2026.05.25 Promulgazione della Lettera Enciclica "Magnifica Humanitas" 2026.05.25 Promulgazione della Lettera Enciclica "Magnifica Humanitas"  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን፣ 'ግሩም ሰብኣውነት'፣ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣጽዋር ንኸራግፍ ዘቕረብዎ ጻውዒት

እዛ ሓዳስ ናይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ "ግሩም ሰብኣውነ" (Magnifica Humanitas) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ፣ ቤተ-ክርስትያን ነቲ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ዘምጽኦ ብድሆታት ምላሽ ከም እትህብ ገይሮም ኣቕሪቦምዋ ይርከቡ። ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ካብ ርትዓዊ ዘይኮነ ምቍጽጻርን ምግላልን ውግእን ናጻ ክወጽእን፣ "ኣጽዋሩ ከራግፍን" ጻውዒት ኣቕሪቦም። ቅዱስ ኣቦና ምስታ “ሓደስቲ ነገራት” (Rerum Novarum) ዘርእስታ ዓዋዲት መልእኽቲ ብምምስሳል፣ ዓለምለኻዊ ማሕበረሰብ፣ ነዚ ሓዲስ ተኽእሎ ዝኾነ ተክኖሎጅያዊ ምዕባለ ንሰብኣዊ ክብርን ሓድነትን ሓባራዊ ጥቕምን ኣብ ምግልጋል ከውዕሎ ድማ ተማሕጺኖም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነዛ “ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas) ዘርእስታ ናይ መጀመርታ ዓዋዲት መልእኽቶም ኣብ ዝተኻየደ ሥርዓተ ምርቓ፣ ብዛዕባ ምቍጽጻርን ምግልጋልን ናይቲ ውግእን ዘስፋሕፍሕ ተክኖሎጂያዊ ምዕባለታት ኣጠንቂቖም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ትማሊ ሰኑይ ዕለት 26 ግንቦት ኣብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ሲኖዶስ፣ ምላዕለዎት ሰበስልጣን ቤተክርስቲያንን ተወከልቲ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ተጋቢኦም፣ ነዛ ሓዳስ ዓዋዲት ምልእኽቲ ንምቕራብ ኣብ ዘካፈልዎ ሓሳባት፣ ነቲ ሕጂ ዘሎ ተክኖሎጅያዊ ሰውራ ምስቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13፣ ኣብ እዋን ኢንዱስትርያዊ ሰውራ ዘጋጠመ ናዕቢ ዝብድህ "ታሪኻዊ ነጥበ-መቐይሮ" ክብሉ ዝገለጽዎ ብምምሳል ሰፊሕ መግለጺ ኣካፈሉ።

"ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ድሮ ንብዙሕ መዳያት ህይወትና ይትንክፍን፣ ንሰብኣዊ ሓባራዊ ናብራና ዝቐርጽን ውሳነታት ብምግባር ይጸልዎ ኣሎ" በሉ፣ ክዕሊ ኹሉ ድማ ይብሉ ቅዱስነቶም፣ "ውግእ ብኸመይ ከም ዚካየድ ዘሎ ኣጸቢቑ መንገድታት ይቕይር ኣሎ" ክብሉ እውን ኣጠንቀቑ።

ሓድሽ እዋን "ሓደስቲ ነገራት" (Rerum Novarum)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ምስታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 13 ኣብ 1891 ዓ.ም. ዘዳለዉዋ ታሪኻዊት ዓዋዲት መልእኽቲ “ሓደስቲ ነገራት” (Rerum Novarum) ዘርእስታ ብቐጥታ ብምምስሳል፣ ሎሚ ቤተ-ክርስትያን እውን ብተመሳሳሊ መንገዲ፣ ነዚ ኣብ ዘመላ ተራእዩ ዘሎ "ሓደስቲ ነገራት" ናይዚ መዋእል፣ ብብርሃን ወንጌልን ክብሪ ሰቂ ሰባትን ክትትርጕም ተጸዊዓ ከም ዘላ ገለጹ።

“ግሩም ሰብኣውነት” (Magnifica Humanitas) ንተመራመርቲ ስነ ፍልጠት፡ ንመሃንድሳት፡ ንመምህራን፡ ፖለቲካይናታትን፡ መራሕትን፡ ከምኡ ውን ስድራ ቤታትን፣ ብፍላይ ድማ ነቲም ብዛዕባ መጻኢ መንእሰያት ዝጭነቑ ስድራ ቤታት ብሰፊሑ ብምስማዕ ከም ዝመጸ ገለጹ። እዚ ኸምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ዘይፍትሓውን ናይ ጽልእን ሓበሬታ ተመርኲሱ፣ ክንክን ጥዕናን፡ ስራሕን፡ ድሕንነትን ክኽልክል ዝኽእል፣ ብባዕሉ ዝሰርሕን ዝመሓደርን ኣጽዋርን “ቀመራዊ ምዕሪትን” (algorithms) - "ኣዝዩ ዘጨንቕ ድምጺ" ከም ዝስማዕ ዘሎ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ከም ዘመልከትዎ፣ ካብዚ መስርሕ ሜመያ እዚ፣ ኣብዛ ዓዋዲት መልእኽቲ ብንጹር ተገሊጹ ዘሎ፣ "ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ኣጽዋሩ ከራግፍ ኣለዎ" ዚብል እምነት ከም ዘስዕብ ገለጹ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ርዝነት እዚ ሓረግ እዚ ኣፍልጦ ብምሃብ፣ ርዝነት ናይዚ ዘመን እዚ፣ "ሕልና ንምንቕቓሕን ንደቂ ሰብ ንቕድሚት ዝወስድ መገድታት ንምሕባርን" ዘኽእል ቃላት ከም ዝሓትት ኣትሪሮም ኣተሓሳሰቡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን ነታ ሓዳስ ናይ መጀምርታ ዓዋዲት መልእኽቶም እንቀቕርቡ
ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን ነታ ሓዳስ ናይ መጀምርታ ዓዋዲት መልእኽቶም እንቀቕርቡ   (@Vatican Media)

ተክኖሎጅን ስነ ምግባራዊ ሓላፍነትን

ቅዱስነቶም ቀጺሎም፣ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ንምርጋፍ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ብቐጻሊ ንነዊሕ እዋን ዝገበረቶ ደገፍ ብምዝካር፣ ነፍሲ ወከፍ ዓብዪ ተክኖሎጅያዊ ሓይሊ፣ ብስነ ምግባራዊ ምስትውዓልን፣ ህዝባዊ ተሓታትነትን ኪተሓዝ ከም ዘለዎ ተላበዉ።

"ብተመሳሳሊ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ ሕጂ 'ኣጽዋሩ ከራግፍ' ይሓተር ኣሎ፣ ካብቲ ናብ መሳርሒ ምቍጽጻርን መግዛእትን፣ ምግልጋል ወይ ሞት ዝቕይሮ ዘሎ ዘይርትዓዊ ኣተሓሳስባ ናጻ ክኸውን ኣለዎ" በሉ።

ነቲ ቅዱስ ሓዋርያ ጳውሎስ፣ "ንቅሑ" (1ተሰ 5፡6) እናበለ ዝሃቦ ምሕጽንታ ብምጥቃስ ድማ፣ ተክኖሎጂ ንስነ-ምግባራዊ ንቅሓት ደቂ ሰብ ኣብ ዘዳኽመሉ እዋን፣ ሰላም ንባዕሉ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ ከም ዘሎ ኣጠንቂቖም።

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም ከም ዘመልከትዎ፣ ኣብ ቅድሚ ደቂ ሰብ ዘሎ ዕማም፣ ንሓደ ሓደገኛ ዝኾነ ተክኖሎጂ ምቍጽጻር ጥራይ ዘይኰነስ፣ ብሓባር ፍትሓዊ መጻኢ ንምህናጽ ምዃኑ እውን ኣጕሊሖም እዮም።

"ንበይኑ ዝሃንጽ ወላ ሓደኳ የልቦን"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፔሩ ሚስዮናዊ ዀይኖም ዘገልገሉሉ ዓመታት እንከስተንትኑ፣ ነቲ ብ2017 ዓ.ም. ዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናምን ምዕልቕላቕ ማይን ዘስዓቦ ዕንወት ብምዝካር፣ ዳግመ ህንጸት ኣካላዊ ህንጻታት ካብ ምሕዳስ ንላዕሊ ከም ዜጠቓልል፣ ነዚ ድማ ኣብኡ ከም እተሞከርዎ ገለጹ።

"ማእሰር ሓድነት ምጽጋን፤ ንምትእምማን ምምላስን፣ ኣብ መጻኢ ተስፋ ምስፋንን ማለት ድማ እዩ" በሉ፣ ወሲኾም ከኣ "ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ንበይኑ ዳግም ክሃንጽ ዝኽእል የልቦን" ክብሉ ኣጠንቀቑ።

ብርሕርዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ናብቲ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ዝርከብ ዛንታ ነቢርይ ነህምያ፣ ማለት ንመካበብያ የሩሳሌም እንደገና ክሃንጽ እንከሎ ዜመልክት ምሳሌ ብምጥቃስ፣ ነዚ ምሳሌ እዚ ንስነ-ምግባራዊ ህንጸት ዲጂታላዊ መዋእል ኣርኣያ ከም ዝኸውን ገይሮም ኣቅረብዎ።

"ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት ተክኒካዊ ምዕባለ ንህይወት ደቂ ሰብ ንምግልጋል ዝስልጥነሉ ኣገባብ፣ ኣብ ውሽጢ ማሕበረ ሰብ ንናይ ታሪኽ ህንጸት ቦታ ክኸውን ምስ ዝርከብ ኢዩ" ድማ በሉ።

ንሰብኣዊ ኣካልነት ናብ ማእከል ምምላስ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝበልዎ፣ ሓቀይና ምዕባለ "ንነፍሲ ወከፍ ሰብኣዊ ኣካልን ንብምሉኡ ሰብኣውነትን" ከም ዝምልከት ዝገልጽ ትምህርቲ ብምጥቃስ፣ ዋላ ሓደ ሰብ እኳ ካብ ዲጂታላዊ ለውጢ ክውገድ ከም ዘይብሉን፣ ደቂ ሰብ ከኣ ናብ ደረጃ "ፍርያምነት፡ ናብ ናይ ፍልጠት መስርሓት" ወይ ናብ "ተራ ሰነዳት" (mere data) ክወርዱ ከም ዘይክእሉ ኣትሪሮም መስከሩ።

"እቲ ወድሰብ ሰብ ኣብ ውሽጡ ዝዀኖ ኣካልነት - ወይ ብገዛእ ርእሱ -  ሓደ ማሽን ክትክኦ ወይ ክዓግቶ ዘይክእል ናጽነትን ውሽጣዊ ባህርይን፣ ናይ ፍቕርን ኣምልኾን ጽውዓ ኣለዎ" በሉ።

ቅዱስ ኣቦና ኣብ መንጎ ኣህዛብን ትካላትን ኣዳለውቲ እዚ ተክኖሎጅን፣ እቶም ብተክኖሎጅያዊ ስርዓት ኣዝዮም እተጸልዉ ሰባትን ምትሕብባር ክግበር እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ናይ ፍቕሪ ስልጣኔ"

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መደምደምታ፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ዓለምለኻዊ ዝርርብ ብዛዕባ ሰብ ዝሰርሖ ኣስተውዕሎት፣ "ብትሕትናን ብግሉጽነትን" ኣበርክቶ ኽትገብር ከም ዘለዋ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፣ እዚ ድማ ተክኒካዊ ክእለት ብምሃብ ጥራይ ዘይኰነስ፣ ኣብ ክብረትን ሕልናን ንኣምላኽ ክፉታት ኣብ ምዃንን እተመስረተ ራእይ ሰብኣዊ ኣካልነት ብምሕላው እዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መወዳእታ ንዅሎም ሰባት "ሰብ ኢደ ጥበበ ተስፋ" ክዀኑ ጻውዒት ብምግባር፣ ንኣመንቲ ዀነ ንዘይኣመንቲ፣ "ዝያዳ ሰብኣውን ሕውነታውን ሕብረተሰብ" ንምምጻእ ብሓባር ክዓዩ ተማሕጸኑ።

ቅዱስ ኣቦ ነዚ ተበግሶ እዚ፣ ነታ "ብዛዕባ ዕቤት እቲ ንትሑታት ልዕል ዜብል ዓብዪ ኣምላኽ እትዝምር" ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብሕድሪ ብምውፋይ፣ እቲ ብርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይን ብርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ቅዱስ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊን እተመነይዎ፣ "ስልጣኔ ፍቕሪ" ኣብ ታሪኽ ብብስለት ኪቕጽል ጸልዮም።

ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 "ግሩም ሰብኣውነት"
ሓዳስ ዓዋዲት መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ልዮን መበል 14 "ግሩም ሰብኣውነት"   (@Vatican Media)
26 May 2026, 12:40