ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብርእደ መሬት ዝሞቱ ቍጽሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንቬንዙዌላ ይጽልዩ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብርእደ መሬት ዝሞቱ ቍጽሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንቬንዙዌላ ይጽልዩ  (AFP or licensors)

ር.ሊ.ጳ. ልዮን ብርእደ መሬት ዝሞቱ ቍጽሪ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ንቬንዙዌላ ይጽልዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ክልተ ሳዕ ብዘጋጠመ ርእደ መሬት ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ሰባት ብዝሒ ኣዝዩ እናወሰኸ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን፡ ንህዝቢ ቬንዙዌላ ቀርበቶምን ጸሎቶም ኣረጋጊጾም ምእንቲ ህዝቢ ቬንዙዌ ክጽለ ድማ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲክን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገር ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ሰንበት ፍርቂ መዓልቲ ዕለት 28 ሰነ ድሕሪ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣብ ዘስምዕዎ ቃል፡ ምስታ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ክልተ ተኸታታሊ ዓበይቲ ርእደ መሬት ዘጋጠማ ቬንዙዌላ ዘለዎም ቅርበት ብቋንቋ ስጳይና ኣረጋጊጾም፡ ኩሉ ሰብ ምስኦም ሓቢሩ ብዛዕባ ግዳያትን ስድራቤቶምን ከምኡ’ውን ንዕዮ ሰራሕተይናታት ኣድሕን ህይወትን ክጽሊ ዓዲሞም፡ "ኣብ ቀረባ እዋን ብዘጋጠመ ብርክት ዝበሉ ግዳያትን ጉድኣትን ከምኡ'ውን ዓቢ ንዋታዊ ዕንወትን ዘስዓበ ርእደ መሬት ንዘጋጠማ ቬንዙዌላን ኣሓትን ኣሕዋትን  ቬንዙዌላውያን ቅርበተይ ክገልጽ እደሊ - ቢሎም - ጎይታ ነቶም ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞም ድማ ዘለኣለማዊ ዕረፍቲ ክህቦም ንጸሊ፡ ምስ ስድርኦምን ምስቶም ዝተጎድኡን ምስቶም በዚ መዓት ዝተሃሰዩን ዘሎኒ መንፈሳዊ ቅርበት አሐድስ። ማዕረ ማዕሪኡ ድማ ነቶም ብለጋስ ጻዕርታት ምድላይን ምድሓንን ህይወት ዘካይዱ ዘለዉ ምስጋናይን ደገፈይን አረጋግጽ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናይቲ ዕለት 27 ሰነ ድሕሪ ቐትሪ ፍሉይ ዓውደ ኣኼባኡ ዝዛዘመ ጉባኤ ካርዲናላት ንህዝቢ ቬንዝዌላ ዘለዎ ቅርበትን ጸሎትን ድማ ኣካፊሎም፡ "ስለቶም ግዳያት፡ ስድራቤቶምን ኩሎም ብሳዕቤን ርእደ መሬት ዝሳቐዩ ዘለዉን ጸሎትና ነረጋግጽ፡ ሕብረት ማሕበረሰብ ዓለም ኣብ ልዕሊ እቲ ክቡር ህዝቢ ከይጎድል እምሕጸን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ብዘይ ምቁራጽ ዘገልግሉ ዘለዉ ሰራሕተይናታትን ኣድሕን ህይወት

ሰራሕተይናታት ህይወት ኣድሕን ኣብታ ሓንቲ ካብተን ኣዝየን ዝተሃስያ ግዝኣታት ላ ጓይራ፡ ነቲ ፍርስራስ ንምእላይ ከይተሓለሉ ይሰርሑ ከም ዘለዉን ቁጽሪ ዝሞቱ ቀዳም ዕለት 27 ሰነ ናብ ኣስታት 1500 ክብ ክብል እንከሎ፡ ዳርጋ 70 ሽሕ ሰባት ክሳብ ሕጂ ደሃዮም ከም ዘይተረኽበ ይንገር። እቲ ዕለት 25 ሰነ ኣብቲ ከባቢ 7.2ን 7.5ን ዝዓቐኑ ርእደ መሬት ክም ዘጋጠመ ምስ ተሓበረ፡ ብኡ ንብኡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንግዳያትን ስድራቤቶምን ንምሕጋዝ ናይ መጀመርታ 100 ሽሕ ኤውሮ ሓገዝ ከም ዝለኣኹን እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብመንገዲ ቤት ጽሕፈት ጳጳሳዊ ቤተ ምጽዋት ዝተላእከን ምስ ኣብ ቬንዙዌላ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኣልበርቶ ኦርቴጋ ማርቲንን ናይ ካራካስ ሊቀ ጳጳሳት ራውል ቢዮርድ ካስቲሎን ዝተዋደደ እውን ምንባሩ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ ኣብ መላእ ሃገር ዝርከብ ካቶሊካዊ ማሕበረሰባትን ግብረ ሰናይ ማሕበራትን ካብ ቤቶምን መነባብሮኦምን ዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ንምዕቋብን ብናይ ከባቢ ጨንፈር ካሪታስ - ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ግብረ ሰናይ መርበባት ኣቢሎም ህጹጽ ሓገዝ ንምሃብን ብራት ህንጻታት ቁምስናታት ክፉት ከም ዝገበሩ  ኣፍሊጡ።

29 Jun 2026, 15:59