ጉባኤ ካርዲናላት: ካልኣይ ውዕሎ ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ  ጉባኤ ካርዲናላት: ካልኣይ ውዕሎ ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ   (@Vatican Media)

ጉባኤ ካርዲናላት: ካልኣይ ውዕሎ ናይ ቀዳመይቲ መዓልቲ ዓውደ ጉባኤ

ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ካልኣይ ክፍሊ ናይቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ኣብ ሰላም ዘማእከለ ኮይኑ፡ ንህንጸት ሰላምን "ስልጣነ ፍቕርን" ምስራሕ ከምዘድሊ ብኣጽንዖት ዘተሓሳሰበን ብዙሓት ጉጅለታት እውን ካብቲ ስነ-መጎት ናይቲ "ፍትሓዊ ውግእ" ዝብል መትከል ወጺእካ ኣብ ክንድኡ ብዛዕባ መሰል ተመጣጣኒ ርእሰ-ምክልኻል ምዝራብ ከምዘድሊ እውን ዘጒልሐ ምንባር ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ዕለት 26 ሰነ ኣብ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝተኻየደ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ውዕሎ ክፍሊ ፍሉይ ዓውደ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ብዛዕባ "መሪር ኩነታት ቬንዙዌላን ንብዙሓት ግዳያት ናይቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠመ ርእደ መሬትን ናይ ጸሎት ሓሳብ ብምግባር ተበጊሱ፡ እቲ "ባህሊ ስልጣንን ስልጣነ ፍቕርን" ዝብል ኣርእስቲ ዝሓዘ መደብ፡ ንምዕራፍ ሓሙሽተ ናይቲ ቅዱስ ኣቦና Magnifica Humanitas - ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ዕዋዲ መልእኽቲ ዝተወፈየ ኮይኑ፡ ብናይ ሓባር ጸሎት ጀሚሩ ብካርዲናል ፓብሎ ቨርጂልዮ ስዮንግኮ ዳቪድ ዝተወሃሃድዎ ኮይኑ፡ ድሕሪኡ ናይ ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ቪክቶር ማኑኤል ፈርናንደዝ መእተዊ መደረ ከስምዑ ከም እተዓደሙን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ኣብ መኽፈቲ ኣኼባ ከም እተረኽቡን ብጀካ ኣብቲ ካርዲናላት ብጉጅለ ተመዳዲቦም ዘካየድዎ ናይ ክቢ ጠረጴዛ ዘተ፣ ኣብቲ ምሉ ዓውደ ኣኼባ ከም ዝሓበሩ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኲናት ንቡር ክኸውን የብሉን

ብድሕሪኡ እቲ ዘተ ቀጺሉ ዓሰርተ ሓደ ጉጅለታት ናብቲ ምሉእ ጉባኤ ተመሊሰን ጸብጻባተን ከም ዘቕረባን ኩሎም "ሰብኣውነት ዘጥፍእ ሓይሊ ባህሊ ስልጣን፡ ኣድማሳዊ ዝርገሐኡ፡ ምስ ስነ-መጎት ሓያልነት ንኽሰማማዕ ዝግበር ፈተና፡ ከምኡ'ውን ንሕብረተሰብ ንዓመጽ ዘለዎ ተጻዋርነት ዘጉድልን ሓደገይና ቀሊል ኣገባባት ኣብ ምፍታሕ ግርጭታት ዘተባብዕን ኩናትን ውልትውናን ንቡር ምግባርን" ዝብል እዋን'ዚ ዘሎ ብድሆታት ከም ዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ድሕረ ባይታ ተሳተፍቲ ሰላምን ስልጣነ ፍቕርን ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ኣስሚሮም። ብተወሳኺ ኣብ ሰባት ብዘማእከለ ቋንቋ ኣቢሎም ተኣማንነት ዘለዎ ምስክርነት - ካብ ውሽጢ ቤተክርስትያን ጀሚርካ - ምስማዕ፡ ይቕረ ምባል፡ ዕርቂ፡ ምሕዋይ ፍትሕን ጭቡጥ ምልክታ ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ቛንቋ ንልቢ እቶም ኣብ ግጭት ዝጠሓሉ ሰባት ኪትንክፍ ነቲ ብሰንኪ ውግእ ዝወረደ ቝስሊ ኣፍልጦ ኺህበሉ ከምኡውን ኣብ ውሽጢ ቤተ - ክርስትያን ሓድነት ንምርካብ ዚግበር ጻዕሪ ከተባብዕ ከም ዚኽእል እውን ከም ዘስመሩሉ ኣፍሊጡ።

ሰላም ናይ ምህናጽ ሓላፍነት

ብተወሳኺ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ሓድነት ንተኣማንነታ ኣገዳሲ ምዃኑን፡ ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት እምነታትን ሃይማኖታትን ብፍላይ ድማ ምስ እስልምና ዝግበር ዘተ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ኣብዚ ዓለምለኻውነት ዘይምግዳስ ሰባት ንስቓይ ካልኦት ስሚዒት ዘይብሎም ኣብ ዝገብሮም ዘሎ እዋን ፡ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ ሰብ ሰላም ናይ ምህናጽ ሓላፍነት ክወስድ ጻውዒት ከም ዘቕረቡን፡ ኣብዚ መዳይ እዚ ዅሎም ጕጅለታት ኣብ ክርስቶስን ኣብ ወንጌልን ዘሎ እምነት ማእከላዊ ምዃኑ ደጊሞም ብምርግጋጽ እዚ ድማ ዓለም ከም ህልዩ ዘይኰነስ ብህይወት ክትነብሮ እንኮላ ናይ ምቕያር ሓይሊ ዘለዎ ምዃኑ ኣጽኒዖም ብምምልካት፡ ብተወሳኺ ገለ ኩነታት ብኢድ ኣእታውነት እግዚኣብሔር ጥራይ ክፍታሕ ከም ዝኽእል ኣመልኪቶም፡ ናይ ቤተ ክርስቲያን መበቆላዊ ጸዋዕታ ምዃኑ ኣጉሊሖም። ሓያሎ ጉጅለታት ንስራሕ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ቅድስት መሬትን ኣብ ምብራቕ ኤውሮጳን ከም ኣብነት ድማ የቕርብዎ።

እቲ ዘተ ንተራ ፖለቲካዊ ስልጣን እውን ዝምልከት ኮይኑ፡ ካብቲ ምስ ቍጠባዊ ሓይሊ ዘለዎ መርዛም ምትእስሳር ሓራ ክወጽእ ጻውዒት ኣቕሪቡ። ካልእ ኣርእስትታት ከኣ ብዛዕባ ስድራ ቤት ትምህርቲ ህጹጽ መፍትሒ ንምርካብ ዘድሊ ድሌት ሓሊፍካ ምስጋር ዘጸግም ከምኡውን ትብዓት ዝመልኦ ወንጌላውነት ኣድላዪ ምዃኑ ዘጠቓልል ኮይኑ። ብዙሓት ጕጅለታት ናይ ቅድስቲ መንበር ስነ ሜላዊ ክሌኣዊ ርክብን ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡካንን ድምጺ ቤተ - ክርስትያን ብቐጻሊ ከም ዝስማዕ ኣብ ምግባር ዘለዎ ግደ ከም ዘጒልሑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ጳጳሳዊ ጻውዒት ሰላም ሒዝካ ደው ምባል

ኣብዚ መዳይ እዚ ብዙሓት ተሳተፍቲ ወንጌል ብጸቕጢ ዝቐርብ ከም ዘይኮነ ኣጒሊሖም፡ ነቲ ፍትሓዊ ውግእ ዚምልከት ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ምስዓር ኣድላዪ ምዃኑ ብምምልካት፡ ብዛዕባ ሚዛናዊ ርእሰ - ምክልኻል መሰል ምዝራብ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስሚሮም፡  ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ስለቲ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእክትን ንዕጡቓት ግጭታት ስለ ዝዅንንዎን ብተደጋጋሚ ንሰላም ዘቕረብዎ ጻውዒት ዓሚቝ ምስጋና ኣቕሪቦም። እቲ ምይይጥ ብዛዕባ ኣገልግሎት ጴጥሮስ (munus petrinum) ቤተ-ክርስትያን ካብ ፖለቲካዊ ስልጣን ናጻ ምዃና ውሕስነት ከም ዝዀነ ከምኡውን ኣብዚ እዋን እዚ ከም ዚርአ ምልክት ሰላም ኰይኑ ከገልግል ዚኽእል ምሳልያዊ ምንቅስቓስ ኣድላዪነቱ እውን ዘንጸባርቕ ምዃኑ ከም ዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ጻውዒት ናብ ሓላፍነት

እቲ ኣኼባ ብዝቐረቡ ዝተፈላለዩ ርእይቶታት ከም ዝተዛዘመን ገሊኦም ካርዲናላት ነቲ ጉባኤ ካርዲናላት ንምይይጥ ኣጋጣምን ምስ መራሕቲ ካልኦት ሃይማኖታት ሓቢርካ ምዕያይ ናይ ፍቕሪ ስልጣነ ንምድንፋዕ ኣድላዪ ምዃኑ ደጊሞም ኣረጋጊጾም፡ ካልኦት ከኣ ብዛዕባ እቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ቤተ-ክርስትያን ንጊልያነት ንምዅናን ዝደንጐየቶ ጸብጻብ ብግልጺ ዝሃብሉ ኣፍልጦ ብዙሓት ሰባት ዝሃብዎ ምላሽ ከም እተዛረቡን እዚ ቓላት እዚ ድማ ልቢ ኸም ዝኸፈተ ከም ዘስተህባሉን እቶም ካርዲናላት እቲ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ናይ ቅድስቱነቶም ዓዋዲ መልእኽቲ ንባዕሉ ንጉባኤ ካርዲናላት ሰላም ንምህናጽ ሓላፍነት ኪስከሙ ጻውዒት ከም ዝዀነ ገለ ኻብዚ ድማ ኣብ 1986 ብቅዱስ ዮሃንስ ጳውሎስ ዳግማይ ኣብ ኣሲሲ እተኣከበ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ጸሎት ሰላም ዝኣመሰለ ምሳልያዊ ተበግሶታት ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዘጒልሑን እቲ ካልኣይ ውዕሎ ልክዕ ሰዓት 19፡30 ቅዱስ ኣቦና ብዝመርሕዎ ጸሎት ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

27 Jun 2026, 17:31