SPAIN-WILDFIRE-EMERGENCY-GOVERNMENT-CLIMATE SPAIN-WILDFIRE-EMERGENCY-GOVERNMENT-CLIMATE  (AFP or licensors)

ር. ሊ. ጳ. ልዮን መበል 14፣ ንግዳያት ባርዕ ዱር ኣብ ኣውሮጳ ጸልዮም

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም ኣብ ፈረንሳይን ስጳኛን ብዘጋጠመ ባርዕ ዱር እተጐድኡ ሰባት ዘለዎም ጥቡቕ ቅርበት ገሊጾም፣ ንግዳያትን ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ንዝህቡ ሰባትን ክጽለ ድማ ጻውዒት ኣቕሪቦም። ከምኡ ውን ነቲ ብዕለት 26 ሓምለ ዝኽበር ሻድሻይ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን እውን ዘኪሮም።

ዜና ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ነቶም በቲ ኣብ ፈረንሳን ስጳኛን ዘጋጠመ ኣዕናዊ ባርዕ ሓዊ እተጐድኡ ሰባት ጥቡቕ ቅርበት ከም ዘለዎም ብምግላጽ፣ ምእመናን ከኣ ምእንቲ ግዳያትን ኣገልገልቲ ህጹጽ ረድኤት ዝኾኑ ሰባትን ኪጽልዩ ጻውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ፈረንሳን፣ ማእከላይ ስጳኛን ሰፊሕ ባርዕ ዱር ብምኽሳቱ፣ ንማሕበረሰብ ኣብ ሓደጋ ብምእታው ህጹጽ ኩነታት ብምኽሳቱ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዘድልየሉ ዘሎ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ሓሳባቶም ናብቶም በቲ ሓደጋ ዝሳቐዩ ዘለዉ ሰባት ከም ዘበሉ ኣመልከቱ።

ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ እተገብረ ናይ ዕለተ ሰንበት መልኣከ እግዚብሔር ኣብ ዘካፈልዎ ቃል ሰላምታን ምሕጽንታን፣ "ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ሃገረ ፈረንሳን ስጳኛን ዝተኸስተ ኣዕናዊ ባርዕ ዱር ኣብ ግምት ብምእታው፣ ቅርበተይ ክገልጽ እደሊ፣ ኵሉ ሰብ ድማ ምእንቲ እቶም እተጐድኡን ደኺመ ዘይብል ጻዕርን ህጹጽ ረድኤት ንዝህቡ ዘለዉ ሰባት ክጽሊ እዕድም" በሉ።

ኣብዚ ቐረባ መዓልትታት መጥፋእቲ ሓዊ ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐትን ብርቱዕ ንፋስን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ባርዕ ሓዊ ምስ ተላዕለ ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ ኣለዉ።

ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣስዒቦም፣ ቤተ-ክርስትያን ኣብዚ ዓመት እዚ ካብ ነብዪ ኢሳይያስ ብዝተወሰደ "ከቶ ኣይክርስዓኩምን እየ" (ኢሳ 49፡15) ብዝብል ጭርሖ፣ እተኽበሮ ዘላ ሻድሻይ ዓመት ዓለምለኻዊ መዓልቲ ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን እውን ዘኪሮም።

"ብሓባር ኴንና ንጐይታ ስለቲ ሽማጌታትን ኣረጋውያን፣ ንቤተ-ክርስትያንን ንሕብረተሰብን ዝሃብዎ ውህበት ነመስግኖም ኣሎና" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ ንዅላቶም "ነዚ ኽቡር ግደኦም ኬኽብሩን ኣኽቢሮም ኪርእይዎን" ከምኡውን ኣቦሓጎታትን እኖሓጎታትን ኣረጋውያንን "ኵሉ ሳዕ ዝግብኦም ክንክንን ቈላሕታን ሓገዝን ከም ዝረኽቡ" ከረጋግጹ ተማሕጺኖም።

27 Jul 2026, 15:26