ር.ሊ.ጳ.፥ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ምስ ኩሉ ሰብ ምዝታይ ር.ሊ.ጳ.፥ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ምስ ኩሉ ሰብ ምዝታይ   (ANSA)

ር.ሊ.ጳ.፥ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ.፡ ናይ ሓባር ረብሓ ንምድንፋዕ ምስ ኩሉ ሰብ ምዝታይ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ዓለምለኻዊ ዋዕላ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሓባራዊ ረብሓ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ግሩም ሰብኣውነት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝለገስዎ ዓዋዲ መልእኽቲ ብዛዕባ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ካብ ምስማዕን ከምኡ'ውን እዚ እደ ጥበባዊ ምዕባለ ዘስዕቦ ኣሉታዊ ጽልዋታትን ዝተወልደ ምዃኑ የጒልሑ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ  Magnifica humanitas - ግሩም ሰብኣውነት   ዓዋዲ መልእኽቲ ምስ AI - ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ዚራኸቡን ዚሰርሑን እተፈላለዩ ሰባት ብምስማዕ ከም እተወልደን፣ ኰይኑ ግና "ብዛዕባ እቲ ቀመራዊ ምዕሪቲ (ኣልጎሪዝም) ብዘይግቡእ ምጥቃም ኺህሉ ኸም ዚኽእል ዚገልጽ ኣብ ወሳኒ ቦታታት ሰብኣዊ ትውክልቲ ከጥፍእ ከም ዝክእል ዘመላኽት ዘጨንቕ ጸብጻባት ዝተደረኸ እውን ምዃኑ፥ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮ መበል 14 ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ዕለት 8 ሓምለ ናብ ዓለም ለኻዊ ዋዕላ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሓባራዊ ረብሓ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ የስተብህሉ።

እቲ መልእኽቲ ብምኽንያት እቲ ካብ ዕለት 7 - 10 ሓምለ ኣብ ጀነቫ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንሓባራዊ ረብሓ ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመረሐ ብኣህጉራዊ ሕብረት ቴሌኮሙኒኬሽን ሕቡራት ሃገራት (ITU) ምስ ካልኦት ትካላት ሕቡራት ሃገራትን መንግስቲ ስዊዘርላንድን ብምትሕብባር ዘዳለዎ ኣህጉራዊ ዋዕላ ዝተመሓላለፈ ኮይኑ፡ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንዓለም ብኸመይ ይቐርጻ ከምዘሎ ንምድህሳስን ንኣገደስቲ ዓለማዊ ብድሆታት መፍትሒ ንምቕራብን ዝዓለመ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

"ብዛዕባ መጻኢ ደቂ ሰብ ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዓበይቲ ሕቶታት ዘልዕል ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ንምስትንታን ክትእከቡ እንከለኹም ናይ ቅድስቲ መንበር ህላወን ክፉት ንዝኾነ ምይይጥን ብፍላይ ኣብዚ መዋእል መቐይሮ እዚ ከረጋግጸልኩም እደሊ - ቢሎም ምስዚ ብምትሕሓዝ፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ዘመነ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ፡ ኣብ ምሕላው ሰብኣውነት ሰብ ዝገልጽ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲ መልእኽቲ “ንሓባራዊ ረብሓ ንምልላይን ንኹሉ ክቡር ህይወት ንምድንፋዕን” ምስ ኩሉ ዓይነት ሰባት ኣብ ዘተ ክዋፈሩ ድሌቶም ከም ዝገለጹ ኣጒሊሖም፡ ግሩም ሰብኣውነት ዘርእስቱ ዓዋዲት መልእኽቶም ‘ንሰፊሕ ስቓይ ከቃልል ዝኽእል እደ ጥበባዊ ምዕባለ ብቕንዕና ዝፈጥሩ ናይ ስነ ፍልጠት ሊቃውንትን መሃንድሳትን፤ ብጽንዓት ፍትሓዊ ሕግታት ዝደልዩ ፖለቲካዊ መራሕትን መንግስታዊ ሰበስልጣንን፤ ንመጻኢ መንእሰያት ወለዶታት ብዕምቆት ዝግደሱ ወለድን መምህራንን’ ካብ ምስማዕ ዝተወልደ ምዃኑ ኣብሪሆም፡ ይኹን እምበር፡ እቲ ዓዋዲ መልእኽቲ በቲ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ኣብ ደቂ ሰባትን ሕብረተሰብን ዘሕደሮ ኣሉታዊ ጽልዋታት እውን ዝተደረኸ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ “ሃናጽን ዘሀብትምን ምይይጥ ከተካይዱ እናተመነኹ፡ ‘ንደቂ ሰባት ንምግልጋል’ ኣብ እትገብርዎ ጻዕሪ ጸሎተይ  እረጋግጸልኩም” እንክብሉ መልእኽቶም ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

09 Jul 2026, 15:37