2026.06.30 Delegazione del Patriarcato Ecumenico di Costantinopoli 2026.06.30 Delegazione del Patriarcato Ecumenico di Costantinopoli  (@Vatican Media)

ር. ሊ. ጳ.፦ መላእ ክርስትና ኢዮቤል 2033 ዝኽሪ ዓመተ ድሕነት ክርስቶስ ክጽምብሉ ጻውዒት ኣቕሪቦ

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14 ንተወከልቲ ኢቍመናዊ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ ኣብ ከተማ ሮማ ዝርከቡ ተቐቢሎም እንከዘራርብዎም፣ ኵሎም ክርስትያን ምእመናን ኣብዚ እዋን ውግእን ምፍልላይን እሙናት መሰኻኽር ክዀኑ ተጸዊዖም ከም ዘለዉ ብምግላጽ፣ ንመበል 2033 ዓመት ዝኽሪ ዓመተ ድሕነት ብሓባር ክጽንብሉ ተስፋ ከም ዝገበሩ ገሊጾም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"እቲ ኣብ 2033 ናብ ካልኣይ ሽሕ ዓመት ድሕነት ዝመርሕ ጕዕዞ ብዅሎም ኣብያተ ክርስቲያን ዓለም  ብሓባር ብምክያድ፣ ነዚ ውህበትን ናይ ትንሳኤ መሰኻኽር ንምዃንን ዝቐረበ ጻውዒትን እንደገና ይረኽቡ" እንክብሉ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን መበል 14፣ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ንልኡኻት ኢቍመናዊ ፓትርያርክ ቍስጥንጥንያ፣ ብምኽንያት በዓለ ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ተቐቢሎም ኣዘራረብዎም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ደድሕሪ በዓለ ቅዱሳን ጰጥሮስን ጳውሎስን ነዞም ተወከልቲ ተቐቢሎም ሰላምታ ድሕሪ ምቕራብ፣ ክበጽሕዎም ብምምጽኦም ብምምጽኦም ከም እተሓጐሱ እንክገልጹሎም፣"ሕውነታዊ ቅርበት እታ ኣብ ቍጥንጥንያ እትርከብ ሓብትና ቤተ-ክርስትያንን ጓሳኣን መራሒኣን ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ በርተሎሜዎስ ኢቁመናዊ ምዃኖም እውን ገለጹ።

ናብ ምሉእ ሓድነት ንምብጻሕ ዘሎ ሓባራዊ ባህጊ

ንኢቁመናዊ ፓትርያርክን ንዅሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስን ኣብ በዓላት ጠበቓታት ቤተ-ክርስትያኖም ባህላዊ ምልውዋጥን ሕውነታዊ ምብጻሕን ንምቕጻል፣ ልኡኻት ናብ ሮማ ስለ ዝለኣኹ ዓሚቝ ምስጋና ከም ዘለዎም ገለጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ በዓለ ቅዱስ እንድርያስ፣ ኣብ ፓትርያርክዊ ቤተ-ክርስትያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣብ ፋናር ምስታፎም እውን ብሓጐስ ይዝክሩ።

ብተወሳኺውን ነቲ ምስ ኢቁመናዊ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ በርተሎሜዎስ ቀዳማዊ ዝገበርዎ ኣኼባታት እውን ብሞሳ ዘኪሮም፣ እዚ ድማ ነቲ ሓባራዊ ዕርክነቶም ብዝያዳ ዘደልደለን፣ ኣብ ብዙሕ ጕዳያት ዝያዳ ርእይቶ ንኽካፈሉ ዘኽኣሎም ምዃኑ ብምግላጽ፣ "ልዕሊ ዅሉ ድማ ኣብ መንጎ ዅሎም ክርስትያን ምእመናን ናብ ምሉእ ሓድነት ኣብ ዝመርሓሉ መገዲ ዕቤት ንምግባር ዘሎና ሓባራዊ ባህጊ" ብሞሳ ዘዘርክር ኢዩ ክብሉ ኣመልኪቶም።

ዝኽሪ መበል 1,700 ዓመት ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ

በዚ መዳይ እዚ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣስዒቦም፣ ኣብ ድሮ በዓለ ቅዱስ እንድርያስ ኣብ ኢዝኒክ ዝተኻየደ ዝኽሪ መበል 1,700 ዓመት ቀዳማይ ጉባኤ ኒቅያ፣ "ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ኣምላኽ ኣቦ ዅሉ ዝኾነ ንዚኣምኑን፣ ብጉይታናን መድሕኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዚኣምኑን ድሮ ሕብረት ከም ዘለዎም ንጹር ምስክርነት ከም ዘቕርብ ገለጹ።  ከም ጐይታን ወዲ ኣምላኽን ብመንፈስ ቅዱስ፣ ናብ ምልኣት ሓቅን ሓድነትን ይመርሓናን እዩ ክብሉ እውን ገሊጾም።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ወሲኾም፣ "እዚ በዓል እዚ ናይ ኒቅያ እምነት መሰረትን መምርሒ ስርዓትን ናይዚ ኢኩመኒካዊ ጕዕዞ ክኸውን ከም ዘለዎ ንጹር ገይርዎ ኢዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ ሕጋዊ በበይኑ ዝዓይነቱ ናይ ሓቂ ሓድነት ማለት ሓድነት ኣብ ስላሴን፡ ኣብ ሓድነትን ኢዩ ዝመልክት" ብምባል እውን ኣጕልሑ።

ክርስትያን እሙናት ምልክት ሰላም ክዀኑ ጻውዒት ኣቕሪቦም

ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፣ "ኣብቲ ውግእን ግጭታትን እናዓበየ ዝኸደሉ ዘሎ ምክፍፋልን ባህላውን ማሕበራውን ግጭታት ኣብ ዘለዎ መዋእል፣ ክርስትያን ምእመናን ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ሕብረት ተዓሪቖም፣ ኣብ ጸዋዕታ ሓንቲ እምነት ሓድነት ዘለዎም ክርስትያን ክኾኑን፣ ኣብ ኵሎም ጽቡቕ ድሌት ዘለዎም ሰብኡትን ኣንስትን ሰላም ንምህናጽ ዝገብርዎ ጻዕርታት ወሳኒ ኣበርክቶ ብምግባር፣ ዘተኣማምን ምልክት ሰላም ኪዀኑ ተጸዊዖም ኣለዉ" በሉ።

ኣብ ርእሲ እዚውን ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ዅነታት፣ "ኣብ ሓደጋ ዘሎ ምትእምማን ክርስትያናዊ መልእኽቲ ጥራይ ዘይኰነስ ንመጻኢ ደቂ ሰብ እውን እዩ" ክብሉ እውን ኣመልከቱ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ወሲኾም፣ "ኣብዚ ግዜና ኣብ ዘሎ ብድሆታት፣ ኣብ መንጎ ክርስትያን ምእመናን ዝያዳ ምትሕብባር ኣድላዪ ምዃኑን፣ እንተላይ ሰላምን ሓደስቲ ተክኖሎጂ ብግቡእ ምጥቃምን ንፍጥረት ምክንኻንን ካብ ወንጌል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝምንጩ ኢዩ" ክብሉ እውን ተማሕጺኖም።

ሓላፍነት ህይወትን ክብርን ደቅሳባት ንምዕቃብ

ብሓቂ ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፣ "ንህይወትን ክብርን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ዝነኣሱን ኣዝዩም እተሸገሩ ሰባትን ጀሚርና ዘሎና ሓላፍነት፣ ነቲ ህሉውን ዘለኣለማውን ዕድልና ዝውስን መለክዒ እዩ" በሉ።

ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ልዮን ኣብ መደምደምታ፣ ነቲ ዝገበሩሎም ምብጻሕን ከምኡውን ነቲ ልኡኻት ኢቁመናዊ ፓትርያርክ፣ ክርስትያናዊ ሓድነት ንምድንፋዕ ዝገበርዎ ብሕታዊ ቘራጽነት ልባዊ ምስጋናኦም ደጊሞም ገለጹ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "ብኣማልድነት እቶም ብስጋን ብእምነትን ኣሕዋት ቅዱሳን ሓዋርያይ ጴጥሮስን እንድርያስን ውሉድ ኣምላኽ ኣቦናን ዝኾና ወትሩ ብበረኸቱ የሰንየና" ክብሉ ሓዋርያዊ ቡራኬኦም ኣካፈልዎም።

01 Jul 2026, 14:22