ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሕቲ ኣህጉር ሲኖዶስ የተባብዑ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሕቲ ኣህጉር ሲኖዶስ የተባብዑ  (@VATICAN MEDIA)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ንመራሕቲ ኣህጉር ሲኖዶስ የተባብዑ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ መራሕቲ ኣህጉራውያን ኣካላት ሲኖዶስ ብዛዕባ ኣተገባብራ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ዘውጸኦ ናይ ፍጻመ ሰነድ ናብ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ 2028 ዝወስድ መንገድን ኣብ ዘስተንትኑሉ እዋን ተራኺቦም ቃለ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ምስ ሓለፍቲ ኣህጉራዊ ኣካላት ሲኖዶስ ኣብ መዛዘሚ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ኣፈጻጽማ ምዕራፍ ሲኖዶስ ዝተወፈየ ካብ 23-25 ሰነ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ብውልቂ ተራኺቦም፡ ነቶም ካብ ላቲን ኣመሪካ፡ ኣፍሪቃ፡ እስያ፡ ኤውሮጳ፡ ኦቻይናን፡ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣመሪካን ዝመጹ ወከልቲ፡ ብኣተሓባበርቲ ኣህጉራዊ ሲኖዳውነት ጉጅለታት ተሰንዮም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ዝተሳተፉ ዝለገስዎ ቃለ ምዕዳንን ርክብን፡ ናይ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ማሪዮ ግሬች “ንተሳተፍቲ “ንሲኖዳውነት ምልዋጥ ቤተ ክርስቲያን” ስርሖም ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን “ሓያል ምልክት ደገፍን ምትብባዕን” እንክብሉ ንዜና ቫቲካን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ የስተብህሉ።

ዕለት 23 ሰነ ነቲ ዓውደ ጉባኤ መኽፈቲ ናይ ጳጳሳቲ ሲኖዶስ ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ግሬች ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ብዛዕባ እቲ ናብ ቤተ ክርስቲያናዊ ጉባኤ 2028 ዝወስድ ጉዕዞ ሓጺር ገምጋም ኣቕሪቦም፣ ፍሉይ ባህሪ ናይዚ ሕጂ ዘሎ መስርሕ ድማ ከም ዘዘካኸሩ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡  ካርዲናል ግረች ድሮ ብናይ ከባቢ ኣብያተ ክርስቲያናት ምእመናን ንምስታፍ ዝወሰድኦ ብዙሕ ተበግሶታት ኣስተብሂሎም፣ እዚ ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ሲኖዳውነት፣ መደባት ምቛም፣ ዓውደ መጽናዕታትን ዋዕላታትን መስርሕ ምስማዕን ምስትውዓልን ይርከብዎም።

ካርዲናል ግረች ንተጋባእያን ሰላምታ ቅድሚ ምቕራቦም እናቴ ናታሊ ቤክዋርት፡ XMCJ፡ ምክትል ሓፈሻዊ ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዝተመረሐ ናይ ጸሎት መደብ ምክንያዱ ኣፍሊጡ።

ምስማዕን መመያን

እተን ዝቐጸላ መዓልታት ኣብዚ “ሓድሽ” ናይ ሲኖዳውነት ግዜ ንምስማዕን ንመመያን ዝተወፈያ ከም ዝነበራን

ኣብ ናይ መወዳእታ ሰነድ ናይ መበል 16 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ዘማእከለ ምዕራፍ ኣፈጻጽማ፡ ተራ ምድግጋም ናይቲ ቅድመ ጉባኤ መስርሕ ዘይኮነስ፡ እንታይ ደኣ፡ ማሕበረሰባት ከባቢ፡ ነቲ ናይ ሲኖዶስ ሰነድ ለበዋታት ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ኵነታት ንምትርጓም ዝጽውዓሉ ሓድሽ መስርሕ ኮይኑ፡ ተሳተፍቲ ኣብ መላእ ኣህጉራት ኣብ ኣተገባብራ ናይቲ ናይ መወዳእታ ሰነድ ቀንዲ ምዕባለታት ኣካፊሎም፣ እዚ ድማ ርኡይ ተመኩሮታት፣ ጸገማት፣ ክፉት ሕቶታትን ቀዳምነታት ጉስነትን ዘጠቓልል ምንባሩ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ የረጋግጽ።

ናብ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ 2028

ኣብ ሕመረት ናይቲ ኣኼባ ኣስተንትኖ ኣብቲ ብኣባ ጃኮሞ ኮስታ፡ ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ሲኖዶስ፡

እቲ ናብ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ጥቅምቲ 2028 ዝወስድ መንገዲ ብኣርባዕተ ገስጋሲ መድረኻት ዝምልከት ኮይኑ

ቀዳማይ መድረኽ “ምዝካር” ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመት 2027 ክካየድ እዩ፣ ኣብ ሰበኻታትን ኤጳርቅናታትን ናይ ገምጋም ኣኼባታት ክካየድ እዩ።

እቲ ካልኣይ "ምትርጓም" ኣብ ካልኣይ መፋርቕ 2027 ብሃገራዊ ይኹን ዞባዊ ጉባኤ ጳጳሳት ኣቢሉ ዝካየድ መደብ እዩ።

እቲ ሳልሳይ “ኣንፈት ምምራሕ” ኣብ ቀዳሞት ኣርባዕተ ኣዋርሕ 2028 ዝካየድ ኮይኑ፡ ኣህጉራዊ ኣኼባታት ብምክያድ፡ ኣረኣእያ ዘለዎ ጸብጻብ ከዳልዉ እዮም።

ናይ መወዳእታ መድረኽ “ምጽንባል” ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2028 ብናይ መላእ ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ኣብ ቫቲካን ብመርሕነት ቅዱስ ኣቦና ክዛዘም እዩ።

እቶም ተሳተፍቲ ግደ ኣህጉራውያን ኣካላትን ጕጅለታቶምን ልዕሊ ዅሉ ኣብ ምቍጽጻር ዘይኰነስ ንምስናይ ምዃኑ ኣጒሊሖም፡ ዕዮኦም ኣብ መንጎ ኣብያተ - ክርስትያን ናይ ሓቂ ደገፍ መንፈስ ህያባት ምልውዋጥ ምትብባዕ እዩ። ብተወሳኺ ካብ ናይ ከባብያዊ ኣብያተ ክርስቲያናት ጀሚሩ ክሳብ ናይ 2028 ዓቕለሲያዊ ጉባኤ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤታት፡ ኣብ ጉዕዞ ሲኖዳውነት ምልዋጥ ቤተ ክርስቲያን መወዳእታ ነጥቢ ዘይኮነስ፡ ከመይ ጌርካ ከም እትቕጽል ንምርዳእ ናይ ጽምብልን መመያን ግዜ ምዃኑ’ውን ከም ዘስመሩሉ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናፍን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ዝጠቐሰ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

27 Jun 2026, 17:25