2026.05.06 Udienza Generale 2026.05.06 Udienza Generale  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ “ግሩም ሰብኣውነት” ክሕተም ኢዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ ዕቃቤ ሰብኣዊ ኣካል ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ ዕለት 25 ግንቦት ክትወጽእ ኢያ። ኣብ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ድማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብምዃን እተፈላለዩ ሊቃውንቲ ብዛዕባ እዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ብዝምልክት ኣስተምህሮታት ከቕርቡ ምዃኑም እውን ኣብ መደብ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንሰብኣዊ ኣካል ኣብ መዋእል ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ንምዕቃብ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዝገልጽ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቲ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas) ዘርእስቲ ብዕልት 25 ግንቦት 2026 ክትወጽእ ምኹኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ።

ዕለት 15 ግንቦት መበል 135 ዓመት ዕለተ ዝኽሪ ናይታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ዝኣዋጅዋ  ዓዋዲት መልእኽቲ “ሓደስቲ ነገራት” (Rerum Novarum) እተኸተመትሉ ዕለት ድማ እዩ።

“ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas)  ኣብታ እትወጸላ ዕለት ልክዕ ሰዓት 11፡30 ናይ ንግሆ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ጳጳሳት ቫቲካን ክቐርብ እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ምስ ኣስተምህሮ ዘካፍሉ ሊቃውንቲ ኮይኖም ድማ ኣብቲ መደብ ክሳተፉ እዮም፦ ብፁዕ ካርዲናል ቪክቶር ማኑወል ፈርናንደዝ ህየንተ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ዓንቀጸ እመነት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፤ ብፁዕ ካርዲናል ማይክል ቸርኒ ህየትነ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምሉእ ሰብኣዊ ምዕብልና ዝሃሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን፣ ፕሮፌሰር ኣና ሮውላንድስ ሊቕ ሥነ መለኮትን መምህር ኣብ መንበረ ጥበብ ዱርሃም ( ኣብ ሕቡራት መንግስታት እንግሊዝን)፣ ክሪስቶፈር ኦላህ ተሓባባሪ መስራቲ ተቕዋም ኣንትሮፒክ (ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን) ከምኡውን ሓላፊ ምርምራት ብዛዕባ ትርጕም ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ብተወሳኺ እውን ፕሮፌሰር ሊዮካዲ ሉሾምቦ ሊቕ ፖለቲካዊ ስነ-መለኮትን ካቶሊካዊ ማሕበረ ሰብኣዊ ትምህርት ኣብ ቤት ትምህርቲ ስነ-መለኮት ኢየሱሳውያን መንበረ ጥበብ ሳንታ ክላራ ኣብ ካሊፎርንያ (ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ)ዝርከብን ኣብቲ መደብ ክሳተፉ ኢዪም።

ብፁዕ ካርዲናል ፔትሮ ፓሮሊ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር እውን ብወገኖትም ኣብ ናይ መዕጸዊ መደባት መደረ ከቕርቡን ቀጺሎም ድማ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ቃለ ምዕዳኖምን ሓዋርያዊ ቡራኬኦምን ከካፍሉ ከም ምዃኖም ካብ ቤትጽሕፈት ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ቅድስቲ መንብር ዝወጸ መግለጺ የመላኽት።

19 May 2026, 09:52