ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንመንእሰያት ዒራቕ፡ ኣብ ውጉእ ዓለም ብርሃንን ተስፋን ክርስቶስ ኩኑ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ካብ መላእ ዒራቕ ዝመጹ መንእሰያት ካብ ዕለት 8 - 11 ሓምለ ኣብ ኣንካዋ ኣብ ርእሰ ኤጳርቅና ኤርቢል ንዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ኣብ ዝተኣከብሉ እዋን ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፡ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ፡ ኣብታ ብሳዕቤን ኲናትን ዘይምርግጋእን ብቐጻሊ እትብዳህ ዘላ ሃገር "ብርሃን ክርስቶስ" ክኾኑ ነቶም መንእሰያት ተማሕጺኖም፡ ከም ልኡካን ተስፋ ጸዋዕታኦም ክሕቆፉ ድማ ከም ዘተባብዑ ዝሓበረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፡ ተልእኾ ንዝብል ኣርእስቲ ናብ ዝተወፈየ ዓመታዊ ኣኼባ መንእሰያት ኢራቓውን ክርስቲያን ቅዱስነቶም ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ምስማዐ ርእየት መልእኽቲ ንቶም ተጋባእያን መንእሰያት ሎሚ ኣብ ሕይወት ቤተ ክርስቲያን መተካእታ ዘይብሉ ግደ ከምዘለዎም ኣዘካኺሮም፡ "ቤተክርስትያን ብርሃን ክርስቶስ ብምክፋል ንዓለም ከተገልግል ኣገዳሲ ተልእኾ ኣለዋ - ቢሎም - እቶም መንእሰያት "ኣብ ዝመጽእ ዓመታት ንቤተክርስትያን - ንዓለምን - ንምቕራጽ" ክሕግዙ ኣተባቢዖም፡ ቅድሚ ሕጂ ዝገለጽዎ እምንቶ ብምዝካር "መንእሰያት መጻኢ ቤተ ክርስቲያን ጥራይ ዘይኮነስ ህሉው እውን እዮም" እንክብሉ ኣስሚሮም፡ ከምኡ’ውን ብዙሓት ዒራቓውያን ክርስትያን ዝቕጽል ዘሎ ከቢድ ክውንነት ብምግንዛብ፡ ንወንጌል ምምስካር መብዛሕትኡ ግዜ በዳሂ ምዃኑ ተኣሚኖም፡ "ኣብ ዓለም ብርሃን ምዃን ኩሉ ግዜ ቀሊል ኣይኮነን፡ ብዙሕ ግዜ ብኲናትን ዘይምርግጋእን ኣብ ዝተለለየ ኩነታት ነዚ ብርሃን ከተንጸባርቑ ተጸዊዕኩም ኢኹም” ከም ዝበሉ ኣፍሊጡ።
ኣይትፍራሕ
ዋላ ከምኡ ይኹን፡ ልቦም ከየጥፍኡ ተማሕጺኖም፡ "ኣይትፍርሑ! ኣብዚ ዕማም እዚ ድማ በይንኹም ዘለኹም ኮይኑ ኣይሰማዓኩም፡ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፤ ቤተክርስትያን ምሳኻትኩም ኣላ። እምነትኩም ኣብ ኢየሱስ ኣንብሩ - ቢሎም ምስሊ ብርሃን ባይታ ገይሮም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተንትኖ፡ ንነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ወደ መዝሙር ክቐርጹ ዝግበኦም ሰለስተ ባህርያት ድማ፡ እምነት፡ ፍቕርን ተስፋን እያቶም እንክብሉ ኣጒሊሖም
ፈለማ ብርሃን ንኽንርኢ ከም ዘኽእለና ገሊጾም፡ እምነት እምበኣር ንጸገማት ሕይወት ምላሽ ጥራይ ዘይኮነስ "ክውንነት ምልላይን ኣብ ሓቂ ምንባርን" እዩ፣ ኣመንቲ ንዓለምን ንኻልኦትን ንገዛእ ርእሶምን ብዓይኒ ኣምላኽ ክርእዩ ዘኽእሎም እዩ። ካልኦት እውን ነቲ ዝደልይዎ ሓቅን ትርጉምን ምእንቲ ክረኽብዎ፡ እቶም መንእሰያት በቲ ዝነብሩሉ ኣገባብ ክምስክሩ የተባብዖም ምስ በሉ፡ ቀጺሎም ንብርሃን ውዑይን ማሙቕን ብዝብል ተግባር ብምስትንታን፣ ምልክት ፍቕሪ እግዚኣብሔር እንክብሉ ድማ ገሊጾም፡ ሓቀይና ተልእኾ ብንጥፈት ዘይኮነስ ብዕለታዊ ጸሎትን ምስጢራትን ብፍላይ ድማ ብዕርቅን ቅዱስ ቁርባንን ዝሕብሐብ ካብ ምስ ክርስቶስ ውልቃዊ ርክብ እዩ ዝጅምር” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ሱርካ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሰረጽ
"ልብኹም ኣብቲ ድልዱል መሰረት ናይቲ እግዚኣብሄር ዘለዎ ፍቕሪ ኣቐምጥዎ - ቢሎም - ልቢ ክርስቶስ ርኸብዎ፡ ህይወትኩም ኣብ ልዕሊኡ ክትሃንጹ ድማ ኣይትፍርሑ” ዝበሉ ቅዱስነቶም ኣብቲ ፍቕሪ ሱር ሰዲዶም ደው ብምባል ጥራይ እዮም "ውዑይ ፍቕሪ ኣምላኽን ዕርቂ ሓይሊ ጸጋኡን" ምስቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ከካፍሉ ዝኽእሉ - ቢሎም - ኣብ መወዳእታ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ሊዮስ መበል 14 ብርሃን ከም ምልክት ዕብየትን ተስፋን እንከቕርቡ፡ ዕርቂ ኣብ ዝናፍቕ ዞባ፡ መንእሰያት ክርስትያን ሃነጽቲ ሰላም ክኾኑ ከምዝተጸውዑ ኣተሓሳሲቦም፡ "ብፍላይ ገበርቲ ሰላም ክትኮኑ፡ ኣብ ከባቢኹም ዘለዉ ክትጥርንፉን፡ ኣብ ካልኦት ድማ ብነባሪ ሰላም ዝተለለየ መጻኢ ተስፋ ከተስርጹን ተጸዊዕኩም ኣለኹም። ዋላ እኳ ኩሉ ግዜ ነቲ እትነብርሉ ኩነታት ክትቆጻጸርዎ ዘይከኣል እንተኾነ፡ ኩሉ ግዜ ንልብኹም ‘ሰላም ክርስቶስ ክመርሕ’ ፍቓደይናታት ክትኮኑን ምልክት ናይቲ ካብቲ ተንሲኡ ዘሎ ጎይታ ዝመጽእ ተስፋ ክትኮኑ ትኽእሉ ኢኹም” ምስ በሉ መልእኽቶም ኣብ ምዝዛም ነቶም መንእሰያት ኣብ ፍቕራዊ መደብ እግዚኣብሔር ንህይወቶም ክውከሉ ብምትብባዕ ንናይ ማርያም ኣደ ቤተ ክርስቲያን ኣደኣዊ ክንክን ኣወኪፎም፡ "ኣብ ሰናይነት ኣምላኽ ፈጺምኩም ኣይትጠራጠሩ። ነቲ እግዚኣብሄር ንነፍሲ ወከፍ ህይወትኩም ዘለዎ መደብ ኣይትፍርሑ - ቢሎም - ቃል ነብዪ ኤርምያስ ተወኪሶም ኣምላኽ "ተስፋ ዘለዎ መጻኢ ክህበኩም" ከም ዝምነ ዘኽሩ ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
