ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ኣብ ላምፔዱዛ ኣትዮም
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ዕለት 4 ሓምለ ሰዓት 08፡54 ኣብታ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ መስመራት ስደት ዝኾነት ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኤውሮጳ ብጉዓዞ ባሕሪ ንዝስደዱ መዕረፊ ባይታ ኣብ ዝኾነት ደቡባዊት ደሴት ኢጣልያ ላምፐዱዛ ናይ ሓደ መዓልቲ ጉስነታዊ ዑደት ንኸካይዱ ከም ዝኣተዉ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ኣብዚ ጉስነታዊ ዑደት እዚ ድማ ቅዱስ ኣቦና ፈለማ ናብ መቓብር እታ ደሴት ከም ዝበጽሑን፡ እዚ ድማ ነቶም ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት እተወፈየ መቓብር ዘለዎ ቦታ ኮይኑ። ድሕሪ እዚ ምብጻሕ እዚ ድማ ናብቲ እቶም ናብ ኤውሮጳ ንኽኣትዉ ኣብ ጉዕዞ ባሕሪ ዝሞቱን ሃለዋቶም ዘይተረኽበን ኮሎም ስደተይናታት ዝኽሪ ዝቖመ ኣፍደገ ኤውሮጳ እተሰምየ ሓወልቲ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን የመላኽት።
ቀጺሎም ናብ ፓየር ፋቫሎሮ በጺሖም ኣብኡ ድማ ምስ ገለ ስደተይናታት ከም እተራኸቡን ነቲ ንር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እተወፍየ ጽላት ከም ዝባረኹን፡ እዚ ር.ሊ.ጳ. ልዮን ኣብ ላምፐዱዛ ዘካይድዎ ምብጻሕ ምስቲ ዕለት 8 ሓምለ 2013 ካብ ሮማ ወጻኢ ንመጀመርታ ግዜ ጉስነታዊ ዑደቶም ዘካየዱ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ዜቃልሕ ምዃኑ ዜና ቫቲካን ሓቢሩ። ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ናብ ሮማ ቅድሚ ምምላሶም መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን ንሰበ-ስልጣን ናይታ ደሴትን ቈልዑን ወለንተይናታትን ሰላምታ ከም እተለዋወጡን ልክዕ ሰዓት 12 30 ድሕሪ ቐትሪ ካብታ ደሴት ነቒሎም ልክዕ ሰዓት 13፡45 ደቓይቕ ሮማ ከም ተመሊሶም ናብ መንበሮም ሃገረ ቫቲካን ብሰላም ከም ዝኣተዉ ሓቢሩ።
