ር.ሊ.ጳ. ንሓደስቲ ሊቀ ጳጳሳት ኣብ በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን 'ሕያዎት ጓሶት' ክኾኑ ይዕድሙ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 29 ሰነ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ፡ ምእመናን በቶም ዋላ እኳ ጉድለት እንተሃለዎም፡ ፍሉያት መሰኻኽር ወንጌል ዝኾኑ ክልተ ቅዱሳት ሓለውቲ ከተማ ሮማ ክድረኹ ይዕድሙ። ብተወሳኺ ነቶም ቅዱስ ኣክሚም ዝቕበሉ ሓደስቲ ሜጥሮጶሊሳውያን ሊቀ ጳጳሳት ንጐይታ ክመስሉን ነቶም ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ምእመናን ሕያዎት ጓሶት ክኾኑን ይዕድሙ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

"ሎሚ ንዓና ናብዞም ክልተ ቅዱሳን - ጴጥሮስን ጳውሎስን ምጥማት ኣገዳሲ እዩ፡ ንሕና ብግዴና ከመይ ጌርና ሓዋርያትን ሓነጽቲ ሓድነትን፡ ከምኡ'ውን ብፍቕሪ ለጋሳት ኣገልገልቲ ሓቂ ክንከውን ከም እንኽእል ንምርዳእ እዩ" ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ነዚ መዘኻኸሪ እዚ ዘቕረቡዎ ዕለት 29 ሰነ ቅድሚ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ዓመታዊ ክብረ በዓል ንቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ሓለውቲ ከተማ ሮማ ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ መስዋእተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት ክኸውን እንከሎ፡ ቅዱስነቶም ኣብ እዋን ቅዳሴ ንሓደስቲ ሜጥሮጶሊሳውያን ሊቀ ጳጳሳት ቡራኬን ቅዱስ ኣክሚምን ከም ዝሃቡ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ክልተ ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን

ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ብዛዕባ ሓላዊ ቅዱሳን ናይ ከተማን ርእሰ ሰበኻታት ሮማን እንከስተንትኑ፡ ጴጥሮስ ብኢየሱስ ጓሳ መጓሰኡ ክኸውን ከም ዝተሓረየ፡ ጳውሎስ ድማ ሓዋርያ ኣህዛብ ኮይኑ ከም ዝተመርጸ ኣዘኻኺሮም፡ "ኣብኦም ንኽልተ ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ነኽብር - ቢሎም - ፈለማ ናብ ጴጥሮስ ምልስ ቢሎም፡ እቲ ቐዳማይ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን ምክፍፋልን ህውከትን እውን ከይተረፈ ሓድነትን ሕብረትን ከም ዘማዕበለ የዘኻኽሩ።

ጴጥሮስ ፍጹም ኣይነበረን

እዚ ዕብየት እዚ ግን "ጴጥሮስ ፍጹም እዩ ማለት ኣይኮነን" እንክብሉ ኣስተብሂሎም፡ ብርግጽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ እዋን ስቅያት ጴጥሮስ ነቲ መምህር ከም ዝኸሓዶን ድሒሩ ጥራይ ናይ ንስሓ ልባዊ ንብዓት ከም ዘፍሰሰን ብምዝካር እዩ። ጳውሎስ ባዕሉ ኣብ ዝተፈላለየ ኩነታት ንጴጥሮስ ገለ ካብ ተግባራቱ ይሰማማዓሉ ስለ ዘይነበረ ድማ ከም ዝገነሖን፡ "ግናኸ ጴጥሮስ ንጌጋታቱ ኣፍልጦ ብምሃብ ንስሓ ገይሩ ተስፋ ከይቆረጸ ኣብቲ ወንጌል ንምእዋጅን መጓሰ ክርስቶስ ንምእካብን ዝተወሃቦ ተልእኾ ከይቦኸረ፡ ክሳብ ሰማዕትነት - እዚ ዕጫ እዚ ኣብዚ ኣብ ሮማ፡ ካብቲ ዝተኣከብናሉ ቦታ ብዙሕ ዘይርሕቕ እዩ ዝተፈጸመ - ቢሎም - ጴጥሮስ፣ ኣብ መወዳእታ ነቲ ብጐይታ ብሓላፍነት ዝተዋህቦ ተልእኾ ሓቚፉ፣ "ብሓገዙ፣ ድምጺ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ክሰምዕ፤ ኣስተንፍሶ እናመመየ መንገዲ ኣብ ምምራሕ፤ ጌጋታት ምእራም፤ ንኣሕዋትናን ኣሓትናን፣ ንተግባር ሓደ መንፈስ ተኣዚዞም፣ ኣብ ምድሓን ሓድሕዶምን ኩሉ ሰብኣውነትን ክተሓባበሩ ምምሃር፣ ምትብባዕ፣ ምምዕዳውን ምስናይን እዩ።"

ኣብነት ጴጥሮስ "ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ሃናጺ ሓድነት ክኸውን ዝዕድም እዩ፡ ንኣምላኽ ኣብ ማእከል ሕይወትካ ኣቐሚጥካ ናብ ኣሕዋትካን ኣሓትካን ንኹነታቶምን ድሌታቶምን ኣቓልቦ ብምግባርን ቀረባ ክኸውንን" ምእንቲ "እቲ መልእኽቲ ምሉእ ብምሉእ ክእወጅ፡ ምስ ሓድሕድና ብምትሕልላይ ክንነብር ክንመሃር" እንክብሉ የጉልሑ።

ንልቢ መንእሰይ ሳኦል ዝሰዓረ ኣምላኽ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣስዒቦም "እዚ’ውን ትምህርቲ ናይቲ ሎሚ እነብዕሎ ዘሎና ካልእ ዓቢ ሃዋርያን ዘይሕለል ኣብሳሪ ሓድሽ ቃል ብስራት እዩ።" እግዚኣብሔር ኣብ ልቢ እቲ መንእሰይ ሳኦል ዘደንቕ ነገር ይፍጽም፡ ቅድም ናብ ወንጌላዊ ምልዋጥ ኣምጺኡ ሓድሽ ስም ይህቦ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ መላእ ዓለም ክእውጅ ለኣኾ። ከም ጴጥሮስ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፡ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብዛ ከተማ እዚኣ ክሳብ ሕይወቱ ኣሕሊፉ ዝህብ ብዛዕባ ወንጌል ዝመስከረ እዩ።

"ሃዋርያ ኣህዛብ፡ ብሓይሊ ቃል ኣምላኽ ክቕየር ፈቒዱ፡ እዚ እዩ ድማ ካብ መንገዲ ዓመጽ ኣድሒኑ ናብ መንገዲ ፍቕሪ ዘብጽሖ።” ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ብዛዕባ ምልዋጥን ተልእኾን ጳውሎስ ኣብ ዝሃቦ ኣስተንትኖ "እግዚኣብሄር ንኣሳዳዲ ቤተ ክርስቲያን ወሲዱ ልኡኽ ሰላም ገበሮ" ብምባል ንኹሉ ሓጢኣቱ ይቕረ ብምባል ሓጢኣት ካልኦት ክሕደገሎም ኣብ ዘኽእሎ ኣገልግሎት ከም ዘቐመጦ የዘካኽሩ።

ሓደስቲ ሊቀ ጳጳሳት ገንሸል መጓሰ ጐይታ ብሓላፍነት ዝተዋህቦም

ናብዞም ቅዱሳን ምጥማት፡ ከመይ ጌርና ሓድነት ከነስፍሕን ንሓቂ ብሰናይ ተግባር ናይ ምግልግላ ተኽእሎ ክህልወና ክሃንጸና ከም ዝኽእል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓሳብ ኣቕሪቦም፡ በዚ መንፈስ እዚ፡ ነቲ ጥንታውን ልቢ ዝትንክፍ ስርዓት ምሃብ ኣክሚም ሓደስቲ ሜጥሮጶሊሳውያን ሊቀ ጳጳሳት ክፍጽሙ ምዃኖም ድማ ብምሕባር "እዞም ብመስቀል ዝተሰለሙ ኣክሚም ብሓቂ ንነፍሲ ወከፍ ጓሳ - ከምኡ'ውን ናይ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን - ከም ብዙሓት ገንሸላት መጓሰ ጐይታ ብሓላፍነት ዝተዋህቦም ኣሕዋትን ኣሓትን ኣብ መንኵቦም ሒዞም ጉልበቶምን ግዜኦምን ጻዕሮምን ህይወቶምን ከይተረፈ ምእንታኦም ክስውኡን ዘለዎም ተወፋይነት ዝገልጹ እዮም። ኣብ ሕመረት እዚ ገዛእ ርእስካ በጃ ምግባር እዚ "ወንጌል ንዅሉ ሰብ ኪበጽሖ ብምልእታ ዓለም ከኣ ኣብኡ ስኒትን ስምምዕን ክትረክብ" ዚብል ባህጊ እዩ - ቢሎም - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብተወሳኺ ነዚ ስምዒት እዚ ነቶም ኣብኡ እተኣከቡ ኣባላት ልኡኽ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብሓጐስ ሰላምታ ከም ዘቕርቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ቅዱስ ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ኣሰር መድሓኒና ኣብ እንገብሮ ጉዕዞ ይደግፉና

ኣብ መወዳእታ ቅዱስ ኣቦና "ንቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ኣብ ኣሰር መድሓኒና ኣብ ናይ ሕብረት ጉዕዞና ክድግፉና ንጸሊ! እዚ መንገዲ እዚ "ጎይታ ኣብ መወዳእታ ድራር ናብ ኣቦ ዝጸለየሉን ብተኣማንነት ተስፋ ክንምነዮ ዝመሃረና ዕላማን እዩ" እንክብሉ ዝለገስዎ ስብከት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

30 Jun 2026, 16:14