ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፦ ብምኽንያት ዕረፍቲ ካርዲናል ትሸሪግ ናይ ሓዘን መልእኽቲ ሰዲዶም
ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብምኽንያት ዕረፍቲ ስዊዘርላንዳዊ ካርዲናል ፖል ኤሚል ትሸሪግ "ዓሚቝ ሓዘኖም ገሊጾም"። እቶም ኣብ ኢጣልያን ሪፓብሊክ ሳን ማሪኖን ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቅድስቲ መንበር ዝነበሩ ብፁዕ ካርዲናል ትሸሪግ፡ ትማሊ ሰሉስ ዕለት 12 ግንቦት ኣብ መበል 79 ዓመቶም ዓሪፎም።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ናብ ስድራቤት ካርዲናል ትሸሪግን፡ ናብ ሰበኻ ስዮንን ብቴለግራም ኣብ ዝለኣኽዎ መልእኽቲ፡ ነቶም "ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ከም ተወካሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኰይኖም ዘገልገሉን፡ ድሒሩ ድማ ኣብ ሓያሎ ላዕለዎት ኣብያተ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፡ ከም ኣባል ኰይኖም ንዘገልገሉ ብፁዕ ካርዲናል ትሸሪግ፡ ነቲ ብተኣማንነት ንዘገልገልዎን፡ ንቤተ-ክርስትያን ዝገበርዎ ኣበርክቶን ብምስጋና ዘኪሮም።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፡ ብፁዕ ካርዲናል ትሸሪግ፡ "ኣብ ኵሉ ኣገልግሎቶም፡ ብልግሲ ከም ዝዓየዩን፡ ንቤተ-ክርስትያንን፡ ንተካኢ ቅዱስ ጴጥሮስን ንዝነበሮም ፍቕሪ ከም ዘመስከሩን” ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ "ንነፍሲ ኣገልጋሊ ወንጌል" "ናብቲ ዕራርቦ ጸሓይ ዘይፈልጥ ብርሃን ምእንቲ ኺቕበላ" ናብ እግዚአብሔር ኣወፍዮም። ኣማልድነት እኖና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምምናይ ድማ፡ ናብ ኵሎም እቶም በዚ ሃንደበታዊ ዕረፍቲ ብፁዕ ካርዲናል ትሸሪግ ንዝተጐድኡ፡ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ብምሃብ መልእኽቶም ዛዚሞም።
ነዊሕ ኣገልግሎት ከም ወኪል ቅድስቲ መንበር
ብፁዕ ካርዲናል ፖል ኤሚል ትሸሪግ ብዕለት 3 ለካቲት 1947 ኣብ ኡንተረምስ ሃገረ ስዊዘርላንድ ተወሊዶም።
ብ1974 መዓርገ ክህነት ተቀቢሎም፣ ጾኒሖም ድማ ካብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ግሪጎርያን ብሕጊ ቀኖና ናይ ዶክተሬት መዓርግ ረኸቡ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሓንስ ጳውሎስ ካልኣይ ብ1978 ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ቅድስቲ መንበር ከም ጸሓፊ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር መዘዝዎም። ኣብ ኡጋንዳ፡ ደቡብ ኮርያ፡ ሞንጎልያ ከምኡውን ባንግላደሽ ድማ ኣገልጊሎም።
ብ1996 ሊቀ ጳጳሳት ቮሊ ኰይኖም ተሾሙ፣ ኣብ ብሩንዲ ከኣ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ተመደቡ። ኣብቲ እዋን ዋና ጸሓፊ ሃገረ ቫቲካን ብዝነበሩ ካርዲናል ኣንጅሎ ሶዳኖ ኣብ ዝተመርሐ መሥዋዕተ ቅዳሴ ድማ፡ ብዕለት 27 ሠነ፡ ሢመተ ጵጵስና ተቀቢኦም።
ድሕሪኡ ኣብ ትሪኒዳድ፡ ቶባጎ፡ ዶመኒካን ሪፓብሊክ፡ ጃማይካ፡ ግሬናዳ፡ ጉያና፡ ሰይንት ሉቺያ፡ ሰይንት ቪንሰንት፡ ግሬናዲነስን ከምኡውን ኣብ 2000 ኣብ ባሃማስ ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ኣገልጊሎም።
ካብ 2001 ኣትሒዞም ድማ፡ ኣብ ባርባዶስ፡ ኣንቲጉዋን፡ ባርቡዳን፡ ሱሪናምን፡ ሰይንት ኪትስን፡ ኔቪስን ኣገልጊሎም።
ብ2004 ኣብ ደቡብ ኮርያን፡ ሞንጎልያን፡ ድሕሪኡ ኣብ ሃገራት እስካንድነቭያ፡ ከምኡ ውን ኣብ ኣርጀንቲና ኣገልጊሎም። ኣብ መወዳእታ ድማ ክሳዕ 2024 ኣብ ኢጣልያን፡ ሳን ማሪኖን ከም ሓዋርያዊ ልኡኽ ናይ ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ኣገልጊሎም፣ ኣብዚ መዝነት እዚ ከኣ ከም ናይ መጀመርያ ኢጣልያዊ ዘይኮኑ ወኪል ቅድስቲ መንበር ኰይኖም ኣገልጊሎም።
ብዕለት 30 መስከረም 2023 ኣብ ዝነበረ ጉባኤ ካርዲናላት ድማ፡ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮስ፡ ካርዲናል ተሰይሞም።
