ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ሰባት ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከል ባንክን ቍጠባዊ ስርዓታትን ክኾኑ ኣለዎም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኩሉ ግዜ ሰባት ኣብ ማእከል ባንክን ቁጠባውን ስርዓታትን ምቕማጥ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምምልካት ኣብዚ ዓውድታት ዝሰርሑ ንሰናይ ተግባር መሪሕ መትከል ስልታዊ ምርጫታቶም ክገብሩ ኣተሓሳሲቦም፣ “መንፈስ መሰረታትኩም ንኹሉ ዘዘኻኽር ብፍላይ ኣብ ሓደ ባንኪ ዝኣቱ ርእሰ-ማል ዘይኮነስ ሰብ ምዃኑ ብድሕሪ እቲ ቁጽሪ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን፣ ሓገዝ ዘድልዮም ኣብይቲ ስድራ ከምዘለዉን” ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ኣጒሊሖም፡ "ልዑል ደረጃ ኮምፕዩተርራዊ እናኾነ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ገንዘብን ቁጠባን መሳርሒታት ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ኣብ ዘሎ ርክባት ዝያዳ እተሓላለኸን ኣርቲፊሻልን መልክዓት ሽምግልና ማእከላይን ኣብ ዝዀነሉ ሃዋህው ንስኻትኩም – ወረስቲ ዓብዪ ልምዲ ሰብኣዊ ኣቓልቦ – እቶም ኣገልግሎትኩም ዝረኽቡ ሰባት ኣብ ዝሑል ናይ ቀመራዊ ምርዒት ስርዓት እተጠንጠኑ ዀይኑ ኸይስምዖም ንምርግጋጽ እተጸዋዕኩም ኢኹም - ቢሎን - ብድሕሪ እዚ ስርዓት እዚ "ሎሚ ከም ቀደሙ" "ኪሰምዑን ሰናይ ክግበሩን ፍቓደይናታት ዝዀኑ ሰባት ኪህልዉ ኣለዎም” እንክብሉ ከም ዘስተብሃሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ክልተ ክኾኑ ዝኽእሉ መንገድታት
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብዛዕባ መበቈልን ምዕባለን እተፈላለዩ ባንክታትን ኣባይቲ ልቓሕ ማሕበራትን ብምስትንታን ኣብ ታሪኽ ኢጣልያ ኣብ እተፈላለየ እዋናት መኽሰብ ንምፍራይን ዋጋ ንምፍጣርን ዝዓለመ ሓዱሽ ንግዳዊ ስራሕ ንምንዳፍ፣ ንምጅማርን ንምምሕዳርን ዕድል ዕዳጋ ንምልላይ፣ ሃብቲ ንምውዳብን ዝተቖጽረ ሰነ ገንዘባዊ ሓደጋታት ብምውሳድን ዝግበር ንጡፍ መስርሕን መንግስታውን ብሕታውን ቍጠባውን ንምድጋፍ ከመይ ሓባራዊ ዕላማ ኸም ዝነበሮም ኣጕሊሖም "እቲ ብትብዓትን ምህዞን ዝፍለጥ ኣጀማምራኦም ኣብ መንጎ ቁጠባን ምውፋርን ናይ ብሕቲ ዀነ መንግስታዊ ትካላት ሓባራዊ ጥቕምን ድልዱል ቍጠባዊ ዕቤትን ኣብ ምስዓብ ዘሎ ምትሕብባር ዘረጋግጽ ኢዩ።” እተን ኣብዚ ቦታ እዚ ዝርከባ ቍጠባዊ ትካላት ብእተፈላለየ መገድታት ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ተቕዋማትን ፍትሓዊ ምክፍፋልን ምዕሩይ ምብጻሕን ሃብቲ ብምትብባዕ ረብሓታት ንዅሉ ሰብ ብቐሊሉ ክበጽሕ ምግባር የድሊ” እንክብሉ ብምምልካት፡ "እዚ ድማ ምስቲ ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ሓለውቲ ፍጥረት ንኽኾኑ ብሕድሪ ዝሃቦም ተልእኾ ኣጸቢቑ ዝሰማማዕ ማሕበራዊ ዕማም" ዝስዕብ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ስርዓት ባንኪ ኣብ ማእከል ቍጠባውን ማሕበራውን ምዕባለ ዀይኑ ንህይወት ሰባት ጽልዋ ኺህልዎ ዚኽእል ኣዝዩ እተሓላለኸ ክውንነት ኮይኑ ከም ዝጸነሐን በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዚ ስርዓት እዚ "በቲ ሓደ ሸነኽ ንሓፈሻዊ ድሕንነት ፍትሓዊ ምክፋል ምትብባዕ፣ በቲ ኻልእ ሸነኽ ከኣ ብኣሉታዊ መገዲ ምንጪ ዘይማዕርነትን ድኽነትን ዝዀነ ስስዐ ዝመልኦ ምእካብ ናብ ዝድግፍ ክልተ ኣማራጺታት ከም ዝመርሐ” የዘኻኽሩ።
እቲ ኣብ ማእከል ዘሎ ሰብእና
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ኣብ ውሽጢ እዚ ሰፊሕ ማዕቀፍ እዚ፡ እቶም ኣብ ቍጠባዊ ዕዳጋ ዚነጥፉ ሰባት ብቕንዕና ብምስራሕ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ዚንቀሳቐሱሉ ህዝብን ሃዋህውን ናብ ጥንቁቕን ምስ ግብረ ገብ ናብ ዚሰማማዕን ኣጠቓቕማ ጸጋታት ብምምሃርን ብምምራሕን እውን እትነጥፉ ምዃንኩም፡ ታሪኽኩም ዝምስክሮ እዩ” - እዚ ኸኣ ተሃዋስነትን ብልሕን ቅንዕናን ግብረ ሰናይን ዘወሃህድ እዩ - ቢሎም - “እዚ ናይ ኣሰራርሓ ኣገባብ ” “ጥዑይን ነባርን ዕብየት ትካላትን ማሕበራዊ ቅድታትን ዝምድናታትን” ብኸመይ ከም ዘረጋግጽ እውን ምስ ግዜ ዘርኣይ እዩ። ባንክታት ኣብ መዋቕራውን ባህላውን ፍልቀት ሓደ ሕብረተሰብ ክጸልዋ ከምዝኽእላን ነዚ ብምቅዋም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት “ናብ ንዋታዊ ክብርታት ጥራሕ ብምትኩር ህይወት ናብ ዘደናግር ዕላማን ኣገባባትን” ከይምለስ ኣጠንቂቖም፡ "ኣብ ቁጠባዊ ዓውዲ'ውን እንተኾነ ሰብኣውነት ኩሉ ግዜ ኣብ ማእከል ክኸውን ኣለዎ" እንክብሉ ኣጒሊሖም፡ ምስዚ ኣተሓሒዞም እተን ኣብዚ ርክብ እዚ ዝተረኽባ ኣባይቲ ባንኪ ኢጣሊያ ዝኽተለኦ ዝተፈላለየ ሰብኣውን ባህላውን ተበግሶታት ብምንኣድ፡ ኣብዚ መንገዲ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍን ምትሕግጋዝን ብምስራጽ ክቕጽላ ኣተባቢዖም፡ "እዚ እቲ ጽኑዕን ዓሚቕን ሱርን መበቆለን እዩ - ዋላ'ኳ መብዛሕትኡ ግዜ ዘይረአ እንተኾነ - ሳላኡ ድማ ገረብ እዘን ትካላት እናዓበየን እናዓምበበን ይቕጽል ኣሎ” ምስ በሉ ኣብ መደምደምታ መደረኦም፡ ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ሰባት፡ ንሰናይ ተግባር ፈጺሞም ከይረስዑን “መሪሕ መትከል ስነ ስልታዊ ምርጫታቶም” ብምግባር፡ ኣብ ሱሮም ጸኒዖም ክጓዓዙ ሓደራ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
