቐቦሎም ከም ዘዘራረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ብመሰረት ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ዕለት 22 ግንቦት ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ንወግዓዊ ምብጻሕ ሃገረ ቫቲካን ንዝኣተወ ናይ ኣየርላንድ መራሔ መግንስቲ ሚካኤል ማርቲን ተቐቢሎም ከም ዘዝራረቡን መራሔ መንግስቲ ኣየርላንድ ማርቲን ካብ ቅዱስነቶም ተሰናቢቱ ብናይ ቅድስቲ መንበር ርክባት ምስ ሃገራትን ኣህጉራውያን ውድባትን ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳስት ፖል ሪቻርድ ጋላገር ምስ ዝተሰነዩ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም እተራኸቡን ኣብቲ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ኣብ ዘተኻየደ ዳሕረዋይ ክሌኣዊ ርክብ፡ በቲ ኣብ መንጎ ቅድስቲ መንበርን ኣይርላንድን ዘሎ ኣዕጋቢ ሰናይ ርክብ ከም እተሰመረሉን ኣስዒቦም ኣቓልቦ ናብ ማሕበራውን ቍጠባውን ኵነታት ኣየርላንድን ኣብ መንጎ ቤተ-ክርስትያንን መንግስቲ ኣየርላንድን ዘሎ ርክብ ብፍላይ ከኣ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ኣተኲሮም ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተወወጡን እቲ ዘተ ብዛዕባ ሓያሎ ዞባውን ኣህጉራውን ስርዓታትን እንኮላይ ብዛዕባ ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ተስፋ ሰላም ኣብዘን ዞባታት እዚኣተን ከምኡውን ብዛዕባ ብዝሓ ጎናውነት ኣማእኪሎም ብዘካየድዎ ምይይጥ ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

23 May 2026, 16:29