ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብታ ርደ መሬት ዘጋጠማ ቬንዙዌላ ሓገዝ ይልእኹ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብታ ርደ መሬት ዘጋጠማ ቬንዙዌላ ሓገዝ ይልእኹ  (AFP or licensors)

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ናብታ ርደ መሬት ዘጋጠማ ቬንዙዌላ ሓገዝ ይልእኹ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብውሕዱ 164 ሰባት ዝቐተለ ሰፊሕ ዕንወት ዝገደፈን ኣዕናዊ ርእደ መሬት ስዒቡ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ናይ መጀመርታ 100 ሽሕ ዩሮ ዝግመት ህጹጽ ሓገዝ ናብ ቬንዙዌላ ከም ዝለኣኹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብ ቬንዙዌላ ኣብ ሓደ ለይቲ ክልተ ድሕሪ ዘጋጠመ ብርቱዕ ርእደ መሬት፡ ልዕሊ 150 ሰባት ከምዝሞቱን ብዙሓት ካልኦት ከምዝቖሰሉን ማእለያ ዘይብሎም ካልኦት ድማ ተዓጽዮም ከምዘለዉን ይግመት።

ጻዕርታት ኣድሕን ህይወት ይቕጽልን ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ሓደጋ ክቕልቀል ኣብ ዝጅምረሉ ዘሎ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ብመጀመርታ ህጹጽ ወፈያ ሚእቲ ሽሕ ዩሮ ብመንገዲ ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ምጽዋት ኣቢሎም ከም ዝለኣኹ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፡

ቅድስቲ መንበር ኣብ ቨነዝወላ ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ሓዋርያዊ ልኡኽ ሊቀ ጳጳሳት ኣልበርቶ ኦርቴጋ ማርቲንን ናይ ካራካስ ሊቀ ጳጳሳት ራውል ቢዮርድ ካስቲዮን ዝተዋደደ ቀዳማይ ናይ ሓገዝ ስጉምቲ ጥራይ ምዃኑን፡ ነቲ ብናይቲ ከባቢ ቤተ ክርስቲያን ዝተለለየ ድሌታት ንምምላስ ተወሳኺ ሓገዝ ክስዕብ ከም ዝኾነን፡ ኣበርክቶ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መላእ ሃገር ዝርከቡ ካቶሊካውያን ማሕበረሰባት ንዝተመዛበሉ ኣባይቲ ስድራ ንምጽላል ህንጻታት ሰበኻታት ኣብ ዝኸፍቱሉን ብናይ ከባቢ ጨንፈር ካሪታስ - ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት መርበባት ኣቢሎም ህጹጽ ሓገዝ ኣብ ዝውድቡሉን እዋን ዝበጸሐ ምዃኑ የመላኽት።

ጉጅለታት ኣድሕን ህይወት ድሕሪ እቲ ዕለት 24 ሰነ ምሸት ዘጋጠመ ርእደ መሬት፡ 7.2ን 7.5ን ዝዓቐኑ፡ ኣብ ዝፈረሱ ብዙሓት ህንጻታት ትሕቲ ፍርስራት ዝተቐብሩን ሃለዋቶም ዘይፍለጥን ዝቖሰሉን ናይ ሞት ሓደጋ ዘጋጠሞምን ኣብ ምድላይ ከም እተዋፈሩን ኣብ ካራካስ ዝርከብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ሲሞን ቦሊቫር ከም እተዓጸወን እቲ ዝኸፍአ ዕንወት ድማ ኣብታ ካብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኣብ ሸነኽ ሰሜን ገማግም ባሕሪ እትርከብ ግዝኣት ላ ጓይራ ከምዝተራእየን፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተታት ህንጻታት ከምዝዓነወ ክንገር እንከሎ፡

ሰብመዚ ብውሕዱ 164 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት ሓደ ሽሕ ድማ ከምዝቖሰሉ እኳ እንተገለጹ፡ ረድኤት ዝህቡ ሰባት ነቲ ፍርስራስ ንምእላይ ኣብ ዝቕጽሉሉ ዘለዉ እዋን እቲ ቁጽሪ ክውስኽ ከም ዝኽእል ሓቢሮም፡ እቲ ርእደ መሬት ክሳብ ኮሎምብያ ከም እተሰምዐ ዜና ቫቲካን ምንጭታት ቨነዝወላ ጠቒሱ ይሕብር።

ርእሰ ብሔር ደልሲ ሮድሪገዝ፡ ሃገራዊ ኩነታት ሓደጋን ህጹጽ እዋንን ከም ዝኣወጀትን ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዲዮስዳዶ ካቤዮ፡ መሃንድሳት ምርግጋእ ወሳኒ ትሕተ - ቅርጺ ኣብ ዝግምግሙሉ ዘለውሉ እዋን፡ ነበርቲ ኣብ ደገ ኮይኖም ካብቲ በቲ ዘጋጠመ ርእደ መሬት ዝተጎድአን መጠነይና ዕንወት ካብ ዝገጣሞም ህንጻታት ክርሓቑ ከም ዘተሓሳሰበ ምንጭታት ሓበሬታ ቨነዝወላ ዝተቐሰ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ እቲ ጉድኣት ሰፊሕን ከቢድን እዩ። ኣብ ናይ ካራካስ ካቴድራልን ሓያሎ ቁምስናታትን ሓዊሱ ኣብያተ ክርስቲያንን ቅርጻዎ ዕንወት ከም ዘጋጠመን፡ ኣባይቲ ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ካልኦት ህንጻታት ቤተክርስትያንን እውን ከም እተሃሰየን፡ መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ኣባይቶም ዝሰኣኑ መጽለልን መግብን ጉስነትን ምሃብ ይቕጽሉ ከም ዘለዉን

ጉጅለታት ምድላይን ኣድሕን ህየውትን ኣብ ትሕቲ እቲ ፍርስራስ ዝያዳ ዝደሓኑ ሰባት ክረኽቡ ተስፋ ብምግባር ምስ ግዜ ኣብ ዝረባረባሉ ዘለዋ እዋን፡ ካብ መላእ ኣሜሪካን ኪኖኡን ኣህጉራዊ ሓገዝ ድሮ ናብ ቨነዝወላ ክኣቱ ከም ዝጀመረ የረጋግጽ።

26 Jun 2026, 16:56