ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ወርሒ መስከረም ናይዚ ዓመት ናብ ፈረንሳ ክበጽሑ እዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ካብ ዕለት 25 ክሳብ ዕለት 28 መስከረም 2026 ዓ.ም ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ሓዋርያዊ ዑደት ከካይዱ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዋና ሓላፊ ማተዮ ብሩኒ ዕለት 16 ግንቦት ንጋዜጠይናታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓቢሩ፡ እዚ ዑደት እዚ ድሕሪ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ 2008 ናብ ፓሪስን ሉርድን ዘካየድዎ ወግዓዊ ጳጳሳዊ ዑደት ንፈለማ እዋን ማለት ድሕሪ 13 ዓመት ንፈለማ ግዜ ዝካየድ ወግዓዊ ዑደት ከም ዝኸውን ብሩኒ ወሲኹ ብምሕባር፡ እዚ ጉዕዞ መራሒ ሃገር፡ ሰበስልጣን ቤተ ክርስቲያን እታ ሃገርን ላዕለዋይ ኣመሓዳር ናይ ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህል ጉዳይ ዝሓልይ ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ትካልን ንዝገበሩሎም ዕድመ ምላሽ ዝህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ፡ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብዚ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ዘካይድዎ ሓዋርያዊ ዑደት ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ትምህርትን ስነ ፍልጠትን ባህልን ዝሓልይ ትካል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ክበጽሑ ምዃኖም ኣፍሊጡ።
ዝምድና ቫቲካንን ፈረንሳን
ር.ሊ.ጳ. ልዮን ርእሰ ብሔር ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኮይኖም ድሕሪ ምሕራዮም ንፈለማ እዋን ዕለት 10 ሚያዝያ ተራኺቦም ከም ዝነበሩ ዘዘኻኸረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ዋና ሓላፊ ብሩኒ፡ ርእሰ ብሔር ማክሮን ኣብ 2017 ካብ ዝምረጽ ንደሓር ኣብ ቫቲካን ኣብ 2018፣ 2021ን 2022ን ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ ከም ዝነበረ የዘኻኽር።
