2019.05.14 Robotica  e Intelligenza artificiale - Conferenza organizzata dall' Accademia Pontificia delle Scienze 2019.05.14 Robotica e Intelligenza artificiale - Conferenza organizzata dall' Accademia Pontificia delle Scienze  

ር. ሊ. ጳ.፣ ምስረታ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ዝዓዮ ኮሚሽን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኣብ ዝተኸተመ ጽሑፍ መሰረት ብምግባር፣ ኣብ መንብጐ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ኮይኑ ዝዓዪ ኮሚሽን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት (Artificial Intelligence) ንምቛም ይኹንታ ሂቦም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዕለት 12 ግንቦት ኣብ ዝወጸ፣ ስዒቡ ድማ ብዕለት 16 ግንቦት እተሓትመ፣ ብፁዕካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝተፈረመ፣ ኣብ መንጐ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዓዪ ኮሚሽን ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምቛም ኣጽዲቖም።

"ኣብዚ ቐረባ ዓሰርተታት ዓመታት እተራእየ ምዕባለ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ከምኡውን ኣብዚ ቐረባ ግዜ ኣብ ሰፊሕ ኣጠቓቕማኡ እተራእየ ፍጥነት፣ ኣብ ደቂ ሰብን ኣብ ሰብኣውነትን ብሓፈሻ ኼሕድሮ ዚኽእል ጽልዋ፣ ቤተ-ክርስትያን ንክብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ኣካል ብፍላይ ከኣ ምስ ምሉእ ዕቤቶም ብእተተሓሓዘ ዘለዋ ሓልዮት ብምግንዛብ፤ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጐ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዝዓዪ ኮሚሽን ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምቛም ኣጽዲቖም" ይብል እቲ ጽሑፍ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብዕልት 3 ግንቦት ምስ ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ድሕሪ ምርኻቦም፣ ነዚ ኣካል ቅድስቲ ምነብር ኣጽዲቖም ኣለዉ። እቲ ኣብ ቀዳማይ ዓመት ዝካየድ ዘሎ ኣኼባ ንዕዮ እዚ ኮሚሽን ከተሓባብር ድና እዩ።

ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ብሓባር ይሰርሑ

እቲ ጽሑፍ ከም ዘመልከቶ፣ እቲ ኮሚሽን እዚ ብ7 ኣካላት ቅድስቲ መንበርን ብተወከልትን ዝቘመ ምዃኑ ይገልጽ፣ እዚኣተን ድማ፦ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ብዛዕእባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ብዛዕባ ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ህይወትን፣ ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ፍልጠን ከምኡ ውን ጳጳሳዊ ተቕዋም ሥነ ማሕበረ ሰብኣዊ ትምህርትን የጠቓልል።

ሓንቲ ኻብዘን ተቕዋማት ድማ ነቲ ኮሚሽን ንሓደ ዓመት ናይ ምትሕብባር ሓላፍነት ዘለዋ ክትከውን ኢያ፣ እዚ ድማ በብግዚኡ ክሕደስ ዝከኣል እዩ፣ ብድሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ዕዮ ዚመርሖ ኣካል ቀጺሎም ይውስኑ።

እቲ ጽሑፍ ከም ዝገለጾ፣ "ኣብ መንጎ ኣባላት ጕጅለ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝተሓሓዘ ንጥፈታትን ውጥናትን እንተላይ ብዛዕባ ኣጠቓቕማኡ ዝምልከት ፖሊሲታትን ኣብ ቅድስቲ መንበር ምትሕብባርን ምልውዋጥን ከምኡ ውን ናይ ተሳትፎ ሓላፍነት እቲ ኣተሓባባሪ ኣአካል ክኸውን እዩ" ይብል።

ብፁዕ ካርዲናል ቸርኒ ነቲ ኣካል ብመሰረት ዓንቀጽ 28 ናይ ሓዋርያዊ ቅዋም “ስብኩ ወንጌለ” (Praedicate Evangelium) ከም ዝቖመን፣ ኣብ ትሕቲ እዚ ኮሚሽን ድማ ሓለፍቲ ላዕለዎ ኣባይቲ ጽሕፈት ንሓላፍነት ብዙሓት ተቕዋማት ቅድስቲ መንበር ዝትንክፍን "ሓባራውን ተኸታተሊ ምምኽኻርን" ዜድልዮን ጕዳያት ንምፍታሕ ፍሉይ ኮሚሽን ክፈጥር ይኽእል እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝፈትዎ ፍረ ነገር

ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነዚ ጕዳይ እዚ ንምፍታሕ ዝተኣከቡሉ፤ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይኰነን። ኣብ ወርሒ ጥሪ 2025 እቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጽ እምነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ብዛዕባ ጉዳያት ባህልን ትምህርትን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈትን፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ  መንጎ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተዕሎትን ሰብኣዊ ምስትውዓልን  ዝገልጽ “ጥንታዊ ወሓዲስ” (Antiqua et Nova) ኖቫ ዘርእስቱ  መዘኻኸሪ ኣሕቲሞም ከም ዝነበሩ እውን ዝዝከር ኢዩ።

ብተወሳኺውን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ካልእ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለታትን ንሕብረተሰብና ከስዕበሉ ዚኽእል ብድሆታትን ብተደጋጋሚ ስለ እተዛረቢ፣ እዚ ፍረ ነገር እዚ ኣብ ብምሉኡ ዘመነ ጵጵስና ቅዱስ ኣቦና ልዮን መበል 14 ሸፈነ ረኺቡ ዘሎ ኣርእስቲ እዩ።

ኣብ ዕለት 10 ግንቦት 2025 ደድሕሪ ናብ መንበረ ጴጥሮስ ምድያቦም፣ ሒደት መዓልትታት ጸኒሖም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ብፁዓን ካርዲናላት ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ፣ ብዛዕባ እቲ ንጵጵስናኦም ዝመረጽዎ ስሞም እንክገልጹ፣ ንኣብነት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ተኸቲሎም ከም ከም ዝመረጽዎ ኣመልከቱ።

ኣስዕብ ኣቢሎም እውን "ኣብዚ ግዜና ቤተ-ክርስትያን ንኻልእ ዓይነት ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ከምኡውን ነቲ ንሰብኣዊ ክብርን ፍትሕን ሸቕልን ንምክልኻል፣ ሓድሽ ብድሆታት ዘስዕብ ምዕባለታት ምላሽ ብምሃብ ንዅሉ ሰብ መዝገብ ማሕበራዊ ትምህርታ ተቕርብ ኣላ" በሉ።

18 May 2026, 13:11