2025.08.14 Leone XIV Castel Gandolfo da Villa Barberini 2025.08.14 Leone XIV Castel Gandolfo da Villa Barberini  (foto di padre Bruno Silvestrini)

ር. ሊ. ጳ. ኣብ ወርሒ ሓምለ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ክረምታዊ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከሕልፉ ኢዮም

ሓለቓ ቤተ ጳጳስ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ ካብ ትማሊ ሰንበት ዕለት 5 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ ጀሚሮም፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክሳዕ ዕለት 27 ሓምለ ኣብ ከተማ ካስቴል ጋንዶልፎ ክረምታዊ ናይ ዕረፍቲ ግዜ ከም ዘሕልፉን፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኵሎም ንጥፈታት ቅዱስነቶም ከም ዘቋርጹን ፍሊቶም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ልክዕ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርዎ፣ ኣብ እዋን ክረምታዊ ዕረፍቲ፣ ኣብቲ ካብ ሃገረ ቫቲካን ኣስታት ሓደ ሰዓት ርሒቑ ኣብ ዚርከብ ካስቴል ጋንዶልፎ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከተማ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ጳጳስ ንእተወሰነ ግዜ ኼዕርፉ እዮም።

"ካብ ትማሊ ሰንበት ዕለት 5 ሓምለ ድሕሪ ቐትሪ፣ ቅዱስ ኣቦና ክሳዕ ሰኑይ ዕለት 27 ሓምለ ንዕረፍቲ ናብ ሓዋርያዊ መንበሪ ርእሰ ሊቃነ ጳጵሳት ካስቴል ጋንዶልፎ ክግዕዙ ኢዩም" ይብል፣ እቲ ካብ ቤትጽሕፈት ሓለቃ ቤተ ጳጳሳ ዝወጸ ግለጺ።

እቲ መግለጺ ከም ዘመልከቶ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ ሓፈሻዊ ንጥፈታት ቅዱስነቶም ከም ዘቋርጹን፣ ረቡዕ ዕለት 5 ነሓሰ ኸም ዳግም ከም ዝቕጽልን ድማ ይገልጽ። ውልቃውን ፍሉያት ርክባት እውን ከቋርጹ ከም ምዃኖም እውን ወሲኹ የመላኽት። ኣብዞም ቀጾሎም ዝለዉ ሰናብቲ ወርሒ ሓምለ እቲ ልሙድ ናይ ዕለተ ሰንበት ጽሎት መልኣከ እግዚአብሔር፣ ካብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘይኰነስ፣ ኣብቲ ኣብ ካስተል ጋንዶልፎ ዝርከብ ኣደባባይ ክካየድ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ 2025 ዓ.ም. ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ካብ ዕለት ዕለት 6 ሓምለ ክሳዕ ዕለት 22 ሓምለ ኣብ ካስቴል ጋንዶልፎ ኣብ ዝርከብ ቪላ ባርበሪኒ ናይ 16 መዓልታት ዕረፍቲ ከም ዘሕለፉ እውን ዝዝከር ኢዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ነቲ ንኣከባቢያዊ ክንክን እተወፈየ "ቍሸት ላውዳቶ ሲ" ('ቦርጎ ላውዳቶ ሲ') ከም ዝባረኹን ሓዊስካ ገለ ገለ ህዝባዊ ንጥፈታት ከም ዝፈጸሙ እውን ይፍለጥ።

ከምኡ ውን ናብ ጳጳሳዊ ቍምስና ቅዱስ ቶማስ ዘቪላኖቫን፣ ካቴድራል ኣልባኖን እውን በጺሖም ኢዮም።

ኣብቲ እዋን እቲ ምስ ርእሰ ብሔር ሃገረ ዩክሬን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ቪላ ባርበሪኒ ተቐቢሎም ከም ዘዘራረብዎን፣ ከምኡውን ድሕሪ እቲ እስራኤል ኣብ ቃዛ ኣብ እትርከብ ቤተ-ክርስትያን ቅድስቲ ስድራ መጥቃዕቲ ምፍጻማ፣ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ብተሌፎን ዘረካየድዎ ዝርርብ እውን ይዝከር። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ጸኒሖም ምስ ርእሰ ብሔር መንግስቲ ፍልስጥኤም ማሕሙድ ኣባስ ብናይ ስልኪ ጻውዒት እውን ተዘራሪቦም ምንባሮም እውን ይዝከር።

06 Jul 2026, 16:37