ር. ሊ. ጳ.፦ “ንሰላም ምክንኻን፣ ንህይወት ምክንኻን እዩ ማለት ኢዩ”
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ትማሊ ሰንበት ዕለት 17 ግንቦት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት ኦ ንግሥተ ሰማይ ድሕቲ ምድጋሞም ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰምታን ምሕጽንታን፣ ቅነ ስቡሕ ኣንተ ካብ ዕለት 17 ክሳዕ ዕለት 24 ግንቦት ተዘኪሩ ከም ዝጸንሕ ዘኪሮም።
እዚ ዓመታዊ በዓለ ዝኽሪ እዚ፣ ናይቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ክንክን ሓባራዊት ቤትና ዝጸሓፍዋ ዓዋዲት መልእኽቲ ብኽብሪ ዝዝክር መደብ እዩ፣ በዚ ኸምዚ ድማ ኵሎም ደቂ ሰባት፣ ካብ ተስፋ ናብ ተግባር ክሰግሩ ይዕድም።
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ንኣባላት ምንቅስቓስ “ስቡሕ ኣንተን” ንዅሎም እቶም ንክንክን ሥነ ኣከባቢያዊ ምልኣተ ህንጸት ዝሰርሑ ሰባትን ብምትብባዕ ንተጸምዶኦም ዳግም ከሐድሱ ተላበውዎም።
ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ ንፍጥረታት ዝነበሮ ፍቕርን መልእኽቲ ሰላምን ጠቒሶም ድማ ቅዱስ ኣቢና፣ ቤተ ክርስትያን ካብ እዚ ንዝኽሪ ዕረፍቲ እዚ ቅዱስ እዚ መበል 800 ዓመት ተኽብር ከም ዘላ ኣዘኻኪሮም።
"ኣብዛ ዓመት ኢዮቤል ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዓል ኣሲዚ፣ ነቲ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከምኡ ውን ምስ ኵሎም ፍጥረታት ምእንቲ ሰላም ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ንዘክር" በሉ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ውግኣት ኣብ ዓውዲ ክንክን ፍጥረት ዕቤት ኣጸቢቑ ኸም ዝነከየ ገሊጾም።
ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ መንጎ ህንጸት ሰላምን ሓልዮት ህይወትን ዘሎ ውሽጣዊ ምትእስሳር ኣመልኪቶም እውን ኣትሪሮም ተዛረቡ።
"ንኣባላት ምንቅስቓስ ስቡሕ ኣንተን ንዅሎም እቶም ንምሉእ ሥነ ኣከባቢያዊ ህንጸት ዝሰርሑ ሰባትን ተጸምዶኦም ከሐድሱ አተባብዖም ኣሎኹ" በሉ። "ንሰላም ምክንኻን ንህይወት ምሓልየል ማለት ኢዩ” ክብሉ ድማ ቃለ ምሕጽንታኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ይመላኽት።
