ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንምስባኽን ንሕብረተሰብ ንምግልጋልን ትቕጽል ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንምስባኽን ንሕብረተሰብ ንምግልጋልን ትቕጽል 

ኣብ ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ንምስባኽን ንሕብረተሰብ ንምግልጋልን ትቕጽል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመዛዘሚ ሃገራዊ ንግደት ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ንተሳተፍቲ ካብ ቅዱስ ቁርባን ምንጪ ሕዳሴን ሓድነትን ክረኽቡ የተባብዑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ቅዱስ ቁርባን ንኣሜሪካ ምንጪ ሕዳሴን ሓድነትን ኮይኑ ኣብታ ሃገር ንዘላ ቤተ ክርስቲያን ወንጌል ክትሰብኽን ንሕብረተሰብ ከተገልግልን ሓይሊ ይሃባ እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንመዛዘሚ ሃገራዊ ንግደት ቅዱስ ቁርባን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቲ ገሊጾም፡ መስዋዕቲ ቅዱስ ቍርባን እታ ሃገር “ብዘይ ምርሳዕ ወትሩ ምንጪ ክልቲኡ ምሕዳስን ሓድነትን ኮይኑ ክቕጽል ኣለዎ” እንክብሉ ኣብቲ ዕለት 5 ሓምለ እተዘርገሐ ናይ ምስማዐ ርእየተ መልእኽቶም ከም ዘስመሩሉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ በቲ ህያብ ቅዱስ ቁርባን ኣቢላ “ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ንመላእ ሕብረተሰብ እትገብሮ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ብፍላይ ኣብ መዳያት ትምህርቲ፡ ክንክን ጥዕናን መሰረታዊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ክትቅጽል ሓይሊ ክትረክብ እያ፡ ብተመሳሳሊ ግዜ ድማ ናይ ስብከተ ወንጌል ተልእኾኣ ክትቅጽል እያ” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።

ሓድነት፡ ምሕዳስን ፈውስን፡ ናብ ልቢ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝቐረቡ ዕላማታት

ሃገራዊ ንግደት ቅዱስ ቁርባን ኣብ መላእ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብመስዋዕተ ቅዳሴን መንፈሳዊ ዑደትን ካልእ ፍጻሜታትን ዝካየድ ኮይኑ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2024 ዝተበገሰ ንግደት ቅዱስ ቁርባን፡ ከም ኣካል ናይቲ ብናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት (USCCB) ተወፋይነት ንክርስቶስን ቅዱስ ቁርባን ንምሕዳስ ዝተበገሰ እውን ምዃኑ ዝዝከር ኮይኑ፡ እቲ ተመክሮ ንግደት ብድሕሪኡ ኣብ 2025 ሕጂ ድማ ኣብ 2026 ምስ መበል 250 ዓመት ናጽነታ እታ ሃገር ተጋጢሙ ከም እተፈጸመን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ መልእኽቶም ነቲ ናይ ሎሚ ዓመት ሕታም ዝተመርጸ መርሕ ቃል “ሓደ ህዝቢ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሔር ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም - እዚ ሓድነትን ሕዳሴን ፈውስን ሃገር ክኸውን ድማ ከም ዝጽልዩ ኣረጋጊጾም፡ እዚ ዕላማታት’ዚ’ውን ንልበይ ኣዚዩ ቀረባ ዝኾነ ክቡር ዋጋ እዩ። ንጐይታ ዘማእከለ ንግደት ንዝኽሪ ምምስራት እታ ሃገር ንምጽንባል ጽቡቕ መገዲ ምዃኑ ኣስሚሮም፡ ንጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ንኹሎም ኣዳለውትን ከም ዘመስገኑን “እታ ሃገር ዝኽሪ ምምስራት ምድራዊ ዓዳ ኣብ እተብዕለሉ ዘላ እዋን፡ እዚ ከም ነጋድያን ዝረኸብናዮ ተመክሮ’ውን ኣዒንትኹም ናብቲ ሰማያዊ ንምትኳር ክሕግዘኩም፡ ብተመሳሳሊ ድማ ቅዱስ ቁርባን ብዋጋ ዘይሽነን ህያብ፡ መተካእታ ዘይብሉ መግብና ምዃኑ መዘኻኸሪ ኮይኑ ከገልግል ተስፋይ እዩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ኣገዳሲ ናይ ቁርባን ቅርሲ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ ኣብ ዝርርቦም ነቲ "'ኣብ ትሕቲ ኣምላኽ' ሓድነት ዘለዎ" ከምኡውን "ቅድሚ ወግዓዊ ምምስራት እውን ከይተረፈ ንልዑላውነት ኣምላኽ ኣፍልጦ ብምሃብ እምነት ዝመልአ" ኣገዳሲ ውርሻ ቅዱስ ቍርባን ሃገሮም ዘኪሮም። ዕለት 8 መስከረም 1583 በዓል ልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ስጳይናውያን ዳህሰስትን ሰፈርትን ኣብ ሰይንት ኣጉስቲን ፍሎሪዳ ምስ በጽሑ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዝዕረጉን ድሕሪኡ ምስቶም ኣብቲ ኸባቢ ዝነበሩ ነገድ ሴሎይ በዓል ከም ዝገበሩን፡ እቲ ኣብዚ ዓመት እዚ ዚግበር ንግደት ቅዱስ ቁርባን ብትኽክል ኣብቲ ቦታ እዩ ተጀሚሩ ክንብል ንኽእል፡ "እዚ ታሪኻዊ ፍጻመ እዚ ምስ ብዙሓት ካልኦት ፍጻመታት ሓቢሩ ነቲ ድልዱል ግን ከኣ ብዓብዩ ዘይፍለጥ ውርሻ ቅዱስ ቍርባን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዘረጋግጽ ኢዩ" ብምባል ምንጪ ምሕዳስን ሓድነትን ናይታ ሃገር ክኸውን ከም ዘለዎ ኣትሪሮም ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ኣብነት ቅዱሳን ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ካብ ኣሜሪካ

ነዚ ብዝምልከት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እዚ ቅርሲ እዚ ብኸመይ ፍረ ብምፍራይ ከም ዝቐጸለ፣ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት “ብሱር በተኻዊ መንገዲ ንወንጌል” ዝመስከሩ ኣገደስቲ ቅዱሳን ኣመሪካውያን ጠቒሶም ብምምልካት፡

ንኣብነት “ነቶም ኣብ ኒውዮርክን ጆርጅያን ዘለዉ ሰማእታት፡ ቅድስቲ ካተሪ ተካክዊታ፡ ቅድስቲ ኤልሳቤት ኣን ሰቶን፡ ቅድስቲ ካታሪን ድሬክሰል፡ ቅዱስ ጆን ኖይማንን ኣብ ቀረባ እዋን ብጽእና ዝኣወጀሉ ክቡር ፉልተን ሺንን” ጠቒሶም፡ ንቅዱስቲ ፍራንሲስ ኻቪየር ካብሪኒ – እቲ ናይ ንግደት መንገዲ ብስማ ዝተሰምየ – ንመንፈሳውን ንዋታውን ድሌታት ድኻታት ስደተይናታት እትኣሊ ጣልያናዊት ኣመሪካዊት ድንልግ፡ ከምኡ’ውን ከም ቅድስቲ ኣፍልጦ ዝረኸበት ናይ መጀመርታ ኣመሪካዊት ቅድስቲ ኣስተብሂሎም፡ “እዞም ቅዱሳንን ቁዱሳትን ካልኦት ከምኣቶም ዝኣመሰሉን ዝገብርዎ ዝነበረ ጽዑቕ ሓዋርያዊ ንጥፈታት ብዘይ እቲ መዓልታዊ ኣብ ቅድሚ መንበረ ታቦት ብጽሞና ካብ ዝገብርዎ ዝነበረ ህሞታት ጸሎት ዝረኽብዎ ዝነበረ ሓይሊ ኣይምተኻእለን ነይሩ” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ድልዱል ምስጢረ ቅዱስ ቁርባናዊ ሕይወት ምዅስኳስ

ቀጺሎም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣብ ንግደት ቅዱስ ቁርባን ዝሳተፉ ሰባት ከመይ ኣሰር እዞም ኣገደስቲ ሰባት ተኸቲሎም ሕድሪ እምነት ይቕጽሉ ከምዘለዉ ኣስሚሮም፡ “ኣብ ጉዕዞኹም ናይ ቅዳሴ፣ ናይ ቅዱስ ቁርባን ንግደታትን ናይ ቅዱስ ቁርባን ኣምልኾን፣ ንመገድኹም ንምቕጻል ዘድሊ ሓይልን መመገብን ዘቕርበልኩም ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ፡ ስጋን ደምን ክርስቶስ ሕይወትን ኣብ ምድርን እቲ ዝኸበረ ዋኒን ቤተ ክርስቲያን ምዃኑ ኣጉሊሖም፡ ኩሎም እቶም ዝተሳተፉ ሕይወቶም “ኣብ ትሕቲ ፍቕራዊ ሓልዮትን እግዚኣብሔር” ከንብርዋን ኣብ ማሕበረሰቦም ሓያልም ምስጢረ ቅዱስ ቁርባናዊ ሕይወት ክዂስኩሱን” ተላብዮም መደረኦም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

06 Jul 2026, 15:35