ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ነታ ሓዳስ መጽሓፍ እንከንብቡ ዘርኢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን 14 ነታ ሓዳስ መጽሓፍ እንከንብቡ ዘርኢ  (@Vatican Media)

“ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጸጋ”፦ ቀዳሞት ጽሑፋት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብቛንቋ እንግሊዝ ክ

እቲ “ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጸጋ” ዝተሰምየት መጽሓፍ ናይ ቋንቋ እንግሊዝ ኅታም፡ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ዕዳጋ ክውዕል ተዳልያ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ጠቅላሊ ላዕለዋይ ሓለቃ ናይ ማኅበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉሉ ዓመታት ዝጸሓፍዎም ስብከታትን፡ መደረታትን፡ መልእኽታትን፡ ደብዳቤታትን ዘጠቓለለ እዩ።

ኣባ ፍሬእግዚእ በኪት - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተባሂሎም ዝብል ስም ወሲዶም ዘለዉ ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት፡ ቀዳሞት ወግዓዊ ጽሑፋቶም ዝሓዘት መጽሓፍ፡ ንመጀመሪያ ግዜ ብቛንቋ እንግሊዝ ኣብ ወርሒ መስከረም ዕለት 15 ክትኅተም እያ።

እዛ “ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጸጋ፦ ኣብቲ ዝኾስኰሰኒ መንፈሳዊ ትውፊት ዝተገብረ ኣስተንትኖ” ዝብል ኣርእስቲ ዘለዋ መጽሓፍ፡ ብኢሜጅ ቡክስ ዝተባህለ ትካል ክትኅተም እያ።

እዛ መጽሓፍ እዚኣ መጀመሪያ ብቛንቋ ኢጣልያ ብቤት ማኅተም ቫቲካን “ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጸጋ”  ብዝብል ኣርእስቲ ተኃቲማ ዝነበረት ኮይና፣ ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ካብ 2001 ክሳብ 2013 ጠቕላሊ ላዕለዋይ ሓለቃ ማኅበር ኣጐስጢኖሳውያን ኮይኖም ኣብ ዘገልገሉሉ እዋን ዘዳለዉዎም ትሕዝቶታት ዝሓዘት እያ።

እታ ብቋንቋ ጣልያን ዝተኃትመት መጽሓፍ ኣብ ኣጐስጢኖሳዊ ተቕዋም ስነ ትምህርተ አበው ናይ ምልላይ መደብ ተገሩላ ከም ዝነበረ ይዝከር። ቅድሚ ምዝርጋሓ ድማ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ተዋሂባቶም ነይራ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብዚ ሕጂ እዋን ናብ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ትትርጎም ኣላ።

እታ መጽሓፍ ብካህናት ኣጐስጢኖሳውያን ኣባ ሮኮ ሮንዛኒ፡ ኣባ ሚጌል ኣንጀል ማርቲን ያውሬዝን፡ ኣባ ማይክል ዲ ግሪጎርዮን ዝተሰናደወት ኮይና፣ ብዛዕባ ኣተሓሳስባን መንፈሳውነትን ናይቶም ጸኒሖም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝኾኑ ካህን ሓበሬታ ትህብ።



ካምቤል ዋርተን ምክትል ኣቦ መንበርን፡ ኣኅታምን ናይ ቤት ማኅተም ፐንግዊን ራንደም ሃውስ ክርስትያን ከም ዝበልዎ፡ “ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ናይዛ መጽሓፍ፡ ነቲ ውሽጣዊ መንፈሳዊ ዕምቆትን፡ ራእይን ናይቶም ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይ ዝኾኑ ዘርኢ መስኮት እዩ።”

ንሶም ወሲኾም ክገልጹ ከለዉ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ “ነቲ ኣብዚ እዋን እዚ ዓለምና ዘጋጥማ ዘሎ ብድሆታት ንምምካት፡ ህጹጽ ናይ ፍቕርን ኣገልግሎትን መልእኽቲ” ዝሓዘት እያ ይብሉ።

ዋርተን ከም ዝበልዎ፡ “ናጽነት ኣብ ትሕቲ ጸጋ” ንካቶሊካውያን ጥራይ ዘይኮነስ፡ “ንዓለም ዝልውጥ ሕይወት ንምንባር መምርሕን ተስፋን ንዝደልዩ ክርስትያን ወይ መንፈሳዊ ድልየት ዘለዎም ሰባት” ዝተዳለወት እያ።

ኣብቲ ብዕለት 6 ግንቦት 2026 ኣብ ሮማ ዝተኻየደ ናይታ ብቋንቋ ጣልያን ናይ ዝተኃትመት መላለዪ ስነ-ስርዓት፡ ጠቕላሊ ላዕለዋይ ሓለቃ ማኅበር ኣጐስጢኖሳውያ ኣባ ጆሴፍ ፋረል፡ እቲ ኣርእስቲ ካብቲ መነኮሳት “ከም ኣገልገልቲ ኣብ ትሕቲ ሕጊ ዘይኮነስ፡ ከም ናጻ ሰባት ኣብ ትሕቲ ጸጋ” ክነብሩ ዘተሓሳስብ ሕጊ ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ዝተወስደ ምዃኑ ኣዘኻኺሮም።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት፡ ዋና ጸሓፊ ቅድስቲ መንበር ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ከም ዝገለጽዎ፡ እታ መጽሓፍ ኣብ ኣተሓሳስባ ኣባ ፕረቮስት ማእከላይ ቦታ ዘለዎም፡ ናይ ኣጐስጢኖሳውያን ቴማታት ተጕልሕ። ካብዚኦም ድማ፦ ንኣምላኽ ምድላይን፡ ቀዳምነት ጸጋን፡ ተልእኾ ቤተ-ክርስትያንን፡ ኣውያት ድኻታትን፡ ንዘመናዊ ዓለም ንቅዱስ ወንጌል ብዝርድኦ ቋንቋ ናይ ምብጻሕ ኣገዳስነትን ይርከብዎም።

እዛ ብቋንቋ እንግሊዝ እትኅተም መጽሓፍ፡ ነቲ ኣባ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት ቅድሚ ከም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምምራጾም ዝነበሮም መንፈሳዊ ሱርን፡ ጕስነታዊ ራእይን፡ ሚሲዮናዊ ሓልዮትን ንኽፈልጡ ንኣንበብቲ ሰፊሕ ዕድል ክትህብ እያ።

26 Jun 2026, 12:24