ር. ሊ. ጳ.፦ ኣብ ማእከል መዓትን መቕዘፍትን ውግእ ክርስቶስ ተስፋና እዩ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ናይ ዕለተ ሰንበት ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ ቃል ኣምላኽ፣ ክርስቶስ ንቓልስና ብኸመይ ናብ ገዛእ ርእሱ ከም ዝወሰዶን፣ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ እከይ ብኸመይ ብጥበብ ኣምላኽ መልሲ ከም ዝህበሉ ብምምስካር፣ "ብትሑት ስጋና ከም እተገልጸ" ኣስተምሃሩ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ንጾር ጸገማትናን ስቓይናን ኬፋዅስ ዝኽእል ክርስቶስ ጥራይ እዩ፣ ፍቕሩ ድማ ብትሕትና ጥራይ እዩ ክርከብ ዚከኣል፣ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዝሃለፈ ሰንበት ዕለት 5 ሓምለ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘከፈልዎ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚአብሔር ኣስተንትኖኦም ኣተሓሳሲቦም።

"ኣብ እዋን ባርነት፣ ክርስቶስ ሓርነት እዩ። ኣብ ማእከል መቕዘፍቲ ውግእ ክርስቶስ ተስፋ እዩ። ኣብ ግዜ ሓጢኣት ክርስቶስ ምሕረት እዩ" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕሊሖም።

"እዚ እቲ ሓቀይና ጥበብ ኮይኑ፣ እታ ብስሙ ከም ደቀ መዛሙርቁ ኴንና ሓቢርና ኽንመላለሰላ እንደሊ መገድን እያ። ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ወዲ ሰብ መጠን ሓውና ብምዃን፣ ነዚ ይምህረና። ብሓይሊ ቅዱስ መንፈሱ ኣቢሉ ድማ ንቤተክርስትያን ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ ደቂ ሰብን ባዕባ ሓቅን ይገልጸላ" ክብሉ ኣስተንተኑ።

ኢየሱስ ነቲ ብእከይ ዝቘሰለ ሰብኣውነትና ናብ ገዛእ ርእሱ ወሰዶ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ክብደት እቲ እንጾሮ መስቀል "ቀሊል"፣ ከምኡውን "ፈኲስ" ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ኣተሓሳሰቡ፣ "ጐይታ ባዕሉ ምሳና ስለ ዝጾሮ፣ ኣብቲ ጾርና በይንና ኣይሓድገናን ኢዩ።"

"ጐይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ሓቀይና መምህር መጠን፣ ነቲ ብእከይ ዝቘሰለ ሰብኣውነና ንምፍዋስን ንምክንኻንን ኣብ ገዛእ ርእሱ ወሲድዎ እዩ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣትሪሮም ተዛረቡ።

ብተወሳኺውን ንኣገዳስነት መስቀል ብምርዳእ፣ ተስፋን ምጽንናዕን ክንረክብ ከም እንኽእል ገለጹ።

እቲ ብ ክርስቶስ እንረኽቦ ጥበብ "ኣዋጅ ምድሓን" እዩ፣ "ኣርዑቱ ኻብ ኵሉ ውድቀት ልዕል የብለና" ብምባል ድማ፣ ቅዱስ ኣቦና ነቲ ካብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕራፍ 11 ቍጽሪ 25 ክሳዕ 30 እተወስደ ናይ ዕለቱ ንባብ ወንጌል እውን ጠቒሶም ኣስተንተኑ።

"በዚ ምኽንያት እዚ ንክርስቶስ ንምስዓብ እንገብሮ ጕዕዞ ዜጥፍእ ኣስማታዊ ኣተሓሳስባ ኣይኰነን።  ኣብ ክንዳኡስ ንድራማ ታሪኽ ኣርዚኑ ዝርእን፣ ብፍላይ ኣብ ጸልማት ዝኾነ እዋናት፣ ንትርጕሙ ብቐጻሊ ዜብርህ ቤት ትምህርቲ ሓርነት እዩ" ክብሉ መስከሩ።

ስለዚ "እከይ ብመስቀል ኢየሱስ ጥራይ እዩ ዝሰዓር። ኣብ ፍቕሩ ጥራይ ኢና፣ ብዛዕባ እቲ መዋቲ ዝኾነ ድኻምና ምጽንናዕን ድሕነትን ዝረክብ" ብምባል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣጕልሑ።

ትምህርቲ ኣምላኽ ንዅሎም እቶም ኣብ ቃልሲ ንዝርከቡ ሰባት እዩ ዝቐርብ

ይኹን እምበር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ትሕትና ንፍቕሪ ክርስቶስ ንምርዳእ ኣገዳሲት ረቛሒ ምዃኑ እውን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብቲ ዘካፈልዎ ኣስተንትኖ፣ ኣብ ናይ ዕለቱ ወንጌል ምርኩስ ብምግባር፣ "ጐይታና መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቦ ኽንውድሶን ንሕና ውን ምስኡ ሓቢርና ክንውድሶ ይዕድመና" ብምባል ገሊጾም፣ ኣስዕብ ኣቢሎም ድማ "ከምዚ ዝኣመሰለ ሃንደበታውን ዜሐጕስን ተግባር ቀሊል ምዃኑ" ኣምላኽ ባዕሉ "ካብ ጥበበኛታትን መስተውዓልትን ተሓቢኡ ኸሎ፣ ንዓና 'ንሕጻናት' ርእሱ ብምግላጽ፣ ባህ ዘብል ተግባር ከም ዝገበሮ ዜንጸባርቕ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ "ደቂ ሰባት ብናይ ገዛእ ርእሶም ሓሳባት ኣዝዮም ስለ ዝተመልኡ፣ ህላወ እቲ ንህዝቡ ክበጽሖም ዝመጸ ክርስቶስ ዝዀነ መሲሕ ኣፍልጦ ኣይህቡሉን ኢዮም" በሉ። "ጥበብ ሰብ ናብቲ ናይ ትዕቢት ትምህርቲ ስለዝመርሖም ብትዕቢት ከም ዝቕየሩ ይገብሮም" ክብሉ ኣጠንቀቑ።

"ብኣንጻሩ ግን ሓቀይና ጥበብ ኣምላኽ ኣብ ትሑት ስጋና እዩ ዚግለጽ፣ ትምህርቱ ድማ ልዕሊ ዅሉ ነቶም ዚቃለሱ እዩ ዝምልከት፣ 'ኣቱም ኵልኹም ዝደኸምኩምን ከቢድ ጾር እትጾሩን፣ ናባይ ንዑ' ዚብል ድማ እዩ።

"ናብ ኢየሱስ ምኻድ ኪበሃል ከሎ፣ ንፍቕሩ ምላሽ ምሃብ ኣብ ህይወቱን፣ ኣብ መስቀሉ እውን ከይተረፈ ምክፋል ማለት እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "እዚ ብፍቕሪ ተበጊስካ ገዛእ ርእስኻ ናይ ምውፋይ ተርባር እዩ፣ 'ኣርዑት' ኢየሱስ ዝኾነ፣ ንሱ ድማ ቀንዲ ትምህርቱን ልቢ ጥበቡን ንዅላቶም ብፍቕሪ ዝነደደ እዩ" በሉ።

06 Jul 2026, 16:33