ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ቤት ረድኤት ንዝሳቐዩ' ብሓድሽ መንፈስ ዘነቓቕሕ ሽማግለ ሰምዮም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ቤት ረድኤት ንዝሳቐዩ' ብሓድሽ መንፈስ ዘነቓቕሕ ሽማግለ ሰምዮም 

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት 'ቤት ረድኤት ንዝሳቐዩ' ብሓድሽ መንፈስ ዘነቓቕሕ ሽማግለ ሰምዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ኣብ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ዝርከብ ብቅዱስ ፒዮ ብዓል ፒትሬልቺና እተመስረተ ትካል መእለዪ ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ጽጉማት ብሓድሽ መንፈስ ዘነቓቕሕ ሓድሽ መሪሕነት ሽማግለ ክቐውም ዝእዝዝ ብኢንዶ ዝጸሓፍዎ ሰነድዕ ዕለት 27 ግንቦት ወግዓዊ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ፍክሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ስቃይ ንዝርከቡ ንምድጋፍን ካብ ስቃዮም ንምንጋፍ ካብ ሰናይ ድላይ ቅዱስ ፒዮ በዓል ፒየትረልቺና ኣብ ከተማ ሳን ጆቫኒ ሮቶንዶ ዝተመስረተ ዓብይ ማእከል ክንክን ጥዕና ኢጣልያ፡ ንሓድሽ ምዕራፍ ተሓድሶ ይዳሎ ምህላዉ ክሕበር እንከሎ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንብቕዓቱን ኣድማዕነቱን ንነዊሕ እዋን ዘላቕነቱን ንምሕያል ዝበለጹ መፍትሒታት ንምልላይ ስልጣን ዘለዎ ሓድሽ ኣንፈትን ምክትታልን ናይቲ ትካል መእለዪ ህሙማን ዘጣይስ ሽማግለ ክኸውን ዝእዝዝ ብኢዶም ዝጸሓፍዎ ሰነድ ዕለት 27 ግንቦት ወግዓዊ ከም ዝኾነ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ኣፍሊጡ።

እዚ ሓድሽ ኣመሓዳሪ ሽማግለ ብህየንተ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ጉዳያት ቁጠባ ቅድስቲ መንበር ማክሲሚኖ ካባሌሮ ለዶ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ብናይ ቤት ጽሕፈት ምሕደራ ውርሻታት ሓዋርያዊ መንበር ዋና ጸሓፊ ፋብዮ ጋስፐሪኒ ክውደብ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ውሳኔ ብምምልካት፡ ናይ ቅድስቲ መንበር ትኩእ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ፓውሎ ሩደሊ፤ ኣቦ መንበር ቤት ምሕደራ ውርሻታት ሓዋርያዊ መንበር ሊቀ ጳጳሳት ጆርዳኖ ፒቺኖቲ፤ ከምኡ’ውን ናይ ሰበኻ ፎጃን ቦቪኖን ሊቀ ጳጳሳት ጆርጆ ፈረቲ ናይቲ ሽማግለ ኣባላት ዶክተር ቤንጃሚን ኤስተቨዝ ደ ኮሚንገስ፣ ዶክተር ጂኖ ጉሚራቶን ዓቃቢ ሕጊ ኣሌሳንድሮ ኤላ ኦያናን እውን ኣብ ግብረኣዊ ሽማግለ እንክብሉ ከም ዝሰመይዎም ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳኔ ሓዋርያዊ መንበር ንስራሕ ግብረ ሰናይ ዘለዋ ፍቕሪን ዓበይቲ ትካላት ንተልእኾአን እሙናት ኮይነን ክቕጽላ፡ ናይ ለውጢ ብድሆታት ክገጥማ ክኽእላ ኣለወን ካብ ዝብል ንቕሓት ዝተበገሰ ኮይኑ፡ "እዋናዊ ፍልቀት - እደ ጥበባዊ፡ ሕጋውን ቁጠባውን፡ ንተልእኾ ቤተክርስትያን ቅድሚ ብድሆ ቀጻሊ ምሕዳስ የቐምጦ" ብፍላይ ኣብቲ ራእይን ወፍርን ጥንቁቕ ምሕደራን ዝሓትት ጽላት ክንክን ጥዕና፡ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብኢዶም ዝጸሓፍዊ ናይ ውሳኔ ሰነድ ብምምልካት፡ ካብዞም ትካላት እዚኦም "ብመንፈሳውነትን ተክለ ሰብነትን ናይቲ ቅዱስ መስራቲኡ ተደሪኹ ንህሙማንን ነጋድያን ንኣባይቲ ስድራኦምን በጻሕትን ምቕባልን ሓገዝን ክንክንን ንምሃብ" ዝተመስረተ ካብ ስቓይ ዘናግፍን ነቲ ኣብ ስቓይ ዝርከብ ሰብ ዘሰንይን እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 "ነዚ ብድሆ ንምግጣምን ንምቕባልን" "ሽማግለ ኣንፈትን ምክትታልን ናይቲ መእለዪ ሕሙማን ትካል ዕዮ ቅዱስ ፒዮ ብዓል ፒየትረልቺና፡ ከምኡ’ውን ነቲ ህሉው ኵነታት እቲ ትካል ንምምርማር ዝያዳ ብቕዓት፣ ኣድማዕነት፣ ነባሪ ቀጻልነትን ዕዮኡን ተልእኾኡን ንምምሕያሽ ዘብቅዕ ብሉጽ መፍትሒ ምልላይ ከምኡውን ነቲ በዚ መገዲ እዚ እተፈልጠ መፍትሒታት ጭቡጥ ምግባርን ዝብል ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቤት ጽሕፈት ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡

እቲ ሽማግለ ኣብ ኵሉ መዳያት – ቍጠባዊ፣ ውርሻውን ኣሰራርሓን –ኣድላዪ ስጕምትታት ተራን ፍልይ ዝበለን ስጒምትታት ንምውሳድን ምምሕዳራዊ ተግባራት ንምፍጻም ምሉእ ዓቕሚ ሒዙ ክዓዪ ምዃኑ ይሕብር።

ቅድሚ ዝኾነ ይኹን ፍሉይ ኣገዳስነት ዘለዎ ውሳነን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ድማ ቅድሚ ፍሉይ ትርጉም ዘለዎም ተግባራት ወይ ኣብ ንብረት እቲ ትካል ወሳንን ርኡይን ጽልዋ ዘለዎም ተግባራት ቅድሚ ምቕባሉ ወይ ስርዓተ-ሕጊ ምምሕያሽ ብቐጥታ ናብ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጸብጻብ ዝህብ ከም ዝኸውንን ቤት መናገፊ ካብ ስቓይ ካብ ጭቡጥ እምነት ቅዱስ ፒዮ ዝተበገሰን፣ ምሕብሓብ ኣካል፡ ዘይነጻጸል ኣካል ክርስትያናዊ ተልእኾ እዩ ካብ ዝብል እምንቶ ዝነቐለን ኮይኑ፡ ሎሚ ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት እዚ ምስትውዓል እዚ ህልው ኮይኑ ይቕጽል ምህላዉ ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ኣብቲ ብኢዶም  ዝጸሓፍዎ ናይ ውሳኔ ሰነድ ኣረጋጊጾም እዚ እውን ናይ ሓልዮት ምልክት እዩ - ቢሎም - ቅዱስ ፒዮ በዓል ፒየትራልቺና ዝሓመመ መንፈሳዊ ነጋዲ ወይ ኣባል ኣባይቲ ስድራ ነጋዲያን ህሙማን ብዘይ እንግዶትን ሓገዝን ከይተርፍ ዝብል ዓይነት ሓልዮት ምዃኑ ኣብሪሆመ፡ ቤት መናገፊ ካብ ስቓይ ዳግመ ብዝተሓደሰ መንፈስ ምስጓም ንመስራቲ፡ ንተልእኾ ናይቲ ስራሕ፡ ከምኡ’ውን ንኹሎም እቶም መዓልታዊ ፈውስን ተስፋን ደልዮም በቲ ናይቲ ቤት ሕክምና መዓጹ ዝሓልፉ ናይ ተኣማንነት ተግባር ዝውክል ምዃኑ እውን ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

28 May 2026, 15:50