2026.06.26 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ውግእ ብኣምላኽ ፈጺሙ ኣይባረኽን! 2026.06.26 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ውግእ ብኣምላኽ ፈጺሙ ኣይባረኽን!  (@Vatican Media)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መኽፈቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት፡ ውግእ ብኣምላኽ ፈጺሙ ኣይባረኽን!

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነቲ ዝጸውዕዎ ጉባኤ ካርዲናላት ዕልት 26 ንኸበግሱ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካርዲናላት ናይ እምነት ናጽነትን ውህበት ሰላምን ከስተንትኑ ብምዕዳም፡ ውግእ ንደቂ ሰባት ዝበቅዕ ኣይኮነን፣ ብእግዚኣብሔር ድማ ፈጺሙ ኣይባረኽን እዩ" ዝብል ሓሳብ ከምዘስመሩሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝጸውዕዎ ካብ ዕለት 26 - 27 ሰነ ኣብ ቫቲካን ኣብዚ እዋን እዚ ንቤተ ክርስቲያንን ዓለምን ዝምልከት ጉዳያት ዘስተንትን ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት መኽፈቲ ዕለት 26 ሰነ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን እቲ ፍሉይ ጉባኤ ካርዲናላት ዕለት 29 ሰነ ብኽብሪ ኣብ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ብዝዓርግ መስዋዕተ ቅዳሴ ክዛዘም እውን ምዃኑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ስብከቶም ንጉባኤ ካርዲናላት ህይወት ዝህብ እቲ "ኣነ ናይ ሓቂ ጕንዲ ወይኒ እየ" (ዮሓ. 15, 1) ዝብል ክርስቶስ ባዕሉ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ዝተኣወጀ:

"ወንጌል ባዕሉ ፍረ ንኽፈሪ መሬት የዳልው፡ ኣባይ ጽንዑ ኣነውን ኣባኻትኩም (ዮሃ 15፡4)" ዝብል ቃል ወንጌል ጠቒሶም ብምምልካት፡ ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ንመመያ ዝሕግዙ ሰለስተ መሪሕ መትከላት  ማለት ኣብ ሓቀይና ናጽነት እምነት ምክፋል: ህያብ ሰላም ብሓድነት ምሕታት: ከምኡውን ብተኣዛዝነት ስኒት ምሕቋፍ ዝብሉ ኣርእስታት እንከስተንትኑ፡ "ንኣምላኽ ብርታዐን ጥበብን ኪህበና ኽንልምኖ ኸለና ጉባኤና ኣብ ድሮ በዓል ቅዱሳን ሃዋርያ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኪፍጸም ኣገዳሲ እዩ። እምበኣር ነዞም ክልተ ኣዕኑድ ናይ ሮማ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ነቶም ስብከቶም ምስ ህይወቶም ሓደ ዝገበሩን ክፍሊ ቅዱሳት ጽሑፋት ክሳዕ ንምዃን ዝበቕዑ ክልተ ልኡካነ ወንጌልን ሰማእታትን ንምዝካር ሓንሳእ ደው ንበል" እንክብሉ ንመላእ ካርዲናላት ከም ዝዓደሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

እቲ ሓቀይና ናይ እምነት ናጽነት

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት መጀመርያ ንካርዲናላት ብኣብነት ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን፡ ንኣመንቲ "ኣብቲ ሓቀይና ናጽነት እምነት ክካፍሉ" ብምትብባዕ፡ "ልክዕ ምስ ጎይታ ኢየሱስ ዘለና ርክብ እዩ ካብ ሓጢኣትን ፍርሕን ሓራ ዘውጽኣና። ከምቲ ንሱ ክንስዕቦ ዝጽውዓና ከም ተካእቲ ሓዋርያት ናብ ዓለም ይልእኸና።

"እምነት እታ ንቤተ ክርስቲያን ሕይወት እትህባ ሓንቲ ካብተን መንፈሳዊ ሓይላት እያ - ፈጺማ ከም ንቡር ዘይትውሰድ - ንጨናፍር ናይታ ሓንቲ ጉንዲ ወይኒ እትምግብ ጸጋ እያ። ህያው ቤተ ክርስቲያን እታ ኣብ ልብና ብዝፈሰሰ ውህበት መንፈስ ቅዱስ እትኣምን ቤተ ክርስቲያን እያ። እዛ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብዙሕ ፍረ ተፈሪ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ህያብ ሰላም ኣብ ሓድነት

ካልኣይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንካርዲናላት "ህያብ ሰላም ብሓድነት" ክሓቱ ዓዲሞም፡ ንደቂ ሰባት ዝጸሉ ብዙሕ ግርጭታት ኣብ ዘስተንትነሉ እዋን "ኲናት ንደቂ ሰባት ፈጺሙ ዝበቅዕ ኣይኮነን፡ ብኣምላኽ ድማ ፈጺሙ ኣይባረኽን እዩ፡ ምኽንያቱ፡ ዋላ'ውን ብዝለዓለ እደ ጥበባዊ ኣጽዋር እንተተዓጠቕና፡ ፈጣሪ ከም ኣራዊት ዘይኮነስ ከም ደቂ ሰባት ግርጭታት ንምፍታሕ ልሕን ናጻ ድሌትን ሂቡና'ዩ" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ "ሰላም ናይ ፍትሒ ግዴታ እዩ ምኽንያቱ ንሕና ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራቤት ኢና፡ ድሕነቱ ኣብ ክርስቶስ ዝረኸበ ግሩም ሰብኣውነት - magnifica humanitas  ኢና - ቢሎም - ነዚ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ቀዳመይ ዓዋዲ መልእኽቶም ብምጥቓስን፡ ንትምህርቲ ቅዱስ ጳውሎስ ሻድሻይ ብምዝካርን ፍትሕን ልግስን ኣጸቢቑ ዝተኣሳሰረሉ "ስልጣነ ፍቕሪ" ኣብ ምህናጽ ጽንዓት ክግበር ኣተባቢዖም፡ "ወንጌል ኣብ እትእውጀሉ እዋን፡ ኣብ መንጎ ሓጎስን ስደትን፡ ቤተ ክርስቲያን ንኩሉ ስለ ዝኾነት፡ ፈጺማ ወገናዊት ኣይኮነትን፡ ንነፍሲ ወከፎም ድማ ሓደ ዓይነት መልእኽቲ ምልዋጥን ድሕነትን እያ እተቕርብ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስኒት ብተኣዛዝነት

ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንካርዲናላት "ብተኣዛዝነት ዝፍጠር ስኒት" ክሕቆፉ ዓዲሞም ተኣዝዞ "ንህያብ ምእንታና ስጋ ዝኾነ ቃል ዘስተውዕል ምስማዕ" እንክብሉ ድማ ገሊጾም፡ በዚ ትኩር ምስማዕ ኣቢሉ ድማ "መንፈስ ቅዱስ ይመርሓና፣ ናይ ጉስነት ብድሆታትን ዕድላትን የመልክት፣ ዕላማና የጽርዮ፣ ካብቲ ናይ ሓባር መንገድና ዝወጽእ ዘበለ ድማ ይእርመና።” ብፍላይ ድማ "ኩሉ ሰብ ብሓድነት እምነት፡ ሰላም ኣብ ምድንፋዕን ንኢየሱስ ህያው ቃል ብምእዛዝን ንቕድሚት ክስጉም ዝዕድም" ሲኖዳውነት ቀጻሊ ኣተገባብራ ብምግላሕ - ቢሎም - "ብጉባእያዊ መንገዲ ብሓባር ምስራሕ ነቲ ኩሎም ዝተጠመቑ ኣብ ሓድነት ሕዝበ እግዚኣብሔር ዝሳተፍሉ ሲኖዳውነት ዘንጸባርቕ እዩ። ሲኖዳውነትን ጉባእያውነትን ብሓቂ መልክዓት ክርስትያናዊ ሕውነት እዮም፣ እዚ ድማ ከም ዝተጠመቑን ከም ጳጳሳትን ብሓባር ዘራኽበና እዩ” እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

26 Jun 2026, 16:57