ሰነዳዊት ፊልም፣ "ልዮን ኣብ ሮማ"

ኣሰናዳኢ ናይታ “ልዮ ኣብ ሮማ” ዘርእስታ ሰናዳዊት ፊል፣ ዳይረክተር ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት መራኸቢ ብዙሓን ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር፣ ነዛ ሓዳስ በዚ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት እሰናደወት ሰናዳዊት ፊል የቕርብ፣ ብዛዕባ እዛ ሓዳስ ፊልም ኣብ ዘካየዶ ቃለ መሕትት ድማ፣ መዛግብትን ስእልታትን ዝሓዘት ምዃና የመላኽት። እዛ ሰነዳዊት ፊልም እዚኣ፣ ነቲ ሮበርት ፍራንሲስ ፕረቮስት (ሕጂ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14)፣ ኣብዛ መዲና ክርስትና ዝኾነት ከተማ ሮማ ዘሕለፍዎ ዓመታት እትትንትን ኢያ። እታ ፊልም ብጋዜጠኛታት ፈሊፐ ሄሬራ-ኢስፓልያት፣ ሳልቫቶሬ ቸርኑዚዮን ከምኡውን ብቲዚያና ካምፒሲን እተዳለወት ኰይና፣ ብሃይሜ ቪዝካይኖ ሃሮ ኤዲት ኰይና ቀሪባ ኣላ።
03 Jul 2026, 12:37