2026.05.14 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ስነ-ጽሑፍ 'ቤት ትምህርቲ ሕውነትን ሰላምን' ክኸውን ኣለዎ 2026.05.14 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ስነ-ጽሑፍ 'ቤት ትምህርቲ ሕውነትን ሰላምን' ክኸውን ኣለዎ 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን፡ ስነ-ጽሑፍ 'ቤት ትምህርቲ ሕውነትን ሰላምን' ክኸውን ኣለዎ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብዚ ሰሙን ኣብ ቶሪኖ ሰሜናዊት ከተማ ኢጣልያ ዝካየድ ኣህጉራዊ ምርኢት መጻሕፍቲ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፡ ስነ-ጽሑፍ ሰብኣዊ ክብርን ሰላምን ሕውነትን ከስፍሕ ከም ዘለዎ ደጊሞም ብምሕባር፡ ቈልዑ ብፍላይ ኣብ መንጎ 'ራዕዲ ውግእን' ከምኡውን 'ቍሪ ዘይምግዳስ' ንዓለም ተስፋ ዘቕርቡ ምዃኖም ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ንኽብሪ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብፍላይ ከኣ ነቶም ኣዝዮም ተኣፈፍቲ ኣፍልጦ ንምሃብ ዝሕግዝ ከምኡውን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ናብ ቤት ትምህርቲ ሕውነትን ሰላምን ዝቕየር ጽሑፋት የድሊ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 14 ክሳዕ ዕለት 18 ግንቦት ኣብ ቶሪኖ ሰሜናዊት ከተማ ኢጣልያ ናብ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ምርኢት መጽሓፍ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ብይብጻሕ ናብ ናይታ ከተማ ሊቀ ጳጳሳት ካርዲናል ሮበርቶ ረፖለ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ተለግራም መልእኽቲ ክኸውን እንከሎ፡ ዕለት 14 ግንቦት ኣብ መኽፈቲ ስነ - ስርዓት እቲ ምርኢት ብናይቲ ምርኢት ዋና ሓላፊ ከም እተነበን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእክቲ እዚ ሕታም እዚ ካብቲ ደራሲት ኤልሳ ሞራንተ ዝተጻሕፈ 'ብህጻናት ዝደሓነት ዓለም' ዝብል ድርሰታ ዝተወስደ ቃል መርሕም ብምግባሩ ኣዘክኺሮም እዚ ኣርእስቲ እዚ "ኣገዳስን እዋናውን" እዩ እንክብሉ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን "ኣብቲ ብዜስካሕክሕ ውግእን ብቝሪ ዘይምግዳስን እተሓነቐ ዚመስል እዋን ቈልዑ ንዓለም ብሓድሽ ኣዒንቲ ናይ ምርኣይ ብዘለዎም ተፈጥሮኦዊ ክእለቶም ኣብ ሕብረተሰብ ብርሃን ተስፋ የብርሁ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ "እዚ ፍጻመ እዚ ብዛዕባ ኣገዳስነት ናይ ዘተን ስምምዕን ባህሊ ንምድንፋዕ ሓድሽ ግንዛቤ ከለዓዕል" ተስፋ ከም ዘለዎም ብምምልካት መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብዚ ምርኢት ቤት ማሕተም ሃገረ ቫቲካን ንዝኽሪ መበል 100 ዓመት ቅዋሜኡ ብዘቃልሕ ውዳበ ይዛተፍ ከም ዘሎ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ኣጋጣሚ ቅዱስ ኣቦና "ንባብ ንኣእምሮ ይምግቦ ንኣእምሮ ቅኑዕን ሃናጽን ግቡእን ስነ ነቐፌታ ንኸማዕብል ይሕግዝ ከምኡውን ካብ ጸንፈይናነትን ርእየተ ዓለምን ዘቕርቦ ኣቋራጺ መገድታት ይከላኸል - ቢሎም - ብተወሳኺውን "ኵሉ ሰብ መጻሕፍቲ ከንብብን ነዚ ልምዲ እዚ ከማዕብልን ተላብዮም፣ መጽሓፍ ምንባብ ነቲ ደረቕ ኣተሓሳስባን ንክውንነት ዝቕንስን ዕጹው ኣተሓሳስባ ፍቱን መድሃኒት እዩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

15 May 2026, 14:43