ር. ሊ. ጳ.፦ “ፍቕሪ፣ ምፍላይን ምስኣንን እንግዶትን የጠቓልል!”

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሓለፈ ሰንበት ልክዕ ፍርቂ መዓልቲ፣ ምስቶም ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ እተረኽቡ ነጋድያንን ምንፈሳውይን በጽሕትን ናይ ፍቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚብሔር ኣዕሪጐም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል (ማቴ 10፡ 37-42) ምርኩር ብምግባር፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብዛዕባ እቲ ወደ መዝሙር ንምዃን ዘድሊ ብቕዓትን፣ ምሉእ ብምሉእ ምስኡ ፍቕራዊ ርክብ ምምስራት ማለት፣ እንታይ ማለት ምዃኑን ኣምልኪቱ ንዘስተምሃሮ ቃል ጠቒሶም ኣስተንተኑ።

ፍቕሪ ምፍላይን ምስኣንን ከምኡ ውን እንግዶት ዝሓትት ምዃኑ ውን ገሊጾም።

ቅዱስነቶም ኣብ ኣስተንትኖኦም፣ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከም ዝገለጾ፣ እቲ ክስዕቦ ዝደሊ ከምቲ ንወለዱ ሓዲጉ ዝኸይድ ጐበዝ ከም ዝመስል፣ ብኣብነት ከም ዘስተምሃረ እውን ዘኪሮም።

እዚ ኣብ ርክባትና ዘሎ ምፍላይ፣ በቲ ክርስቶስ ዝሃበና ፍቕሪ ጥራይ እዩ ምሉእ ብምሉእ ክንፍጽሞ እንኽእል ድማ በሉ።

ብዛዕባ "ሕይወት ሓዳር እስከ ንሕሰብ" ቢሎም ድማ፣ "ምሉእ ብምሉእ ክንበር ዝከኣል ህይወት ሓዳር፣ ካብ ቤተ ሰብካ 'ምውጻእ' ዝሓትት ኢዩ” ክብሉ እውን ኣስመሩሉ።

እዚ ኸምዚ ኢሉ ኸሎ፣ ወለዲ ንደቆም 'ብኽልተ ኣእጋሮም ደው ክብሉን፣' ኣብ ህይወቶም ዕግበትን ሓጐስን ኪረኽቡ ብምምሃር ኬዕብይዎም ኣለዎም ክብሉ እውን ተላበዉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም፣ ሓደ ኣገዳሲ መዳይ ፍቕሪ ምስኣን እኳ እንተ ዀነ፣ ዋላ እውን ኣብ ዓለምና ንምርዳኡ ኣጸጋሚ እኳ እንተ ዀነ፣ ኣብ ዋንነት እተዋሕጠ እዩ ዚመስል ክብሉ ውን ገለጽዎ።

ከምዚ ድማ በሉ፦ "ፍቕሪ ፍረ እትፈሪ፣ ንገዛእ ርእስና ብምፋይ ጥራይ እያ፣ ንኻልእ ቦታ ንምሃብ ገዛእ ርእስና በጃ ካልኦት ኣሕሊፍና ክንህብን፣ ነቲ ፈታዊና ንምስማዕ ቍሩብ ግዜ ከነወፍን፣ ኣብ ግዜ ጸበባ ድማ ቍሩብ ንምጽንናዕ ካልኦት ካብታ ዘላትና ክንካፈል እንከለና ኢና" እውን በሉ።

ብተወሳኺ ውን ንጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ብሓቂ ምእንቲ ኽንረኽቦ፣ ገዛእ ርእስና ማለት ህይወትና ኣሕሊፍና ክንህብ ከም ዘሎና እውን ገሊሶም፣ እዚ ኸኣ ንሓጐስ ፍቕሪ ምእንቲ ኽንከፍት ዘኽእለና ኢዩ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ንሕና ክርስትያን ምእመናን፣ ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኽንረክብ፣ መስቀልና ክንስከም፣ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ዝገበሮ ገዛእ ርእስና ከነወፊ ተጸዊዕና ኢና ክብሉ እውን ተላበው።

"ብስነ-ኣእምሮኣዊ ውህበት ገዛእ ርእስና እንተ ደአ ክነብር ክኢልና፣ ንሕና እውን ኣብ ርክባትና ሓድሽ ህይወት ከነምጽእ ንኽእል ኢና" ድማ በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ቀጺሎም፣ ኣብ ውህበት እንግዶት ኣተኲሮም እውን ኣስተንተኑ፣ እዚ ድማ ሓቀይና ፍቕሪ ንምግላጽ ኣድላዪ ምዃኑ ኣስመሩሉ።

"ፍቕሪ ብጭቡጥ ምርጫታትን ተግባራትን ብንኣሽቱ መዓልታዊ ተወፋይነት ኢያ እትንበር፣ ማለት ከም ንዝጸምአ ሰብ ብርጭቆ ማይ ዝሑል ብምሃብ ኢያ እትግለጽ" እውን በሉ።

ልክዕ ከምቲ ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዘይ ዝኾነ ምስንዳዋት ከይዶም ክሰብኩ ዝለኣኾም፣ ንሕና እውን ንኻልኦት ንምቕባልን ንምእንጋድን ክንመሃር ኣሎና ።

"ነቶም ብስም ኢየሱስ ዚመጹ ብምቕባል፣ ንዕኡን ነቲ ዝለኣኾ ሰማያዊ ኣቦን ሓንጐፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎም" ክብሉ ድማ ኣስተንትኖኦም ደምደሙ። "ንጐይታ ዘላትና ፍቕሪ ወትሩ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን ምቕባል ዘጠቓልል ኢዩ" ድማ በሉ።

29 Jun 2026, 15:35