ር. ሊ. ጳ.፦ ዕርገት ጐይታና ናብ እግዚኣብሔር ኣቦና ይስሕበና፣ ሕብረትን ሰላምን ውን ይሃንጽ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንኣስታት 20,000 ዝኾኑ ነጋድያንን መንፈሳውይን በጻሕትን ኣብ ዘካፈልዎም ሓሳባት፣ ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት፣ ኣብ መላእ ዓለም በዓል ዕርገት ጐይታ ይኽበር ከም ዘሎ ዘኪሮም።
ቅዱስነቶም ብዛዕባ እዚ ክብረ በዓል እዚ እንከስተንትኑ፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ ናብ ሰማይ ምዕራጉ፣ እዚ ምሥጢር እዚ፣ ኣብ ርሑቕ ዘመን ኸም እተፈጸመ ጌርና ኸም እንሓስቦ ስለ ዝገብረና፣ ኰይኑ ግና ጐይታ፣ "ምስኡ ናብ ምሉእ ሕብረት ምስ ኣቦ ከም ዝስሕበናን፣ ከም ኣካላት እቲ ሓደ ኣካል ክርስቶስ ኮይና፣ ምስ ኢየሱስ ሓድነት ስለ ዘሎና፣ እቲ ሓቂ ኣዝዩ ህሉው ዝኾነ ኩነት እዩ” ክብሉ አስተምሃሩ።
ክቡራትን ክቡራንን ሰማዕታና ካብዚ ብምቕጻል ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ ነቕርበልኩም ሠናይ ምክትታል።
ዝኸበርኩም አኅዋትን ኣሓትን ብሩኽ ሰንበት!
ሎሚ ኣብ ብዙሓት ሃገራት በዓል ዕርገት ጐይታና ይኽበር ኣሎ።
እቲ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስሊ [ናይዚ ዕለት] –– ከምቲ ቅዱስ መጽሓፍ ዘቕርበልና፣ ካብ ምድሪ ልዕል ኢሉ፣ ናብ ሰማይ ዓረገ (ግ.ሓዋ 1፡1-11) –– ነዚ ምሥጢር እዚ ኣብ ጥንቲ ዘመን ከም እተፈጸመ ጌርና ክንሓስብ ክገብረ ይኽእል እዩ። ንሕና ግና ከም ኣካላት ሓደ ሰብ ኴንና፣ ምስ ኢየሱስ ሓድነት ስለ ዘሎና፣ እዚ ከምኡ ኣይኰነን። እምበኣር ናብ ሰማይ ብምዕራጉ ምስኡ ናብ ምሉእ ሕብረት ምስ ኣቦ ይስሕበና። በዚ ኸምዚ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ "ብልጽግና ናይ ርእሲ ተስፋ ናይቶም ኣባላት እዩ" በለ። (ስብከት 265, 1.2)
ብርግጽ መላእ ህይወት ክርስቶስ ተግባረ ዕርገት እዩ ዝነብረ። ብሰብኣውነቱ ኣቢሉ ንመላእ ዓለም ሓቚፉ፣ ንደቂ ሰብ ካብቲ ሓጥእ ኵነቶም ልዕል የብልዎምን ይብጀዎምን። በዚ ኸምዚ [ኩሎም ደቂ ሰባት] ሰብኡትን ኣንስትን፣ ነቲ ወዲ ኣምላኽ፣ ብብሞቱ "ንሞትና ኣጥፍኣሉ፣ ብምትሣኤኡ ከኣ ህይወት ዝሃበና" ነቲ እተፈጸመ ዓወት ፋሲካ ምእንቲ ክካፈሉ፣ ኣብቲ ኣቐዲሙ ጸልማትን፣ ፍትሒ ኣልቦነትን፣ ተስፋቑርጸትን ዝነብረሉ፣ ብርሃንን ምሕረትን ተስፋን ኣምጽአ፣ ብርሃንን ይቕረታን ተስፋን የምጽአ። (ጸሎተ ኣኮቴት በዓል ትንሳኤ)
ስለዚ ዕርገት ብዛዕባ ርሑቕ ተስፋ ኣይኰነን ዝዛረበና፣ የግዳስ ብዛዕባ እቲ ናብ ሰማያዊ ክብሪ ዝስሕበና ህያው ማእሰር ኢዩ ዝነግረና፣ ድሮ ኣብዛ ህይወት እዚኣ ዘሎና ንኣተሓሳስባና ልዕል የብሎ፣ ከምኡውን ንግንዛቤናን ስምዒትናን ተግባራትናን ናብ ስፍሓት ልቢ ኣምላኽ ብዝያዳ ዝመርሖ [ሓቂ ኢዩ]።
ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብዚ ጐደና ዕርገት፣ ነቲ መንገዲ ንፈልጦ ኢና (ዮሐ. 14፡1-6)። እወ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ – ኣብ ውህበት ህይወቱን ኣብነቱን ትምህርትታቱን ኢና እንረኽቦ። ኣብ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱሳንን እውን ንርእዮ ኢና፣ እቶም ቤተ-ክርስትያን ከም ኣድማሳዊ ምሳሌ ገይራ እተቕርቦም፣ ቅድስት ድንግል ማርያምን ኵሎም ቅዱሳን ኣብ ኣቶም እውን ንሪኦ ኢና። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቶም "ኣብ ጐረቤት" ዘለዉ ቅዱሳን እውን ክነግሩና ይፈትዉ ነበሩ፣ (ሓዋርያዊ ማዕዳን፣ “ተፈስሑ ወተሃሰዩ” Guadete et Exsultate 7) ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ምስኦም እንነብር ኣቦታት ኣዴታት እኖሓጎታትን ኣቦኖሓጎታትን፣ ኣብ ኵሉ ክሊ ዕድመን ኵነታትን ዝርከቡ ሰባት፣ ብሓጐስን ብተወፋይነትን ከም ወንጌል ብቕንዕና ንኽነብሩ ዝጽዕሩ ሰባት ኣለዉ።
ምሳታቶም ሓቢርና ብደገፎምን ሳላኦምን ጸሎቶምን፣ መዓልታዊ ናብ ሰማይ ክንድይብ ንኽእል ኢና። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝበሎ ኣብቲ ሓቅን ፍትሓውን ፍቑርን ዝዀነ ነገር ከነተኵር ኣሎና (ዘከ. ፊል 4 8)፣ ብሓገዝ ኣምላኽ ከኣ "ዝሰማዕናዮን ዝረኣናዮን" ዂሉ ኣብ ግብሪ ነውዕሎ (ፍቕዲ 9)። በዚ ኸምዚ እቲ ብጥምቀት ዝተቐበልናዮን ወትሩ ናብ ላዕለዋይ ደረጃ፣ ናብ ኣቦ ዝስሕበናን መለኮታዊ ህይወት፣ ኣብ ውሽጥናን ኣብ ከባቢናን ክዓቢ ከምኡውን ክቡር ፍረ ሕብረትን ሰላምን ኣብ ዓለም ከስፍሕ ይኽእል እዩ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ህሞት እተብርሃልና እትመርሓናን ንግሥተ ሰማይ ቅድስቲ ድግል ማርያም ኣብ ጕዕዞና ትደግፈና።
