ኣብ ዶብ ኤውሮጳ ንዝንበር ምትሕግጋዝ ምስክንረት ዝኾነት ላምፐዱዛ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ብሓጎስ ትቕበል ኣብ ዶብ ኤውሮጳ ንዝንበር ምትሕግጋዝ ምስክንረት ዝኾነት ላምፐዱዛ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ብሓጎስ ትቕበል  (@Vatican Media)

ኣብ ዶብ ኤውሮጳ ናይ ዝንበር ምትሕብባር ኣብነት ዝኾነት ላምፐዱዛ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ብሓጎስ ትቕበል

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ላምፔዱሳ ኣብ ዝገበርዎ ምብጻሕ ንተቐማጦ ደሴታትን ስደተይናታትን ስለቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ናይ ስደት ብድሆታት ንሜዲትራንያን ምልክት ሕውነትን ተስፋን ክኸውን ዝገብሮ ምትሕብባር ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቶም 6,000 ተቐማጦ ላምፔዱዛ ቀዳም ንግሆ ዕለት 4 ሓምለ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንምቕባል ኣብ ጐደናታት ተሰሪዕምን ናብ መቓብር ናብ ሓወልቲ ኣፍ ደገ ኣውሮጳ ከምኡውን ናብቲ ጃላቡ ስደተይናታት ዝበጽሑሉን ኣብ ላምፐዱዛ ንምብጻሕ ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ብወግዒ ኣብ እተወፈየ ሓወልቲ ኣብ ዝተነብረሉ ስፍራ ዘካየድዎ ምብጻሕ ከም ዘሰነይዎምን። ኣብ መዛዘሚ ጉስነታዊ ዑደቶም ድማ ኣብ ስፖርት ሜዳ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንመላእ ተቐማጦን ስደተይናታትን ወለንተይናታትን ከም ዘመስገኑን፡ ነቶም ኣብ ገማግም ባሕሮም ዝኣተዉ ዓሰርተታት ኣሽሓት ስደተይናታትን ተመዛበልትን ቀረባ ክኾኑ ዝፈቐዱ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ኣብ ሓደጋ ዝወደቐ ስደተይና ሓው ወይ ሓፍቲ ምዃኑ ኣፍልጦ ብምሃብ፡ ዘርኣይዎ ምትሕግጋዝ ኣመስጊኖም፡ ከምኡ’ውን እቶም ስደተይናታት ምትሕግጋዝ ረኺቦም ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጉዕዞኦም ከም ድኻታት ንዝደኸዩ ዝሕግዙ ምዃኖም እውን ኣመስጊኖም፡ “የቐንየልና ኣሕዋትን ኣሓትን፣ ምኽንያቱ ናብ ካልኦት ንምብጻሕ ዘለኩም ድልውነት ፈጺሙ ከም ንቡር ክውሰድ ስለዘይክእል፤ ብቕጽበት ዝፍጸም ነገር ኣይኮነን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ይሕብር።

ካብ ኲናት፡ ስደትን ድኽነትን ዝሃድሙ ማእለያ ዘይብሎም ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ኣብ ገማግም ባሕሪ ደሴታት ኢጣሊያ ከም ዝኣትዉን፡ ብፍላይ ኣብ እዋን ጽድያ ዓረብ ኣብ 2011ን ኣብ መንጎ ግጭት ሶርያ ኣብ 2015ን። ኣብ ሓደ ሰሙን ጥራይ ኣብ 2023 ኣስታት 10,000 ሰባት ናብታ ደሴት ከም ዝኣተዉን፡ እዚ ድማ ዳርጋ ብዕጽፊ ናይቲ ካብ ነባሪ ህዝቢ ላምፐዱሳ ምዃኑ እዩ ዝንገር።

እቶም ንር.ሊ.ጳ. ብጀካ ኣብታ ደሴት ክጸንሑ ዝመረጹን ሕጂ ኣብ ጻዕርታት ህይወት ኣድሕንን ምቕባልን ኣገዳሲ ተራ ዝጻወቱ፡ መብዛሕትኦም ኣብ ማእከል መቐበሊ ኣጋይሽ ላምፐዱዛ ዘለዉ  ቅድሚ ናብ ካልኦት ኣብ ካልእ ቦታታት ዝርከባ ማእከላት መእለይ ስደተይናታት ምስግጋሮም ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ጥራይ እዮም ዝጸንሑ።

ኤውሮጳ ኣብዚ እዋን እዚ ኣዝዩ ቐያዲ ዝዀነ ናይ ስደት ጉዳይ ዝምልከት ሕግታት ንቕድሚት ኣብ እተሰጒመሉ ዘላ እዋን፡ ዝቐልጠፈ ስደተይና ናብ ዝመጻሉ ምልላስን ካብ ሕብረት ኤውሮጳ ወጻኢ ናይ ናብ ዝመጽሉ ናይ መምለሲ ማእከላት ምፍጣርን ኣብ ዝብል ጉዳያት ኣብ እተተኩረሉ እዋን ር.ሊ.ጳ. ልዮን መበል 14 ንህዝቢ ላምፔዱዛ ብሓባር እንታይ ክንዓምም ከም እንኽእል ትንቢታዊ ምልክት ክዀኑ ኣተባብዕዎም። ምክፍፋልን ፍልልያትን ንምስዓር ብቐጻሊ ብምዕያይ በዚ ኸምዚ ድማ ቍጠባ ንኽንክን ፍጥረትን ማሕበራዊ ዕርክነትን ሎሚ ደቅሰብ ሃረር ከይብሎ ዘይከኣሎ ሰብኣውነት ንዝራኸቡላ ዓለም መሰረት ዘንብሩ ክኾኑ ከም እተላበዉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

Photogallery

ኣብ ዶብ ኤውሮጳ ንዝንበር ምስክርነት ምትሕግጋዝ ዝኾነት ላምፐዱዛ ንር.ሊ.ጳ. ልዮን ብሓጎስ ትቕበል
04 Jul 2026, 17:08