2026.05.21 Partecipanti all'Incontro con i Moderatori delle Associazione di Fedeli, dei Movimenti Ecclesiali e delle Nuove Comunita' 2026.05.21 Partecipanti all'Incontro con i Moderatori delle Associazione di Fedeli, dei Movimenti Ecclesiali e delle Nuove Comunita'  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ ምእመናን መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን ግልጽነትን ሕብረትን ኬማዕብሉ ኣለዎም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመራሕቲ ምንቅስቓሳት ቤተ-ክርስትያንን ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናንን፣ ነቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነቶም ዘለዉ ሓልዮቶም ከርእይዎምን ክፉታት ክኾኑን፣ ኣብ ሕብረት እተመስረተ ጕዕዞ ብምስትውዓልን ብግሉጽነትን ክመርሑ ኣተባብዕዎም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሓሙስ ዕለት 21 ግንቦት ምስ ተሳተፍቲ ጉባኤ ላዕለዎት መራሕቲ ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናንን ምንቅስቓሳት ቤተ-ክርስትያንን ካልኦት ሓደስቲ ማሕበረሰባትን ተራኺቦም።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘካፈልዎም ቃለ ምዕዳን፣ ብዛዕባ ምምሕዳር ቤተ-ክርስትያን ብምስትንታን፣ መሪሕነት ዝዀነ ይኹን ማሕብር፣ ንዓወትን ንነዊሕ ዕድመ እቲ ጕጅለን ወሳኒ ከም ምዃኑ ኣስተንቲኖም።

ምምሕዳር "ኣብ ማሕበረሰብ ነቶም ናቱ ዝዀኑ ኣባላት ዕቤት ዝረክበሉ ስፍራ ምእንቲ ክኸውን፣ ርጉጽ ዝኾነ መምርሒ ምሃብ ዜጠቓልል" ምዃኑ እውን ገለጹ።

ኣብ መሪሕነት ቤተ-ክርስትያን፣ ኣብ ግብራዊ ጕዳያት ምትሕብባር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ልዕሊ ዅሉ ድማ ከም መግለጺ መደብ ድሕነት ኣምላኽ፣ ኣብ ክርስቶስ ምንባር ማለት እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ኣብ ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናን ምምሕዳር ምእመናን በቶም ብናጽነቶም ዝመርጹ ማሕበረሰብ ብሕድሪ ከም ዝወሃብዎም ገለጹ።

ወሲኾም ድማ ቅዱስነቶም፣ መራሕቲ ነዚ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እዚ ብምቕባሎም ዝረኽብዎ ሰለስተ ሳዕቤናት ጠቒሶም ኣሎ።

መሪሕነት ንውልቃዊ ረብሓታት ዘይኰነስ ንመላእ ማሕበረሰብ ክጠቅም ኣለዎ ከም ምዃኑን፣ ኣብ ክንዳኡስ ኣፍልጦ ክወሃቦን ብናጻ ተቐባልነት ክፍጸምን ከም ዘለዎ ኣመልኪቶም።

ኣብ መወዳእታ መሪሕነት ኣብ ቤተ-ክርስትያን ምስ ጳጳሳት ብምትሕብባርን ብሜመያ ጳጳሳትን ክምእዘዝ ዘለዎ ባህሪ እዩ ክብሉ ተላበውዎም።

"ኣብ ምምሕዳር ኵሉ ሳዕ ገለ ባህርያት ክህሉ ኣለዎ፣ ሓባራዊ ምስማዕ፡ ሓባራዊ ሓላፍነት፡ ግልጽነት፡ ሕውነታዊ ምቅርራብ፡ ከምኡውን ማሕበራዊ ሜመያ ክህሉ ኣለዎ" በሉ። ብተወሳኺውን ጽቡቕ ምምሕዳር፣ ንዅሉ ነገር ኣብ ገዛእ ርእሱ ኣብ ክንዲ ዘተኵር፣ ንዅሎም ኣባላት ማሕበረሰብ ሓላፍነት ዝስምዖ ተሳትፎ ከም ዜተባብዕን ክዝክር እደሊ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሕቲ ምንቅስቓሳት ቤተክርስቲያንን ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናንን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሕቲ ምንቅስቓሳት ቤተክርስቲያንን ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናንን   (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ብዛዕባ ትንቢታዊ ግደ ምእመናን መራሕቲ ኣብ ቤተ-ክርስትያን ኣስተንቲኖም፣ በዚ ከምዚ ድማ ንሓደስቲ ብድሆታት ምላሽ ንምሃብ ህሉው ናይ ጕስነት ድሌታት ምስማዕ ከም ዘድሊ ኣመልከቱ።

"ኣባላት ኣብ ውሽጣዊ ንጥፈታት ናይቲ ጕጅለ ብምስታፍ ምስ ዘይደኽሙ፣ ሓቀይናን ፍረ ዘለዎን ኢዩ ዝኸውን፣ የግዳስ ንምልክታት ግዜን ናብ ወጻኢ ብምዝርጋሕን፣ ንዅሉ ሰብ ነቲ ኣብቲ ግዜ ዘሎ ባህልን ገና ዘይተዳለወ ዓውዲ ተልእኾን ምስ ዘቕርቡ ሓቅን ፍረ ዘለዎን ይኸውን።"

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናንን ምንቅስቓሳት ቤተ-ክርስትያንን፣ ኣብ መንጎኦምን ምስ ኣድማሳዊት ቤተ-ክርስትያን ሕብረት ኪህልዎም ተጸዊዖም እዮም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ቀጺሎም፣ ገለ ጕጅለታት ናይ ገዛእ ርእሶም እንኮ ሓቀይና ውህበቶም ከም ዝዀነ ገይሮም ከም ዝርእይዎ ገለጹ። ይኹን እምበር ምንቅስቓሳት ቤተ-ክርስትያን ዋላ እውን ምስኡ ዘይሰማምዑ እኳ እንተ ዀኑ፣ ምስ መላእ ቤተ-ክርስትያንን ምስቲ ኣብቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ጳጳስን ሕብረት ክገብሩ ከም ዘለዎም ኣጠንቀቑ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣሲዒቦም ናብቲ ዘዳለውዎ ጽሑፎም ምልስ ብምባል፣ መራሕቲ ቤተ-ክርስትያን "ዝለዓለ ሓባራዊ ረብሓ" ንምዕቃብ እናጽዕሩ፣ እተፈላለየ ርእይቶታትን ባህላዊ ሓሳባትን ብሕታዊ ባህርያትን ክሰምዑ ከም ዘለዎም ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ምእመናን መራሕቲ ነቲ መስራቲ ምንቅስቓሳቶም ኪገልጹ ኸለዉ ብትሕትናን ከምኡ ውን ምፍልላይን ስስዐን ብዘይብላ ፍቕሪ ኪምስክሩ ዓደምዎም።

"ነፍሲ ወከፍ ሓቀኛ ውህበር ድሮ ኣብ ውሽጢ ንቤተ-ክርስትያን፣ ተኣማንነትን ግሉጽነትን ዘጠቓልል ኢዩ" ድማ በሉ።

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ንስራሕን ታሪኽን ናይ ማሕበራት ዓለማውያን ምእመናንን ምንቅስቓሳት ቤተ-ክርስትያንን ብናእዳ ዘርከርዎ፣ ብዙሓት ጽቡቕ ምሳሌ ዘለዎም ሰባትን ንፉአ ሰበኽቲ ወንጌልን ካብኦም ከም ዝወጹ ድማ ገለጹ።

"ብጸጋ ኣምላኽ እዚ ዅሉ ውህበታት ኪዓቢ ሓግስዎም" ቤተክርስትያን ከአ ክትድግፈኩምን ከተሰንየኩምን ኢያ፣ ክብሉ ድማ ቃለ ምዕዳኖም ደምደሙ።

22 May 2026, 09:38